ክንየው ፍርሕን ኢጐነትን ተሓባባርነትን ሓልዮትን ምንባር ክንየው ፍርሕን ኢጐነትን ተሓባባርነትን ሓልዮትን ምንባር 

ክንየው ፍርሕን ኢጐነትን ተሓባባርነትን ሓልዮትን ምንባር

ኣብ ዓለም ኤክኖሚያውን ማሕብራውን ቅልውላው ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ምትሕብባር ዝብል ቃል ኣካታዒ ኰይኑ ከምዘሎ እቲ ኣናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነትን ስእነት ሰላምን ውግእን ጸኣት ስደተይናታትን የረጋግጾ

ዕለት 20 ታሓሳስ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተኣጀ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ምትሕብባር ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ሃብቲ ዓለም ብማዕረ ክባጻሕን ካብ መላእ ዓለም ድኽነት ንምውጋድ ናይ ሓባር ጻዕሪ ንምትብባዕ ኣሚቱ ዝተወሰነ መዓልት ሓልዮትን ምትሕብባርን ምኽንያት እቲ ኣብ ዓለም ድኻን ሃብታምን ዝብል ካብ መልክዓ ምድራዊ ሓሊፉ ዝፈጥሮ ፍላላይ መልክኣ ሰብኣዊ ንኽውገድ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ተኻይዶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብዝሃነት ኣብ ሓድነት ዝበዓለሉ መንግስታት ዓለም እቲ ድኽነት ንምውጋድን ተቐባልነት ዘለዎ ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ምዕባለ ንምርግጋጽ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝተሓንጸጹን ንኽፍጽምዎ ቃል ዝኣተውሉ ስምምዓት ከኽብሩን ኣብ መንጐ ኣሕዛብን ሃገራትን ምትሕብባር ከነቓቕሑ ጻውዒት ከምዝቐረበን፡

ናይ ድኻታትን ሓለፋ ዝይብሎምን ምዕባለ ምንቕቓሕ

እቲ ብውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ 2015 ዓ.ም. ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ምትሕብባር ኣብ ድኻታት ሃገራት መደብ ኤኮኖምን ሰብኣውን ልምዓት ንምንቕቓሕ ዝኣመተን ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓለፋ ዝብል መደብ ልምዓት ክረጋገጽን ክነየው ዝቐርበሎም ድጋፍ ርእሰ ብቕዓት ዘዕትሮም ክኸውን መሰረታዊ ሓገዝ ክቐርበሎም ዘተባብዕ እውን ምዃኑ ይንገር።

ኣብዚ ኣብ ዓለም ኤክኖሚያውን ማሕብራውን ቅልውላው ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ምትሕብባር ዝብል ቃል ኣካታዒ ኰይኑ ከምዘሎ እቲ ኣናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነትን ስእነት ሰላምን ውግእን ጸኣት ስደተይናታትን የረጋግጾ፡ ስለዚህ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሰብኣውን ቅልውላው ንምውጋድ ኣብ ዓለም ምትሕብባርን ሓልዮትን ማዕርነትን ፍትሕን ምንቕቓሕ ኣማራጺ ዘይብሉ መገዲ ምዃኑ ኩሉ ዝፍልጦ እዩ፡ እዚ ኣብቲ ናይ ዕለት 1 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ተመልኪቱ ኣሎ።    

21 December 2018, 16:20