ቅ. ኣስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማዕት፡ ሰማዕትነት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ቅ. ኣስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማዕት፡ ሰማዕትነት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ዓለም 

ቅ. ኣስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማዕት፡ ሰማዕትነት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ዓለም

ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ ኣስጢፋኖ፡ ኣቀታትላኡን ኣማውታኡን ብኸመይ ዝበለ ጭካኔ ዝተመልኦ ተግባር ምንባሩ ነስተውዕል፡ ነቲ ጭካነ ብምቕርሓም ኣስናን ድላይ ሕነ ምፍዳይን ዘይኮነ ብጥበብን ብምሕረትን ይቕረ ብምባልን ገጠሞ፡

ለምዘበን እውን ብዙሓት ክርስቲያን ስለ እምነቶም ዝቕተሉ፡ ቤተ ክርስቲያን ቀዳሜ ሰማዕትን ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣብ ኣተብዕለሉ ዕለት 26 ታሓሳስ ፍልይ ብዝበለ መገዲ ከምእትዝክሮምን ክፍለጥ እንከሎ፡ ዓለም ሓቆፍ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓላይ ማሕበር ጨንፈር ኢጣሊያ ወሃቢት ቃል ማርታ ፐትሮሲሎን ናይ ርህው መዓጹ እተሰምየ ግብረ ሰናይ ማሕበ ጨንፈር ኢጣሊያ ዋና ኣመሓዳሪ ክርስቲያን ናኒ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ግብረ ሓዋርያት ካብ ምዕ. 6 ክሳብ ምዕ. 7  ከምዝሕብሮ ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ ኣስጢፋኖ፡ ኣቀታትላኡን ኣማውታኡን ብኸመይ ዝበለ ጭካኔ ዝተመልኦ ተግባር ምንባሩ ነስተውዕል፡ ነቲ ጭካነ ብምቕርሓም ኣስናን ድላይ ሕነ ምፍዳይን ዘይኮነ ብጥበብን ብምሕረትን ይቕረ ብምባልን ገጠሞ፡ ነቲ ብደርባ እምኒ ምቅታሉ ምእንቲ እምነት ሓቂ ኣብ ክርስቶስ ሕይወቱ ዘሕለፈ፡ ጐይታይ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘሎም  እንክብል ዘቅረቦ ጸሎት ልመና ቤተ ክርስቲያን ካብ መስራቲኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣትሒዛ ንኣኡ ኣብ ምምሳል እትነብሮ ተመክሮ ሕይወት ሰማእትነት እዩ፡ ታሪኽ ክርስትና ብታሪኽ ናይ እምነት ሰማዕታት ዝግለጽ እዩ፡  ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረገው መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት ነቶም ኣብ ሊቢያ ዝተቐትሉ ናይ ኦርቶዶክስ ሃማኖት ምእመናን  ምጽንናዕ ኣብ ልቦም ዓቂቦም ስለ ኢየሱስ ሰማዕት ዝዀኑ እናሓሰቡ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ቀዳሞት ዘመናት ስለ እምነቶም ዝቕተሉ ማሕበረ ክርስቲያን ቍጽሪ ክብ ከምዝብል ህልው ኩነታት ስደትን መከራን ክርስቲያን ጠቒሶም ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሰማዕትነት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ዓለም

ኣሳዶን መከራን ክርስቲያን

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ይኽውን ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ብዛዕባ ህልው ኵነታት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. 300 ሺሕ ክርስትያን ከምእተቐትሉን ኣብ 38 ሃገራት ኣደዳ እድልዎ ከምዝዀኑን ከመልክት እንከሎ፡ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃን መክሲኮን ናይጀሪያን መቕተልቲ ልኡካነ ወንጌል ካህናትን ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ናይጀኢያ 500 ክርስቲያን ከምእተቐትሉን። ኣብ ምስሪ ዕለት 2 ሕዳር 2018 ዓ.ም.  ዝተቐትሉ 11 ክርስቲያንን ዝዘከራ ናይ ዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ማሕበር ጨንፈር ኢጣሊያ ወሃቢት ቃል ማርታ ፐትሮሲሎ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕሕት ጠቒሰን፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝተቐትሉ ብዝሒ ክርስቲያን ካብቲ ናይ 2017 ዓ.ም. ክብ ዝብለ ምዃኑ ጭቡጥ ኩነታት እናመላኸታ የረጋግጻ።

ርህው መዓጹ፥ ስደትን መቕተልትን ክርስትያን ኣብ ዓለም

እቲ ኣብ 60 ሃገራት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዘለዎ ርህው መዓጹ እተሰምየ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣመሓዳሪ ጨንፈር ኢጣሊያ ክርስቲያን ናኒ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ 2017 ዓ.ም. 3,066 ክርስትያን ብእምነቶምን ሰዓብቲ ክርስቶስ ስለ ዝዀኑ ብዝተፈላለየ መገዲ ከምእተቐትሉን፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን መቅተልቲ ዝፍጽም ብቐዳምነት ካብ ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ምስልምና ሃይማኖትን ብሄርተይና ሃይማኖታዊ ስርዓተ መንግስቲ ከምዝዀኑን ገሊጾም፡ ብዙሕ እዋን ኣብ ልዕሊ ውሁዳን ሃይማኖታትን ክፍሊ ሕብረተሰብን ዝፍጸም እዩ፡ ብእምነትን ብዓሌን ቋንቋን ባህልን ውሁድ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ዝኽወኖ ከባቢ ብተደጋጋሚ ዝፍጠር ዓመጽ እዩ ምስ በሉ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢ ዓለም ሞትን ሓደጋን ስደትን መከራን ዘጋጥሞም ክርስቲያን ምዝካርን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ቤተ ክርስቲያን ብናይ እምነት ሰማዕታት ትዅስኰስን ትዓብን እምበር ኣይትጠፍእን እያ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

 

26 December 2018, 17:20