ድለ

ካሪታስ ጨንፈር ኢጣሊያ፥ ኣብ ዓለም ዓመጽን ግርጭትን ክብ ይብል ከምዘሎ ይሕብር ካሪታስ ጨንፈር ኢጣሊያ፥ ኣብ ዓለም ዓመጽን ግርጭትን ክብ ይብል ከምዘሎ ይሕብር 

ካሪታስ ጨንፈር ኢጣሊያ፥ ኣብ ዓለም ዓመጽን ግርጭትን ክብ ይብል ከምዘሎ ይሕብር

መንቀልን ሳዕቤንን ውግኣትን ዓመጽን ንግድ ኣጽዋርን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ኣተኵሮ ዝገበረ ናይ 2018 ዓ.ም. ጸባጽብ ካሪታስ

ብካሪታስ ዝጸዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኣብ ኢጣሊያ፡ ብዛዕባ ግጭትን ዓመጽን ኣብ ዓለም ዝድሕስስ ኣብ ዘውጸኦ ናይ 2018 ዓ.ም. ናይ ጸብጻብ ሰነድ፡ ኣብ ዓለም ግጭትን ዓመጽን ንግድ ኣጽዋር ውግእን ኣዚዩ ክብ ይብል ምህላዉ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዓለም በቲ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ግርጭትን ዓመጽን ውሕስነት ጸጥታን ድሕነትን የንቆልቁል ምህላዉን ኣስዒቡ፡ ዘይንገረሎምን መራኸቢ ብዙሓን ብዙሕ ኣቃልቦ ዘይገብሩሎም ግርጭትን ዓመጽን ከምዘለዉን፡ ካሪታስ ኢጣሊያ ኣብ ዘውጸኦ ናይ 2018 ዓ.ም. ዝተረስዑ ግርጭት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ የረጋግጽ፡ ኣብ 2017 ዓ.ም. 20 ከበድቲ ውግኣት ዘጠቓልል 378 መሪርን ከቢድ ዓመጽ ከምዝተረእየ ተመላኽት።

ንግድ ኣጽዋር ውግእ

መንቀልን ሳዕቤንን ውግኣትን ዓመጽን ንግድ ኣጽዋርን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ኣተኵሮ ዝገበረ ናይ 2018 ዓ.ም. ጸባጽብ ካሪታስ ሕጋውን ዘይሕጋውን ፍቑድን ዝዀነን ክልኵልን ዝዀነ ንግድ ኣጽዋር ውግእን ኣብ ዓለም ብዝተፈላለየ መገዲ እናሰፍሔን እቲ ንግድ ኣጽዋር ውግእ ክሰፍሕን ክብ ክብልን ዝገብር ዘሎ ኣቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝቀላቐልን ዕስለ ዕጡቓት ሓይልን ናይ ገበን ጉጅለታት ዘለዓዕልዎ ግጭትን ዓመጽ ምዃኑ እውን ሓቢሩ፡ ዕለት 10 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. እቲ ጸብጻብ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ ካሪታስ ጨንፈር ኢጣሊያ ምኽትል ዋና ኣመሃዳሪ ፓውሎ በቸጋቶ፥ ናይ ውግእ ኣደዳን ጅሆ ዝዀኑን መብዛሕቲኣኦም እቶም ነቲ ውግእ ዘይደልይዎን ዘየለዓዓልዎን ንጹሓን ዜጋታት ምዃኖም ይገልጹ።

ናይ ዝተረስዑን ዘይንገረሎም ዓመጽን ውግእ ኣደዳ፡ ተመዛበልትን ስደተይናታት እያቶም

ጭካኔ ዝተመልኦ ንማንም ዘየናሕስይ ዘይንገረሎም ኣብ ዘፈላለየ ካባቢ ዓለም ዝካየዱ ውግኣት ኣደዳ ተመዛበልትን ስደተይናታትን እያቶም፡ ሕይወቶም ንሞት ሓደጋ ዝቃላዕ ብሓቒ ንሕልና ዘሰንብድ እዩ፡ ዝቖስሉን ዝፍጠር ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ምህዳራውን ዕንወት ክንየው ኣብ ዓለም ልዕሊ 70 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ንስደትን ምዝብልናን ከምዝዳረገን ገና እውን ይዳርግ ምህላዉን ብምኽንያት ግጭትን ውግእን ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 4 ሺሕ ዝግመት ሕዝቢ ከምዝመዛበል እቲ ናይ ካሪታስ ጸብጻብ ሓቢሩ፡ ካብ  ዝሓለፍፈ ዓመት ኣብ 2018 ዓ.ም. ብ 40 ሚእታዊ ክብ ክምዘበለ እውን የመልክት።

ካሪታስ ጨንፈር ኢጣሊያ፥ ኣብ ዓለም ዓመጽን ግርጭት ክብ ይብል ከምዘሎ ይሕብር
11 December 2018, 17:24