ድለ

ምእንቲ ምኽባር ናይ ሃይማኖት ናጽነት ፓትሪያርክ ኪሪል ዘቕረብዎ ጻውዒት ምእንቲ ምኽባር ናይ ሃይማኖት ናጽነት ፓትሪያርክ ኪሪል ዘቕረብዎ ጻውዒት 

ምእንቲ ምኽባር ናይ ሃይማኖት ናጽነት ፓትሪያርክ ኪሪል ዘቕረብዎ ጻውዒት

እቲ ኣብ ኪየቭ ዝካየድ ሲኖዶስ እተን ካብ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናጻ ዝዀና ርእሰ ተመሓዳርቲ ቀፋልያውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተክርስቲያን ዘሳተፈ

ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ኣብ ዓለም ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክኽበር ዝሓትት መልእኽቲ ጻውዒት ናብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕትን ንመንግስታት ፈረንሳን ጀርመንን ንውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ኣመሓላሊፎም፡ ብሓባር ንምኽባር ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ዓለም ምዕያይ የዐውት ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ናይ ፓትሪያርክ ክሪል መልእኽቲ ዝተመሓላለፈ እቲ ዕለት 15 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ቀዳማይ ናይ ኡክራይን ርእሰ ቀፋልያዊት (ርእሰ ተመሓዳሪት) ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኪየቭ ብውሳኔ ናይ ኡክራይን ርእሰ ብሔር ፐትሮ ኦለክሲጆቭይች ፖሮሸንኮ ዝተጸውዐ ኣብ ኬየቭ ቅድስቲ ሶፊያ ካቴድራል ዝፍጸም ቀዳማይ ሲኖዶስ ዘማእከለ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ኪየቭ ሲኖዶስ ርእሰ ቀፋልያዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣንታይ ሳዕቤን ይህልዎ?

እቲ ኣብ ኪየቭ ዝካየድ ሲኖዶስ እተን ካብ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናጻ ዝዀና ርእሰ ተመሓዳርቲ ቀፋልያውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተክርስቲያን ዘሳተፈ ክኸውን እንከሎ፡ እታ ሓደስ ካብ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶካዊት ቤተ ክርስቲያን ናጻ ዝዀነት ናይ ኡክራይን ርእሰ ተመሓዳሪት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን እትምርሓሉ ሕጊ ከጽድቕን ቀዳሜ ፓትሪያርክ ክሓይር ምዃኑ ክንገረ እንከሎ፡ እቶም ናይ ኡክራይን ቀፋልያዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳሜ ንኽዀኑ ዝሕረዩ ናብ ኢስታምቡል ብምኻን ካብ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኢድ ሕጋዊ ርእሰ ተመሓዳርነታ ዝምስክር ኣፍልጦ ክቕበሉ እዮም።

ኣብ ኡክራይን ምስ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ምትእስሳ ዘለዎ ኤጲስ ቆጶሳት ከጓንፎን ዝተኣታትዎ ስግኣት

ናይ መላእ ሩሲያን ሞስካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ፓትሪያክ ክሪል ኣብ ዘመሓለፍዎ መልእኽቶም፡ እታ ካብ ናይ ሩሲያ ፓትሪያርክ ተነጺላ እትቐውም ናይ ኡክራይን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ነቶም ምስ ናይ ሞስካ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ምትእስሳር ክዕቅቡ ንዝደልዩ ኣብቲ ሲኖዶስ ኣይንሳተፍን ንዝብል ኤጴስ ቆጶሳት ዓቢይ ስግኣት ምዃኑ ነታ ምስ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ምእትስሳር ዝዓቀበት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራያን ዝወረዳ ናይ ቀረባ ሓደጋታት ብጭቡጥ ሓደ ብሓደ ብፍላይ ከኣ እቲ ንናይ ኢክራይን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ስፍራ ዝዀነ ናይ ኪየቭን ፒቻኤቭ ላቭራስ በዓቲ ናይ ኡክራይን መንግስቲ ንጥቕሙ ከውዕሎ ዝብል ዝንገር ዘሎ ውሳኔ ጠቒሶም የመልክቱ።

ናይ ሕልናን ሃይማኖትን ናጽነት ክኽበር

ኣብ ኡክራያን ምስ ሩሲያዊት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ቅርበት ዘለዎም ማሕበረ ክርስቲያን በቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነት ከጋጥሞም ዝኽእል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ሃይማኖትን ናይ ሕልንና ናጽነት ግህሰት ፓትሪያርክ ኪሪል ኣብቲ ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ውህደት ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍ መጋቤ ኦላቭ ፍይክሰ ትቫይትን ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍ ኣቶኒዮ ጉተረዝን ናብ ናይ ጀርመን መራሔ መንግስቲ ኣንገላ መርከልን ንናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓቢሮም፡ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሃማኖትን ሕልናን ናጽነት ክኽበር ኣብ እተካይዶ ጻዕሪ ክሓብሩ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎ ኣፍሊጡ።

15 December 2018, 17:03