ድለ

ቅድስቲ መሬት፡ እስራኤል መሬት ቤተ ክርስቲያን ትህግር ቅድስቲ መሬት፡ እስራኤል መሬት ቤተ ክርስቲያን ትህግር  

ቅድስቲ መሬት፡ እስራኤል መሬት ቤተ ክርስቲያን ትህግር

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ቤተ እሰላም ዓቢይ ሙፍቲ ሸኽ ሞሓማድ ኣሕማድ ሑሳይን ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ናይ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንብረት ዝዀነ መሬት ሃጊሩ ይጥቀመሉ ከምዘሎን እዚ ኸኣ ካብ ሕጊ ወጻኢ እዩ

ኣብ እየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ናይ እስራኤል ሓይሊ ምክልኻል ናይ ቤተ ክርስቲያን መሬት ይህግር ኣሎ እንክብል ይኸስስ፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ተግባር’ዚ ዘስዕቦ ጸገምን ኣብ ዝግብኦ መድረኽን ንዝምልከቶ ኣካልን ኣቕሪቡ ክምጉቶሉ ምዃኑ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣስታት 25 ሄክታር ዝግመት ኣብ እየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንብረት ዝዀነ መሬት ናይ እስራኤል ሓይሊ ምክልኻል ወሪሩ መስፈሪ ይጥቀመሉ ኣሎ እንክብል ናይ ላቲን ስርዓት ፓትሪያርክ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስራኤል ከምዝኸሰሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፡ እቲ ዝተተሓዘ መሬት ኣብ ታያሲርን ባርዳላን ፍልስእጤማዊ ቁሸታት ዝርከብ ክኸውን እንከሎ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ፍልስእጤም ናይ ሰብኣዊ ማሕበራትን ካልኦት ተመሳሳሊ ማሕበራት እውን እቲ ናይ እስራኤል ሓይሊ ምክልኻል ዝፈጸሞ ተግባር ናይ ዓለም ሓቆፍ ሕጊ ዝጥሕስ ምዃኑ የመልክታ ቢሉ፡ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ነቲ ዝሓዞ መሬት ቤተ ክርስቲያን ድሮ ከምዝሓጸሮ እውን ይገልጽ።

ኣብ ኢየሩሳሌም ዓቢይ ሙፍቲ እውን ብወገኑ ክሲ የቕርብ

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ቤተ እሰላም ዓቢይ ሙፍቲ ሸኽ ሞሓማድ ኣሕማድ ሑሳይን ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ናይ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንብረት ዝዀነ መሬት ሃጊሩ ይጥቀመሉ ከምዘሎን እዚ ኸኣ ካብ ሕጊ ወጻኢ እዩ እንክብሉ፡ ነቲ ናይ እስራኤል ሓይሊ ምክልኻል ተግባር ከምዝዀነኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ፡ እዞም ናይ ሱኒ እስላም ሰዓብቲ መንፈሳዊ መራሒ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ዓለም ሓቆፍ ስልጣናት ፖለቲካ ነዚ ጉዳይዚ ብቐረባ ክርእይዎን እቲ መሬት ንዋንኡ ክምለስ ክድርኹን ኣብ ቅድስቲ መሬት ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ሕገ ጥሕሰት እውን ምዃኑ ሓቢሮም ዓለም ለኻዊ ሕጊ ዘኽብር መልሲ ክወሃቦ ጻውዒት ኣቕሪቦም ይብል።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ንብረት ቅዱሳት ስፍራ ኣመሓዳሪ ፍራንቸካዊ ካህን ኣባ ፍራንቸስኮ ፓቶን፡ ምስ ቫቲካን ነውስ ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ናይ ሃገረ ፍልስጥኤም ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ዓበስ ኣብ ሃገረ ቫቲካንን ሃገረ ኢጣሊያንን ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘካይድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ሃገሮም ኣብ ከይዲ ሰላም እትኣምንን ናብ ዘተ ከተብል ድላይ ከምዘለዎ የረጋግጹ እንክብሉ፡ ርእሰ ብሄር ዓበስ እውን ብወገኖም ላ ስታምፓ ምስ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካንን ሃገረ ኢጣሊያን ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ንኽረጋግጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንበይና እኽልትን ብቕዕትን ከምዘይኰነት ዝሕብርን ንበይና ናይ ሰላም ሸምጋሊት ክተውን ከምዘይትኽእል ዘረጋግጽ እዩ ኢሎም። 

ቅድስቲ መሬት፡ እስራኤል መሬት ቤተ ክርስቲያን ትህግር
05 December 2018, 16:30