ብሓባር ምስ ኣስያ ቢቢ እተሰምየ ደገፉ ዝገልጽ ኣብ ሮማ ዘኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ

ዕለት 13 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ናይ ከንቲባ ሕንጻ ፊት ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ተጓዓዛይ ዜጋ እተሰምየ ሕይወት ስድራ ቤትን ነጻነትን ዝብሉ መሰረታውያን ዕሴታት ክረጋገጽን እዞም ዕሴታት እዚኣቶም ከይጠሓሱ ብጠቕላላ ሰብኣውያን ክብርታት ክወሓሱን ዝተፈላለዩ መደባት ዘሰናድው ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ ማሕበር ብሓባር ምስ ኣሲያ ቢቢ ብዝብል ጭርሖ ዘሰናደዎ ኣስያ ቢቢ ሕይወተንን ናብራአንን ውሑስ ናብ ዝዀነሉ ሃገር ክስደዳ ዝጽውዕ መደብ ዓውደ ርክብ ኣካይዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣስያ ቢቢ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናጻ ምስ ተበህላ ኣብ ገዛእ ሃገረን ሕይወተንን ሕይወት ኣባይቲ ስድራአን ንሓደጋ ዘቃልዕ ኩነት ይፍጠር ብምህላዉ ኣብ ውሑስ ሃገር ተሰዲደን ተቐባልነት ረኺበን ክነብራ ዝሓትት መደብ ዓለም ሓቆፍ በርገሳውያን ማሕበራት ዝተፈላለዩ ጐስጓሳት የካይዱ ምህላዎም ክንገር እንከሎ፡ ዑቕባ ረኺበን ብሰላም ክነብራ መንግስታት ዝከኣሎም ኩሉ ክገብሩ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ተጓዓዚያን ዜጋ ማሕበር ሓላፊ ፊሊፖ ሳቫረዘ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ መንግስቲ ፓኪስታን ኣሲያ ቢቢ ካብ ፓኪስታን ክትወጻ ፍቓድ ክወሃበን ምስ መንግስቲ ፓኪስታን ዝተፈላለዩ ርካባት ይካየዱ ከምዘለዉን እዚ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ፓኪስታን ዘሳልጥዎ ዘለዉ ጉዳይ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ካናዳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብራዚልን ዓባይ ብሪጣንያን ሃንጋርን ፍረንሳን ጣልያንን ጀርመንን ብጠቕላላ ዓሰርት ሃገራት ንኣስያ ቢቢ ዑቕባ ክህባ ፍቓደይናታት ከምዝዀና ድሮ ከምዘፍለጣን እውን ሓቢሮም። 

ብሓባር ምስ ኣስያ ቢቢ እተሰምየ ደገፉ ዝገልጽ ኣብ ሮማ ዘኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ
14 November 2018, 16:10