ድለ

ናይ ሰላም ተስፋ ኣብ የመን ናይ ሰላም ተስፋ ኣብ የመን 

ናይ ሰላም ተስፋ ኣብ የመን

እቲ ተስፋ ዝተነብሮ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብ መንጐ ናይቶም ክልተ ተጻባእቲ ሓይልታት መራሕቲ ዝተኻየድ ምልውዋጥ ናይ ኢድ ሰላምታ ነቲ መብዛሕቲኡ ብበሪ ታኢዝን ሁዳይዳን ብዝሓልፍ ናይ ዓለም ሓቆፍ ምሕበረሰብ ረድኤት ዝናበይ ሕዝቢ ካብ ጥምየትን ስእነትን ኣፋውስን ሓደጋ ዘድሕክ ክኸውን ከምዝኽእል

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ እቲ ንልዕሊ 85 ሺሕ ዝግመቱ ሕጻናት ብጥምየትን ብዝተፈላለየ ሕማም ንሞት ዝዳረገ ኣብ የመን ብቀጻሊ ዝረአይ ዘሎ ኣብ መንጐ እቲ ምስ ኢራን ቅርበት ኣለዎ ዝበሃል ዕጡቓት ሓይሊ ሁቲን ናይቲ ምስ ስዑዲ ፖለቲካዊ መስመራዊ ርክብ ኣለዎ ዝበሃል ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ እሙናት ዕጡቓት ሓይሊ ዝካየድ  ሕድ ሕዳዊ ውግእ ብሰላማዊ መገዲ መፍትሒ ንኽረክብ ዝተበገሰ ናይ ሰላም ዘተ ብተስፋ ይምልከትዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣስታት 24 ሚሊዮን ዝግመት ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ሕጻናት ዝርከብዎም ንሞት ዝዳረገ ኣብታ መብዛሕቲኡ ሕዝባ ብሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝናበየላ ኣገር የመን ዝካየድ ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ንምውጋድ ዘኽእል ተስፋ ዝተነብሮ ኣብ መንጐ ብኢራን ዝድገፍን እቲ ብሱዕዲ ዓረብ ዝድገፉ ዕጡቓት ሓይሊ ዝተበገሰ ናይ ሰላም ዘተ ካብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዝቐርብ ሓገዝ 80 ሚእታዊ ዝኣትወሉ ኣብ ከተማ ሁዳይዳ ዝርከብ ወደብ ናይቲ ናይ ሰላም ናይ ስምምዕ ዘተ ማእከል ምዃኑ ኣንሳ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝፈነዎ ሓበሬታ የመልክት።

ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ የመን ንኽኣትው ኣብ ከተማታት ሁዳይዳን ታኢዝን ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣገዳስነቱ ዝሓትት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ዕጡቓት ሓይሊ ሁቲ ብዘለዓዓልዎ ዓመጽ ዝተበገሰ ክኸውን እንክሎ፡ እቲ ዓመጽ ብሰፊሕ ኣብ 2015 ዓ.ም.. ናይ ርያድ ኣየር ሓይሊ ናይ ሁቲ ዕጡቓት ሓይሊ ኣብ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት ድብዳብ ድሕሪ ምክያዱ ዝተባርዔ እዩ፡ ዕጡቓት ሓይሊ ሁቲ ናይ የመን ርእሰ ከተማ ሰንዓ እውን ዝቆጻጸር ምዃኑ እዩ ዝንገር። እቲ ተስፋ ዝተነብሮ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብ መንጐ ናይቶም ክልተ ተጻባእቲ ሓይልታት መራሕቲ ዝተኻየድ ምልውዋጥ ናይ ኢድ ሰላምታ ነቲ መብዛሕቲኡ ብበሪ ታኢዝን ሁዳይዳን ብዝሓልፍ ናይ ዓለም ሓቆፍ ምሕበረሰብ ረድኤት ዝናበይ ሕዝቢ ካብ ጥምየትን ስእነትን ኣፋውስን ሓደጋ ዘድሕክ ክኸውን ከምዝኽእል ኣንሳ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዝፈነዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፡

ናይ ሁቲ ዕጡቓት ሓይሊ ካብ ወደብ ሁዳይዳ ከንሳሕብ

እቲ ኣብ ስዊድናዊት ከተማ ሪምቦ ዝተኻየደ ናይ ሰላም ዘተ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ፍሉይ ልኡኽ ማርቲን ግሪፊትስ ብዘካይድዎ ሽምግልና ዝተረጋገጸ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዕጡቓት ሓይሊ ካብ ወደብ ሁዳይዳ ንምስሓብ ዘካይድዎ ስልቲ ኣፈጻጽማኡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዝጠቓለል ከምዝኸውን ግሪፊትስ ገሊጾም ዝበለ ኣንሳ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡ እቲ ከባቢ ካብ ክልቲታቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ናጻ ዝዀነ ሓይሊ ክሰፍርን እሱራት ምልውዋጥ ዝብል ነጥቢ ዘጠቓልል ምዃኑ እውን ክፍለጥ እንክሎ ካሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2019 ዓ.ም. ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ቃል ግሪፊትስ ዝጠቀሰ ኣንሳ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ናይ ሰላም ተስፋ ኣብ የመን
15 December 2018, 09:36