Ekklesìa (ጉባኤ) እተሰምየ ሓድሽ መጽሔት ንንባብ በቒዑ Ekklesìa (ጉባኤ) እተሰምየ ሓድሽ መጽሔት ንንባብ በቒዑ 

Ekklesìa (ጉባኤ) እተሰምየ ሓድሽ መጽሔት ንንባብ በቒዑ

ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቀመር ኣይኰነ፡ ሕይወት እዩ፡ ዕለታዊ ሕይወት እተንብበሉን ኣብ ዕለታዊ ሕይወት እምነት ንምትሕልላፍ ዝድግፍ፡ ብቓልን ሕይወትን ናይ ግልን ማሕበረሰብን ምስክርነት ዝብል እዩ፡

ቺታ ኑዎቫ እተሰምየ ቤት ማሕተም ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንዝዋፈሩ ዘገልግል ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዋናዊ መጋበርያ ዘላልይን ሓድሽን ብቑዕን ፍኖት ንሰፍሆተ ወንጌል ዝሕብር ኣብ ሰለስተ ወርሒ ዝሕተም ሓድሽ Ekklesìa - ጉባኤ እተሰምየ መጽሔት ንሕትመት ከብቅዕ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖምን ቅልውላው ዝርጋሔ ጋዜጣታትን መጽሔታን ርኢኻ ሓድሽ መጽሔት ንንባብ ምብቃዕ ብሓቂ ልሙድ ዘይመስል እዩ፡ ቺታ ኑዎቫ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ሓንሳብ ንሕትመት ዘብቅዖ ኤክለዚያ እተአምየ መጽሔት ናይ ሱታፌን ዘተን ምልክታ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ብመርበብ ሓበሬታን ብሕትመትን ዝቐርብ ኰይኑ፡ ንኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ሓድሽ እዋን ንሓድሽ እዋን ዝመዓራረይ መገድን ቋንቋን ዘመላኽት እዩ።

ንዘተ ዝድግፍ መጽሔት

ብፍላይ ነቶም ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝተዋፈሩን ንዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ማሕበራትን ኣብ ቁምስናታትን ሰበኻታትን ንዝተዋፈሩ ሓባሪ ፍኖት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ፡ እዋናዊ ኩነት ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምንባብን፡ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብእዋናዊ ኩነታት ንምስትውዓል ዝድግፍ እውን ምዃን ብዙሓት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ካብኣቶም እውን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ፒየሮ ኰዳን ናይ ስነ ካቶሊክዊ ሕንጸት ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ኣባ ኣንጀሎ ቪቸንዞ ዛኒን እናቴ ቲዚያና ሎንጊታኖን ናይ ኣኵይላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ ፐትሮኪን ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ትንታኔ ሊቅ ገራርድ ሮዜን ኣብ ኣየርላንድ ናይ ሊመሪክ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ በረንዳን ሊህይን፡ ናይ ኣፍቅሮተ ዘቤት ካልኣይ ኣቦ መንበር ኸሱስ ሞራንን፡ ናይ ስነ ገዳማዊ ሕይወት ቲዮሎጊያ ሊቅ ፋቢዮ ቻርዲን ናይ ስነ መራኸቢ ብዙሃን ሊቅ ተወላዲት ኰሎምቢያ ሱሳና ኑይን ኣንግሊካዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ካላን ስሊፐርን ካብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ስተፋኖ ተብለርን ጽሑፋቶም ዘቕርብሉ መጽሔት ምዃኑ ናይቲ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባ ቡአርቱስ ብላኡማይሰር ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣፍሊጦም።

ኣብ እዋኑ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፥ ቃለ ወንጌል ዘቕርቦ ኣምር ንእዋናዊ ዓለም ቋንቋን ፍካሬን ብዝመዓራረይ ቋንቋ ምቕራብ ዝተዳኸመ ይመስል እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣባ ብላውማይሰር ዘኪሮም፡ ኩነት እምነትን ክርስትናን ማዕረ ማዕረ ንእዋናዊ ዓለም ኵነት ገርካ ምርኣይ ጌጋ እዩ፡ ምስ ሕይወት ዝተኣሳሰረ ክኸውን ስለ ዘለዎ፡ እምነትን ሕይወትን ብሓደ እዩ ዝኸይድ፡ እቲ መጽሔት በዚ ኣገባብ’ዚ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘእውን እዩ ኢሎም።

ምስክርነት፡ ናይ ግልን ማሕበረሰብን

ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቀመር ኣይኰነ፡ ሕይወት እዩ፡ ዕለታዊ ሕይወት እተንብበሉን ኣብ ዕለታዊ ሕይወት እምነት ንምትሕልላፍ ዝድግፍ፡ ብቓልን ሕይወትን ናይ ግልን ማሕበረሰብን ምስክርነት ዝብል እዩ፡

ኣብ ወንጌል ናብ ዝጸንዔት ቤተ ክርስቲያን ምምላስ

ህብረ ሃይማኖትን ሃይማኖታዊ ተምክሮታትን ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢ ዓለም ዝቐውማ ሓደስቲ መናእሰይ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሰፍሕ ዘሎ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ማሕበራውን ግላውን ሕይወት ዘወግድ ባህልን ምስፋሕ ብብርቱዕ ናህሪ ሓደስቲ መራኸቢ ብዙሃንን ሓደስቲ ብድሆታትን ኩሉ ንምግጣም ዘኽእል ሓድሽ ኣገባብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን በታ ናብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ብእተብል ቤተ ክርስቲያን ምቕራብ እክብሉ ንዝገልጽዎን ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያንን ኣማእኪሎም ዘቕርብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ዝተበገሰ መጽሔት ምዃኑ ኣባ ብላኡማይሰር ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም ቤተ ክርስቲያን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ምስ ህዝቢ እትጓዓዝ ምዃናን ዝመክር መጽሔት እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

17 December 2018, 14:06