ኤፒፋንይሽ ናይ ሓዳስ ኡክራይናዊት ርእሰ ቄፋልያዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ኤፒፋንይሽ ናይ ሓዳስ ኡክራይናዊት ርእሰ ቄፋልያዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ 

ኤፒፋንይሽ ናይ ሓዳስ ኡክራይናዊት ርእሰ ቄፋልያዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ

ሓድሽ ናይታ ርእሰ ቀፋልያዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ቀዳማይ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ኤፒፋንይሽ ድሕሪ ሕርየቶም፥ ድሕሪ ብዙሕ ጸገም ላዕልን ታሕትን ኣብ መወዳእታ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኡክራይን ተዓዊታ ቢሎም

39 ዓመት ዝዕድመኦም ኤፒፋንይሽ (ዱመንኮ) ኣብ ኡክራይን ናይ ፐረሽላቫን ክህመልቲዝኪን በሎትሰኮቭስክይ ናይ ኡክራይን ናጻ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኣቢያተ ክርስቲያን ሜጥሮፖሊታ ዝነበሩ ዕለት 15 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ናይ ኡክራይን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘካየዶ ውሁዳዊ ጉባኤ ቀዳማይ ናይታ ዝቖመት ሓዳሽ ርእሰ ቄፋሊያዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኰይኖም ከምእተሓርዩ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብዝቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ሓደ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ወኪልን ክልተ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ልኡካንን ከምኡ እውን ናይ ኡክራይን ርእሰ ብሔር ፐትሮ ፖሮሸንኮ እውን ከምእተሳተፉ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ዕለት 15 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይ ውህደት ጉባኤ ንናይ ቁስጥንጥንይ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝውክሉ ብናይ ግራሊያ መጥሮፖልቲካ ኤማኑኤል ተመሪሑ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ ሓድሽ ናይታ ርእሰ ቀፋልያዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ቀዳማይ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ኤፒፋንይሽ ድሕሪ ሕርየቶም፥ ድሕሪ ብዙሕ ጸገም ላዕልን ታሕትን ኣብ መወዳእታ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኡክራይን ተዓዊታ ቢሎም፡ ዕለት 16 ታሕሳስ ኣብ ቅዱስ ሚካኤል ደብሪ ዶራቶ ቤተ ክርስትያን ከም ፓትርያርክ ቀዳማይ መለኰታዊ ሉጡርጊያ ከምዝሰርዑ ተሓቢሩ።

ሓድሽ ቀዳማይ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ኤፒፋንይሽ መን እዮም

እዞም ናይ ኪየቭን ናይ መላእ ኡክራይን ሜጥሮፖሊታ ዝብል ሓዋርያዊ መጸውዕ ዝተወሃቦም ፓትሪያርክ ዕለት 3 ለካቲት 1979 ዓ.ም. ኣብ ኡክራይን ክፍለ ሃገር ኦደሳ ኣውራጃ ኢቫኖቭስክ ኣብ እትርከብ ቮኮቮ ቝሸት ዝተወልዱን ኣብ 1999 ዓ.ም ኣብ ኪየቭ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣጠናቒቖም ኣብ ናይ ኡክራይን ፓትሪያርካዊ መንበረ ጥበብ ቲዮሎጊያ ካብ 2004 ክሳብ 2007 ዓ.ም. ተማራይን ብዝለዓለ ነጥቢ ብቲዮሎጊያ ሊቕነት ኣመስኪሮምን ቀጺሎም ኣብ ግሪክ ኣብ ዝርከብ ናይ ፓትሪያርካ ገዳም እቲ ዝተመሃርዎ ናብ ተግባር ንምትርጓም ዘክእሎም ናይ ስነ ቲዮሎጊያ ስነ ግብርና ትምህርቲ ተኸታቲሎምን ኣብ ደንሰንኮ ናይ ናይ ፊላረት ፓትሪያርክ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ከምዘገልገሉን ኣብ 2009 ዓ.ም. ናይ ቭይሽጎሮድ ጳጳስ ከይኖም ተሰምዩ፡ ኣብ 2013 ዓ..ም. ሜጥሮፖሊታ ተሰምዩ፡ ናይ ኪየቭ ቁምስናታት ማእከላዊ ቤት ምሕደራ ቤት ጽሕፈት ዘገልገሉን ናይ ስነ ቲዮሎጊያ መምርሒ ቤት ጽሕፈት ኣባልን ናይ ኪየቭ ፓትሪያርክ ናይ ስነ ምርምር ድርገት ኣባልን ከይኖም እውን ከምዘገልገሉ ካብ ናይ ኪየቭ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወጸ መግለጺ የመልክት።

ናይ መላእ ሩሲያን ሞስካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዝተኻየደ ሕርየት ፓትሪያርክ ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ

እቲ ኣብ ኪየቭ ዝካየድ ሲኖዶስ እተን ካብ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናጻ ዝዀና ርእሰ ተመሓዳርቲ ቀፋልያውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተክርስቲያን ዘሳተፈ ክኸውን እንከሎ፡ እታ ሓደስ ካብ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶካዊት ቤተ ክርስቲያን ናጻ ዝዀነት ናይ ኡክራይን ርእሰ ተመሓዳሪት ወይ ቄፋልያውያን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን እትምርሓሉ ሕጊ ኣጽዲቓን ቀዳሜ ፓትሪያርክ ከምዝሓረየትን እቶም ናይ ኡክራይን ቀፋልያዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳሜ ዝተሓርዩ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀኖናዊ ኣፍልጦ ከምዘይትህቦም ብወግዒ ከምዝገለጸት ክንገር እንከሎ፡ ኣዛ ናይ ኡክራይን ቄፋልያዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ገዛእ ርእሳ ጉባኤ ምሕድራ ከምዝህልዋን ብናይ ገዛእ ርእሳ ፓትሪያርክ ብዝሕረዩ 12 ጳጳሳት ብዝሓቁፍ ብናይ ገዝእ ርእሳ ቀዋሚ ሲኖዶስ እትምራሕ ምዃን ክሕበር እንከሎ ዕለት 6 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ብበዓለ ልደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቁስጥንጥንያ ብምኻድ ካብ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቄፋልያውነት ትእምርቲ ጦሞስ ክርከቡን ቀኖናዊ ኣፍሊጦ ካብ ቁስጥንጥንያ ክወሃቦም ምዃኑ ካብ ኪየቭ ኦርቶዶክሳዊ ቤተ ክርስቲያን ዝወጸ መግለጺ የመልክት።

ኤፒፋንይሽ ናይ ሓዳስ ኡክራይናዊት ርእሰ ቄፋልያዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ
18 December 2018, 16:12