ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቦጐታ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኰኒኖም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቦጐታ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኰኒኖም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቦጐታ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኰኒኖም

ቅዱስ ኣቦና ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብ ናይ ቦጐታ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሩበን ሳላዛር ጐመዝ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን ምግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፡ እቲ ሞትን ማህሰይትን ዘስዓበ ኣብቲ ጀነራል ስታንደር እተሰምየ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓይሊ ጸጥታ ብሔራዊ ተቕዋም ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኰኒኖም

እቲ ዕለት 18 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኮሎምቢያ ርእሰ ከተማ ቦጐታ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ንልዕሊ 20 ዜጋታት ንሞትን ንልዕሊ 68 ዝግመቱ ክኣ ምኽንያት ንማህሰይቲ ከምዝዀነ ክንግር እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፡ ዝተሰምዖን ጥልቂ ሓዘን ገሊጾም፡ ንዝሞቱ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ነቶም ዝተሃስዩ ቅልጡፍ ምፍዋስ ተመንዮም ነቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኰኒኖም፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ኰሎምቢያ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ከምዝኣወጁ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብ ናይ ቦጐታ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሩበን ሳላዛር ጐመዝ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን ምግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፡ እቲ ሞትን ማህሰይትን ዘስዓበ ኣብቲ ጀነራል ስታንደር እተሰምየ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓይሊ ጸጥታ ብሔራዊ ተቕዋም ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኰኒኖም ዝተሰምዖም ጥልቅን መሪርን ሓዘን ከምዝገለጹ ክንገር እንከሎ፡

ኢሰብኣዊ ተግባር

ቅዱስ ኣቦና ስለ እቶም ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ጸሎት ብምርግጋጽ ንምዉታት ስድራ ቤት ጸሎቶምን ቅርበቶም እውን ኣረጋጊጾም፡ እቲ መጥቃዕቲ ሰብን ንፈጣርን ዝጻረር ጸረ ፍጥረትን ፈጣርን እዩ ቢሎም ኰሎምቢያ ስኒትን ሰላምን ኣብ ምሕናጽ እተገብሮ ጉዕዞ ከየሰናኽል ሓደራ ቢሎም፡ ምእንቲ ሰላም ኣብ መላእ ዓለምን ጸሎቶም ምዃኑ ብምግጋጽ፡ ነቶም ግዳይን ኣደዳድን ንዝዀኑን ኣባይቲ ስድራኦምን ንመላእ ኮሎምቢያ ቡራኬይ አመሓላልፍ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኰሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት እቲ ኣብታ ሃገር ዝተበገሰ ናይ ሰላም ጉዕዞ ዘሰናኽል ዘበለ ኵሉ ተግባር ኰኒኖም፡ ኣብ ዘተን ዕርቅን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝቖመ ሰላም ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ሓቢሮም፡ ንመላእ ሓይሊ ጸጥታ ኰሎምቢያን ንስድራ ቤት ምዉታትን ዝተሃስዩን ቅርበርበቶምን ጸሎቶምን ኣረጋጊጾም፡ ናይ ሓባር ጉዕዞ ምንእቲ ሰላምን ኵሉ ክሓብርን ግብረ ሽበራ ክኹነን ብናይ ሰላም ባህሊ ክዋጋእ ጽውዒት ኣቕሪቦም።

ናይ ኰሎምብያ ሓይሊ ጸጥታ፥ እቲ ዝተፈጸ ግብረ ግብረ ሽበራ ቦምቢ ዝተጸምዳ መኪና ብሓደ ነበር ኣባል ብሔራዊ ናይ ጸጋም ዘመም ዕጡቃት ሓይሊ ኣባል ብዘይሓውይ ሕማም ዝተጥቕዔ በቶም ዕጡቓት ሓይሊ ዝተኸፍሎ 57 ዓመት ዝዕድሚኡ ኾሰ  ኣልደማኣር ሮኻስ ሮድሪገዝ መሪሖም ብዝፈጸመዎ ለኪምካ ብናይ ምጥፋእ ስርሒት ዝተፈጸመ ምዃኑ ሓቢሩ፡ ብሒራዊ ጸጋም ዘመም ዕጡቓት ሓይሊ ዝሓንጸጾ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ እዩ እንክብሉ ይሕብር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቦጐታ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኰኒኖም
19 January 2019, 17:41