ድለ

መበል ዝኽሪ 80 ዓመት ጸላም ለይቲ: ኣብ መንጐ ጽልእን ሸለልተይናነትን መበል ዝኽሪ 80 ዓመት ጸላም ለይቲ: ኣብ መንጐ ጽልእን ሸለልተይናነትን  

መበል ዝኽሪ 80 ዓመት ጸላም ለይቲ: ኣብ መንጐ ጽልእን ሸለልተይናነትን

ብጠቕላላ 1938 ዓ.ም. ናብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝድርኽ ምስፋሕ ናዚ ዘተበገሰሉ ዓመት ክኸውን እንከሎ ጸረ ኣይሁዳዊ ተግባር ካብ 1935 ዓ.ም. ድሮ ኣብ ጀርመን ይቀላቐል ከምዝነበረን ኣብ ኤውሮጳ ኣይሁዳውያን ዝንጽል ኩነት እውን ይፍጠር ከምዝነበር ናይ ታሪኽ ማህደር ዝገልጾ ሓቂ እዩ።

ኣብ 1938 ዓ.ም. ኣብ ጀርመንን ኦስትሪያን ካብ ዕለት 9 ሕዳር ናብ ዕለት 10 ሕዳር ዘሰጋግር ለይቲ 270 ሙክራብን ኣባይትን 7,500 ኣባይቲ ንድግ ናይ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ዜጋታት ብሓዊ ዝተባርዓሉን መሳኹት ዝተሰባበረሉን 91 ኣይሁዳውን ዝተቐትልሉን ብሓቒቕ ጸላም ለይቲ ዝጽዋዕ ዘስካሕክሕ ህልቂ ኣይሁድ ዘእንፈተ ተባሂሉ ዝንገረሉ ሕልቂት መበል 80 ዓመት ኣብ መላእ ኤውሮጳ ተዘኪሩ ውዒሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ብለይቲ ዝብርባር መሳኹት ዝፍለጥ ስዒቡ ኣይሁዳውያን ኣብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ክህደኑን ናብ መዳጐኒ ሰፈር ክውሰዱን ክቕተሉን ናይ ሾዋህ ታሪኽ ሕልቂት ዘለዓዓለን ብዙሓት  ኣይሁዳውያን ካብ ህሊቂት ከምልጡ ክስደዱን ሃገራት እንገዳ ክነፍጐኦምን፡ እዚ ኣብ ታሪኽ ኤውሮጳ ዓቢይ ዘይበርስ በሰላ ሓዲጉ ዝሓለፈ ኢሰብኣዊ ተግባር ምዝካር ተመሳሳሊ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ንኸይፍጸም ንዝብል ውሳኔ ንምርግጋጽን እንነብረሉ ዓለም ሰላምን ምክብባርን ምትሕልላይን ዝዓሰሎ ክኸውን ንምዝኽኻርን ነቶም ዝሓለፉ ንምዝካርን እዩ።

ኣይሁድ ምዃን ገበን ኣይኰነን

ሓደ ሰዓቢ ሃይማኖት ኣይሁድ ተወላዲ ፖላንድ ሐርሸል ግርይንስዝፓን ዝሽሙ መንእሰይ ዕለት 7 ሕዳር 1938 ዓ.ም. ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ናይ ጀርመን ልኡከ መንግስቲ ሕንጻ ብምኻድ ኣብ ልዕሊ ኤርንስት ኤድዋርድ ቮም ራት ናይ ጀርመን ልኡከ መንግስቲ ዝፈጸሞ ግብረ ቅትለት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝተፈጸመ ህልቂት ምስምስ ከይኑን፡ እቲ መንእሰይ ድሕሪ ዝፈጸሞ መቕተልቲ ስዒቡ ንጽብሒቱ ካብ መላእ ጀርመን 16 ሺሕ ዝግመቱ ኣይሁዳውያን ዜጋታት ፖላንድ ከምእተሰጉን ካብቶም ዝተሰጉ ኣውን ናይቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ጀርመን ልኡከ መንግስቲ ኣብ ፈረንሳ ግብር ቅትል ዝፈጸመ መንእሰይ ስድራ ቤት ዝርከብዎም ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ መንእሰይ ብሓይሊ ጸጥታ ፍረንሳ ተታሒዙን በቲ ዝፈጸሞ ግብር ቅትለት ከምእተጠዓሰን ይኹን ደኣ እምበር በቲ ንሱ ዝፈጸሞ መቕተልቲ ካልኦት ኣይሁዳውያን ተሓተቲ ምግባር ጌጋ ምዃኑን ኣይሁድ ምዃን ገበን ኣይኰነን ከምዝበለ ኣብ ናይ ታሪኽ ማህደር ይንገር።

ጽልዕን ጸረ ኣይሁድ ጐስጓስን

እቲ ዕለት 7 ሕዳር 1938 ዓ.ም. በቲ መንእሰይ ብዝተተኰሶ ጥይት ቆሲሎምን  ዕለት 9 ሕዳር 1938 ዓ.ም. ዝዓረፉ ኣብ ፓሪስ ናይ ጀርመን ልኡከ መንግስቲ ምኽንያት ዕለት 9 ሕዳር 1938 ዓ.ም. እቲ ጸረ ኣይሁድ ዓመጽ ቅድሚ ምብጋሱ ቁሩብ ሰዓታት ቅድሚ ቢሉ ናይ ጀርመን ናይ ቅስቀሳን ዝርጋሔን ጉዳይ ሚኒ. ጆሰፍ ጎብለስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ብሓቒቕ ለይቲ ዝፍለጥ ጸረ ኣይሁድ ተግባር ዘለዓዓለ ምዃኑን ብጠቕላላ 1938 ዓ.ም. ናብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝድርኽ ምስፋሕ ናዚ ዘተበገሰሉ ዓመት ክኸውን እንከሎ ጸረ ኣይሁዳዊ ተግባር ካብ 1935 ዓ.ም. ድሮ ኣብ ጀርመን ይቀላቐል ከምዝነበረን ኣብ ኤውሮጳ ኣይሁዳውያን ዝንጽል ኩነት እውን ይፍጠር ከምዝነበር ናይ ታሪኽ ማህደር ዝገልጾ ሓቂ እዩ።

ክርስቲያን ፈጺሙ ጸረ ሰሚያዊ ክኸውን ኣይክእል

ዕለት 5 ሕዳር 2018 ዓ.ም.  ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ሓቆፍ ጥንታዊ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስሞዎ ዘረባ፡ ጸረ ሴማዊ ኣብ መላእ ዓለም ብሕጊ ዘቕጽዕ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ክኸውን ከምዘለዎን ጻውዒት ኣቕሪቦም ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ ሕልቂት ተመሊስካ ጸረ ሴማዊ ተግባራት ምርኣይ ብሓቂ የሕዝንን የቖዕጥዕን፡ ማንም ክርስቲያን ጸረ ሴማዊ ክኸውን ኣይክእል ከምዝበሉ ይዝከር።  

መበል ዝኽሪ 80 ዓመት ጸላም ለይቲ ኣብ መንጐ ጽልእን ሸለልተይናነትን
09 November 2018, 17:34