ድለ

መዓልታት ዘቝጽር ዘሎ ሕዝባዊ ናዕቢ ኣብ ሃይቲ መዓልታት ዘቝጽር ዘሎ ሕዝባዊ ናዕቢ ኣብ ሃይቲ 

መዓልታት ዘቝጽር ዘሎ ሕዝባዊ ናዕቢ ኣብ ሃይቲ

እቲ ናይ ሃይቲ ርእሰ ብሔር ዦቨነል ሞኢሰ ካብ ስልጣኖም ክለቁ ዝኣመተ ሕዝቢ ዘካይዶ ዘሎ ብርቱዕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ እታ ሃገር ንከቢድ ሁከትን ሕንፍሽፍሽን የቃልዓ

ኣብ ሃይቲ ካብ ዝሓለፉ መዓልታት ዝተበገሰ ህዝቢ ዘካይዶ ዘሎ ጸረ መንግስትን ሓይሊ ጸጥታን ተቓውሞ ብዙሓት ንማህሰይቲ ሓደጋን ሞትን ውድመት ንብረትን የስዕብን እታ ሃገር ናብ መጠነ ሰፊሕ ሕንፍሽፍሽ ኩነት ንከተብል ይድርኽ ምህላዉ ይንገር።

እቲ ናይ ሃይቲ ርእሰ ብሔር ዦቨነል ሞኢሰ ካብ ስልጣኖም ክለቁ ዝኣመተ ሕዝቢ ዘካይዶ ዘሎ ብርቱዕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ እታ ሃገር ንከቢድ ሁከትን ሕንፍሽፍሽን የቃልዓ ከምዘሎን ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርት ኣው ፕሪንሰ በሸሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ዕለተ 24 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ናብ ናይ ሃገር ቤተ መንግስት ዝነቐለ ከቢድ ኣድማ ኣብ ምክያድ እንከለዉ ሓይሊ ጸጥታ ኣድመይናታት ንምብታን ብዝወሰድዎ ስግሙት ብዙሓት ማህሰይቲ ከምዝወረዶምን፡ እቲ ኣድማ ዘካይድ ዝነበረ ሕዝቢ ምስ ሓይሊ ጸጥታ ካብ ምስሕሓብ ሓሊፉ ብዙሓት ኣባይቲ መሸጣን ከምዝዘመተን፡ ማካይን ብሓዊ ከምዘቃጸለን ክንገር እንከሎ፡ 11 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም እውን ካብ ሃይቲ ዝወጹ ዘለዉ ምንጪ ዜናታት ሓቢሮም፡ ኣባይቲ ትምህርትን ኣገልግሎት መውሃብን ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ጽሕፈትን ሕጂ እውን ተዓጽዮም ከምዘለዉ እዩ ዝፍለጥ።

መንቀሊ ሕዝባዊ ናዕቢ ርእሰ ብሔር ኣብታ ሃገር ተኸሱቱ ዘሎ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ክጻረይን ተሓተቲ ንፍርዲ ንምቕራብን ዝሃቀነ ውሳኔ ኣየኽበሩን ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ሃብቲ ነዳዲ ዝተተሓሓዘ ኰይኑ፡ ኣብ ምዕዳግ ነዳዲ ምስ ቨነዝወላ ዝተበጽሔ 3.8 ሚሊያርድ ዶላር ዘኽፍልን ካልኦት ሃገራት ካራይቢ ዘሳትፍ ስምምዕን ምኽንያት ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ኰይኑ ኣሎ ዝብልን ነዚ ብምቅዋም ዝተለዓዓለ ክኸውን እንከሎ፡ ርእሰ ብሔር ሞይሰ ስልጣኖም ክለቁ ዝብል ሕቶ ሕዝቢ ዘቕርቦ ዘሎ ሕቶ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ እንክብሉ ባዕሎም ርእሰ ብሔር ሞይሰ መልሲ ከምዝሃቡሉ ይንገር። 

28 November 2018, 16:27