ፓኪስታን፥ ህልው ኩነታት ኣሲያ ቢቢን ስድራ ቤታን ፓኪስታን፥ ህልው ኩነታት ኣሲያ ቢቢን ስድራ ቤታን  

ፓኪስታን፥ ህልው ኩነታት ኣሲያ ቢቢን ስድራ ቤታን

ናይ ኣሲያ ቢቢ በዓል ቤት ኣሺቕ ማሲሕ ብስልኪ ምስ ዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ማሕበር ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ በዓልቲ ቤቶም ኣስያን ደቆምን ካብ ከቢድ ሓደጋ ሕይወት ክድሕኑ መንግስቲ ኢጣሊያ ዝከኣሎ ክገብርን ከእንግዶምን ከምዝሓተቱን

ናይ ፓኪስታን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ 2009 ዓ.ም. ሃይማኖት ምስልምና ኣርኪስክን ብዝብል ክሲ ብናይ ገበን ዘጻርይ ቀዳማይ ቤት ፍርዲ ተኸሲሰን ኣብ 2011 ዓ.ም. ንሞት ተበይንወን ዝነበራ ፓኪስታናዊት ኣሲያ ቢቢ ካብቲ ናይ ሞት ፍርዲ ናጻ ከምዝበለን ዝፍለጥ ኰይኒ እቲ ናይታ ሃገር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ቢቢ ናጻ ክትልቐቕ ዝብል ብይን ፍርዲ ዝቃወም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ፓኪስን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ይካየዱ ምህላዎም ክፍለጥ እንከሎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ምስ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይሊ ጸጥታ ኣትዮም ዝነበሩ 150 መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ናጻ ከምእተለቁን ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው በዓል ቤት ኣሲያ ቢቢ፡ በዓልቲ ቤቶም ኣስያን መላእ ስድራ ቤቶምን ካብ ሓደጋ ንምድሓን ኣብ ሃገራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ወይ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ወይ ከኣ ኣብ ካናዳን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ክወሃቦም ሕቶ ከምዘቕረቡ ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣሊጡ፡

ናይ ኣሲያ ቢቢ በዓል ቤት ኣሺቕ ማሲሕ ብስልኪ ምስ ዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ማሕበር ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ በዓልቲ ቤቶም ኣስያን ደቆምን ካብ ከቢድ ሓደጋ ሕይወት ክድሕኑ መንግስቲ ኢጣሊያ ዝከኣሎ ክገብርን ከእንግዶምን ከምዝሓተቱ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣሲያ ቢቢ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘመሓላለፎ ናጻ ዝብል ውሳኔ ክሳብ ተዘጊቡ ተሰኒዱ ዝሕተም ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለዋን እቲ ናጻ ዝብል ውሳኔ ዝቓወን ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስምና ዘለዓዓልዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤት ቢቢ ከብዲ ስግኣት ከምዘሕደረን፡ ንሓደጋ ከይቃልዑ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ዘይፍሉጥ ቦታ ክጸንሑ ከምእተወሰነ እውን ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣግልግሎት ሓቢሩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ናይቲ ፍርዲ ቤት ውሳኔ ዘመሓላለፎ ናጻ ዝብል ውሳኔ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘጠራጥር ምዃኑ ናይ ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ቸርቨለራ ካብ ዓበይቲ ሰበ ስልጣናት ዝረኸብዎ ሓበሬታ ጠቒሶም ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ናይ ቢቢ ጠበቓ ሳይፍ ኡል ማሉክ እቲ ቤት ፍርዲ ኣሲያ ቢቢ ናጻ እንክብል ብምውሳኑ እቲ ንሶም ዘቕረብዎ ሕቶን ሓሳብን ተቐባልነት ዘለዎን ኣእማኒ ምዃኑ ዝምስክር እዩ፡ እቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ንሕይወቶም ዓቢይ ስግኣት ብምዃኑ ሕይወቶም ንምድሓን ካብ ፓኪስታን ከምዝወጹ ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

 እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2018 ዓ.ም. ናይ ኣስያ ቢቢ በዓል ቤት ኣሺቕን ጓሎም ኤይሻም ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ብዝገበረሎም ሓገዝ ካብ ፓኪስታን ናብ ሃገረ ቫቲካን መጺኦም ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦምን ኣብቲ ርክብ እውን ካብቲ ኣብ ናይጀሪያ ዝንቀሳቐስ ዕጡቓት ሓይሊ ኣኽራሪ ሃይማኖት ምስልምና ቦኮ ሓራም ካብ ዝፍጽሞ ኣሳዶን ዓመጽን ዘምለጣ ናይጀሪያዊት ክርስቲያን ምእመን ርብቃ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦምን ኣብ መላእ ዓለም ስለ እቶም ብእምነቶም ዝሳደዱ ማሕበረ ክርስቲያንን ምእንቲ ሰላማዊ ማሕብራዊ ናብራን ክጽለይ ጻውዒ ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ፓኪስታን፥ ህልው ኩነታት ኣሲያ ቢቢን ስድራ ቤታን
06 November 2018, 16:23