ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ጉባኤ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ጉባኤ 

ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ጉባኤ

ካብቲ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ካብ ዝብል ዝብገስ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰልን ክብርን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ

ኣብ ብራሰልስ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ብዝኽሪ መበል 70 ዓመት ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውድብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ምኽንያት ኣብቲ ውሳኔ ዝመያየጥ ዓውደ ጉባኤ ኣካይዶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ኣዋጅ ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ፡ እቲ ውሳኔ ቀንዲ መሰረቱ ኣብ ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ዝብል ፍጥረት ሰብ ብኑባሬ ዝተዓደሎን፡ ከምዚ ምዃኑ ከኣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ርዱእ ዘየምስል ተግባራት ዝረአይ ምዃኑ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ዝከታተል ድርገት ኣቦ መንበር ናይ ሊለ ተሓባባሪ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶይነ ሀሩኣርድ ኣብቲ ዕለት 4 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝገለጹን ተሓቢሩ።

ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰረት ሰብኣዊ ክብሪ እዩ

ንክርስቲያን ሰብ ብኣርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ እዩ፡ እዚ እምንቶ ንጹር እዩ፡ ኢኣማንያን እውን እቲ ኣብ ፍጥረት ሰብ ዘሎ ዘይሕከኽ ክብሪ የረጋግጹ፡ ካብቲ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ካብ ዝብል ዝብገስ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰልን ክብርን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ነዚ መሰረታዊ ሓሳብ’ዚ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቶም ብዙሕ ዘብርህዎን ዘዕሞቑዎን ዘካፈልዎን ክፍሊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ሀሩኣርድ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣዘኻኺሮም፡

ርክባትን ዘተን ምስ ተቕዋማት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት እቲ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ቅዋም ዓንቀጽ 17፥ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ተቕዋማት ምስተን ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኩለን ስሩዕን ፍሉጥን ቀጥተይናን ዘተ ክህልዎም ዝብል ተጠቒሱ፡ ብዛዕባ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ዝምልከት ርእሰይ ጉዳይ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለት 3 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ምስ ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ሕዝባዊ ባይቶ ከምዝዘተየ ኣዘኻኺሮም እዚ ንገዛእ ርእሱ ነተን ኣብ ኤውሮጳ ዝርከብ ሃይማኖታትን እምነታትን ኣብ ኤሮጳን ኣብ ሕብረተሰብ ኤውሮጳን ግብኡ ቦታ ክህልዎ ዝብል ትርጉም ዘለዎ እዩ ኢሎም።

ግደ ሃይማኖታትን እምነትን ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ምርግጋጽ

እቲ ዓውደ ኣኼባ ብካልእ መዳይ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣብ ኤውሮጳ ተመስሎኡን ኩነታቱን እውን ከምዝዘተየን፡ ዋላ’ኳ ኣብ ጉዳይ ናይ ሓይማኖትን እምነት ነጻነት  ከምቲ ኣብ ካልእ ክፍሊ ዓለም ዝረአይ ብዙሕን ዓበይትን ጸገማት ኣይሀሉ፡ ይኹንድ ደኣ እምበር ሃይማኖትን እምነትን ኣብ ውልቃዊ ማዕቅፍ ክሕጸር ዝድርኽ ኩነት ብተደጋጋሚ ዝረይ ምዃኑ ኣመልኪቱ፡ ሃይማኖታትን እምነታትን በቢ ዕለቱ ኣብ መላእ ማሕበረሰብ ኤውሮጳ ኣብ ኤውሮጳ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ሕንጸት ዘበርክቶ ኣስተዋጽዖ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘይሰሓት ሓቂ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝረአይ ኢሃይማኖታውነት ዝብል ቀጥዒ ኣልቦ ዓለማውነት ንምብዳህ ብፁዓን ጳጳሳት ነቒሖም ከምዝዓዩ የረጋግጹ።

ናይ መጻኢ ስራሕ ቅርጺ ንምትሓዝ

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት እቲ ብውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝቐርብ ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ጉዳይ ስደተይናታት ናይ ሕጊ ንድፊ ዕለት 11 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ምይይጥ ዝግበረሉ ርእሰ ጉዳይ ናይ መጻኢ ስራሕ ቅርጺ ምትሓዝ ምስ ዝብል ሓሳብ ኣጣሚሮም ኣስተንትኖ ከምዝገበሩሉ ብፁዕ ኣቡነ ሄሩኣርድ ኣዘኻኺሮም፡ ናይ ስራሕ ዓለም ኣብ ቅሉጥፍ ምቅይያራት እዩ ዝርከብ ዘሎ፡ ስለዚህ ሰራሕተይናን ስራሕን ከራኽብ ዝኽእል ሕንጸትን ግዜን ክህሉን ናይ ስራሕ ክብሪን ሰብኣዊ ክብርን ንምውላታውን ስራሕን ኤኮኖምን ነገልግሎት ሰብ ክኸውንን ከይዲ ኤኮኖሚ ሰብኣዊ ምኡክልነት ክህልዎ ዝብልን በዚ መሰረት ዜጋታት ዘረጋግኤን መጻኢ ሕይወቶም ዘውሕስ ዕድል ክፍጠረሎም ምስ ዝብል ሓሳብ ኣጣሚሮም፡ ናይ ሎሚ ስራሕ ንናይ መጻኢ ትውልዲ ዝሓስብ ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ኸኣ ስራሕ ንኽብሪ ሰብ ምዃኑ ንምርግጋጽ ዝድግፍ እዩ፡ ሎማዊ ከይዲ መጻኢ ዝኣመተ ክኸውን ከምዘለዎ ብፁዓን ጳጳሳት ከምዘተሓሳሰቡ ብፁዕ ኣቡነ ሀሩኣርድ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ኣዘኻኺሮም።

06 December 2018, 16:18