ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ምርኻብ ባህሊ ንዝበለጸ ሕውነታዊ ስልጣነ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ምርኻብ ባህሊ ንዝበለጸ ሕውነታዊ ስልጣነ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ምርኻብ ባህሊ ንዝበለጸ ሕውነታዊ ስልጣነ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ንውድን ዓለም ኣገዳሲ ምዃኑ ብምምልካት እዚ ዓውደ ጉባኤ’ዚ፡ ብፍርያም ዘተ ሰናይ ፍቓድን ድላይን ኣስሚሩ ኣብ መንጐ ሃገራት ሕውነታዊ ምትእስሳር ንምሕያል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ኣበርክቶ ዘቕርብን ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ዓለም ውድን ንሓደጋ ዘቃልዑ ስልጣኔታት ሰብ ጽቡቅ ድላይ ተራኺቦም ከምዚ ዓይነት ብዙሃነት ዘእንግድ እውነተይና ሰብኣዊ ባህሊ ንምንቕቓሕ ዘካይድዎም ተበግሶታት ዝነኣድ እዩ ይብሉ

ካብ ዕለት 29 ጥሪ ክሳብ ዕለት 31 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኩባ ርእሰ ከተማ ሃቫና ካብ መላእ ክፍለ ዓለም ዝተዋጽኡ ተጋባኣያን ዘራኽብ ናብ ዘሎ ራብዓይ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ንውድን ዓለም ቅዱስ ኣቦና ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓውደ ጉባኤ ዘተባብዕ መልእክቲ ከዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ፥ ብቤት ጽሕፈት ማርቲያን ዝተዳለወ ኣብ ኣብ መዳይ ስነ ፍካሬን ስነ ሕላነን ዓቢይ ጽልዋ ዘለዎ ደራስን ናይ ፍልስፍና ሊቕን ፖለቲከይናን ናይ ኵባ ናይ ነጻነት ተቓላሲ ምንቅንስቓ መራሒ ዝነበረ ሓደ ካብቶም ጀጋኑ ሃገረ ኩባ ተባሂሎም ካብ ዝግለጹ ኾሰ ማርቲ ተክለ ሰብነትን ፍካሬታቱን ዘተኰረ ፍልጠቱን ድርሰታቱን ዕዮታቱን ብዅሉ ክፍለጥ ናይ ምስፋሕ ሓለፍነት ነዚ መደብ’ዚ ንምድጋፍ ናይ ሰለስተ ዓመት ውጥን ብምሕንጻጽ ዝዛዘም ምዃኑ ክምልከት እንከሎ፡ እቲ ናይ ሃቫና ዓውደ ጉባኤ፡ ዘተ ህብረ ባህሊ ዘለዎ ኣገዳስነትን ናይ ሓደስቲ ማሕበራውያን ምንቅስቓሳት ግደን ብድሆታትን ንጥፈት ንሰላምን ናይ ሓድሽ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ መራኸቢ ብዙሃን ስግኣትን ተስፋታትን ቃልሲ ጸረ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ምዝመዛን ግደ ዝተፈላለያ ማሕበራት ደቂንስትዮን ማሕበራት መንእሰያትን ስሙር ስምምዕ ኣብ መንጐ ሰብኣዊ ፍጥረት ምስ ባህርያዊ ምህዳርን ዝጸንዔ ሓድሽ ናይ ኤኮኖሚ ውጥንን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ኣስተምህሮታትን ሰፊሕ ምይይጥን ዘአንግድ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ንናይ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ኾሴ ማርቲን ናይ ዕዮ ውጥን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ባህልን ስነ ምርምርን ሕንጸትን ሓልዮ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ድጋፍ ዝካየድን ካብ 2003 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝተበገሰ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣድናቖትን ሰናይ ምንዮት ቅዱስ ኣቦና

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ንውድን ዓለም ኣገዳሲ ምዃኑ ብምምልካት እዚ ዓውደ ጉባኤ’ዚ፡ ብፍርያም ዘተ ሰናይ ፍቓድን ድላይን ኣስሚሩ ኣብ መንጐ ሃገራት ሕውነታዊ ምትእስሳር ንምሕያል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ኣበርክቶ ዘቕርብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ዓለም ውድን ንሓደጋ ዘቃልዑ ስልጣኔታት ሰብ ጽቡቅ ድላይ ተራኺቦም ከምዚ ዓይነት ብዙሃነት ዘእንግድ እውነተይና ሰብኣዊ ባህሊ ንምንቕቓሕ ዘካይድዎም ተበግሶታት ዝነኣድ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣብ ክርስትና ንናይ ሰብኣውን ምህዳርን ጻዕሪ ኣናስር

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም፡ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ጠቒሶም፡ እቶም ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ንምክልኻል ብዝተፈላለየ መዳይ ዝዋስኡ ኣብ እምነት ክርስትና ናይ ከምቲ ዘካይድዎ ጻዕሪ ጥልቂ ምኽንያት ኣናስር ከለልዩ ከምዝኽእሉ ገሊጾም፡ እቲ ብዙሕ እዋን ዝገልጽዎ ምህዳራዊ ኵለንተናውነት ዝብል ሓሳብ ጠቒሶም ባህርያዊ ምህዳርን ሰብኣዊ ምህዳርን ተሟራዃሲ ምዃኖም ዘመላኽትን እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ምህዳር ዝወርድ ሕስረት ንምግጣም ካብቲ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውን ማሕበራውን ዝወርድ ሕስረት ምግባስ ዘለዎ ኣገዳስነት መሰረት ገይሮም ዝገለጽዎ ኰይኑ፡ ዕለት 20 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ኵባ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፡ ንመንእሰያት ኵባ፥ ናይ ምርኻብ ባህሊ ከበራትዑን ብፍላይ ሰብኣዊ ፍጥረት ምንቕቓሕ ዝብል ሸቶ ዝገበረ ዘተ ኣብ መንጐ መንእሰያት ክረጋገጽ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሶም ናይ ርክብ ባህሊ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ትምህርቲ ኾሴ ማርቲ ሓድሽ መገዲ ምልላይ

ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እዚ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣተሓዙ ዘካይዶም ናይ ዕዮ ዘተ ናይ ሕውነት ስልጣኔ ንምርግጋጽ ዝድግፍ ኣበርክቶ ክህልዎ ኣተሓሳሲቦም፡ ኩሎም ተጋባእያን ብመሰረት ትምህርቲ ኾሴ ማርቲ ሓደስቲ መገዲ ከለልዩ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ዮሓንስ ጳውሎ ዳግማዊ ኣብ 1998 ዓ.ም. ኣብ ኵባ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ንዀሴ ማርቲ ናይ ብርሃን ሰብ እክብሉ ከምዝገለጽዎ ዘኪሮም፡ ምህዳር ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ብሰላምን ብፍሽኽታን ጸግዒ ረኺብ ብሓባር ዝነብረላ ክትከውን ዝብል ናይ ዀሴ ማርቲ ፍካሬ ጠቒሶም ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምግለጺ ሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ምርኻብ ባህሊ ንዝበለጸ ሕውነታዊ ስልጣነ
30 January 2019, 17:43