ኣብ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምዝዛም ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብቕድስቲ መንበር ዝተዳለወ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምዝዛም ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብቕድስቲ መንበር ዝተዳለወ ዓውደ ጉባኤ 

ኣብ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምዝዛም ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብቕድስቲ መንበር ዝተዳለወ ዓውደ ጉባኤ

እቲ ቅድስቲ መንበርን ካቶሊካውያንን ድሕረ ቀዳማይ ውግዕ ዓለም፡ ካብ 1918 ክሳብ 1922 ዓ.ም. ብዝብል ኣርእስቲ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምዝዛም ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝዝትይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ

ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ብዝተፈላለዩ መደባት ዝንበር ዘሎ ምዝዛም ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምኽንያት ጳጳሳዊ ናይ ስነ ታሪኽ ምርምር ተቕዋም ዘዳለዎ ካብ ዕለት 14 ሕዳር ክሳብ ዕለት 16 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ኣይፋል ውግእን ዓመጽን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ቀዳሞት ክልተ መዓታት ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሻን እቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ምዛዘሙ ሳልሳይ መዓልቲ ዋዕላ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ሃንጋሪ ናይ ስነ ባህሊ ተቕዋም ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝካየድ ከምዝዀነ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ፋይዳ ዘይብሉ ውግእ እክብሉ ዝገለጽዎ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፥ 9 ሚሊዮን ንሞትን ሽድሽተ ሚሊዮን ንኣካልን ኣእምሮን ስንክልና ሓደጋን ልዕሊ 4 ሚሊዮን ዝግመታ ብገለሞታነትን ልዕሊ ሸሞንተ ሚሊዮን ንዝኽትምናን ሓደጋ ከምዘቃልዔን፡ መግዛእታዊ ስርዓት ጀርመን ናይ ኦስትሪያ ሃንጋሪ ካቶሊካዊ ገዛኢ ስርዓትን ኦቶማን ስርዓትን ኣብቂዑ ሓድሽ ስርዓተ ዶባት ዘበገሰን ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ መንበር ዓቢይ ጸገም ዘስዓበን ኣብ መንጐ መንግስቲ ሮማን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናብ ሓድሽ ዓይነት ርክብ ዘብጽሔን ዓቢይ ሓድሽ ዓይነት ስነ ምርኻብ ዘተእታተወ ክኸውን እንከሎ፥

ሱታፌን ቃልን ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን

እቲ ቅድስቲ መንበርን ካቶሊካውያንን ድሕረ ቀዳማይ ውግዕ ዓለም፡ ካብ 1918 ክሳብ 1922 ዓ.ም. ብዝብል ኣርእስቲ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምዝዛም ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝዝትይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ከምእተሰናደወ  ዕለት 12 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ክሕበር እንብከሎ፡ ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ካብ ኢጣሊያን ፈረንሳን በልጂምን ሃንጋርን ስሎቫኪያ ሩሲያን ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ዝተዋጽኡ ምሁራት ከምዝሳተፉን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ስነ ርክባት ብድሆ ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ሰላማዊ ዓለም ንምሕናጽ ሕሉፍ ምስትውዓል

ጳጳሳዊ ናይ ስነ ታሪኽ ስነ ምርምር ተቐዋም ኣቦ መንበር ኣባ በርናርድ ኣርዱራ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ተርእዮታት ህልው ዝዀኑ ሳዕቤናት ዘንበረን፡ ፖለቲካውን ኤክኖሚያውን ማሕበራውን ጽዋል ከምዝሓደገን፡ ንገዛእ ርእሱ እቲ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ እቲ ውግእ ዝወለዶ ምዃኑን፡ ነዚ ዅሉ ግምት ዝህብ ዓውደ ጉባኤ ከምዝኸውን ኣፍሊጦም፡ እዚ ከኣ ሰላማዊ ዓለም ንምሕናጽ ሕሉፍ ታሪኽ ምጽናዕ ዘለዎ ጥቕሚ ዘድምዕ እዩ ኢሎም፡ በዚ ጥራሕ ከይተሓጽረ ክንየው ካብቲ ውግእ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ንናይ ቅድስቲ መንበርን ስነ ተልእኾን ዝተነቓቐሑ ዕድላትን ብድሆታትን ክሳብ ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ናይ ሮማ ናይ ሰላም ናይ ስምምዕ ዘተ ንኸይትሳተፍ ዝተኣገደትሉ ታሪኽ ዘንብብ እውን እዩ ኢሎም።

ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ብድሆን ዕድልን

ኣባ ኣርዱራ ድሕሪ እቲ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ውግእ ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ናይ ፈተና መድረኽ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ንጥልቂ ምልዋጥ ዝድርኽ ዓቢይ ዕድል እውን ከምዝዀናን፡ ድሕሪ እቲ ውግእ ቅድስቲ መንበር ኣብ ስነ ርክባታን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀን ሓደስቲ ሜላታት ከተማዕብል ገይሩ እዩ፡ ኣብ ማሕብራውን ሰብኣውን መዳያት ተዋሳእነታ ክብ ከተብል ገይሩን፡ ኣብ መንጐ ልኡካነ ወንጌልን ዓለማውያን ምእመናን ዕርቂ ዘተኣታተወን እዩ፡ ካብ ታሪክ ንኽንመሃር ዝተኸፍለ መስዋዕትነት ዓብንይ ብዙሕ ስቓይን መከራን ዘስዓበ እዩ፡ ንገዛእ ርእሱ ውልደት ሕብረት ኤውሮጳ ምስቲ ዘለዎ ብዙሕ ግድፈታት ምስረታኡ ዓቢይ ዕድል እዩ፡ ኤውሮጳ ኣብ ቀጻሊ ሰላም ክትነብር ይድርኽ ኣሎ ኢሎም።

ቤተ ክርስቲያን ሰላም ጥራሕ እታ እትባርኽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ ዓስራይ፡ ናብ ውግእ ዝለኣኹ ንዝነበሩ ተተሃደራት ክባርኹ ተሓቲቶም ኣንቢ ምባሎም፡ ቤተ ክርስቲያን ውግእ ዘይኰነስ ሰላም ከምትባርኽ ከምዘመላኸቱን፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 እውን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከይባራዕ ብዙሕ ኣጠንቂቖምን ውግእ ስል አዝዀነኑ ከኣ ዝተረግመ መበል 15 ኣብ ኢታሊያ ኣብ ጀርመን እውን ፍረንሳዊ ጳጳስ ዝብል መጸውዕ ከምእተወሃቦም ኣብ ታሪኽ ይዝከር።

ቤተ ክርስቲያን ውግእ ኣብ ምንጻግ ዘሕለፈቶ ተመክሮ

ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጐሪያና ናይ ቤተ ክርስቲያን ስነ ቅርሳዊ ውርሻን ባህላዊ ታሪኽን ክፍለ ትምህርቲ ኣመሓዳሪ ኣባ ሮበርቶ ረጎሊ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተረኺቦም፡ ቅድመን ኣብ እዋኑን ድህረን ውግእ ዓለም ከይዲ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ሓሳብ ጠቒሶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ብፍላይ ከኣ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ውግእ ዘለዋ መርገጺ እንታይ እዩ ዝብል ካብ ሓደ ጋዜጠይና ዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም፡ ፍልቀት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ንጽገት ውግእ እንከረድኡ፡ ኣብ 1914 ዓ.ም. ካቶሊካውያን ኣብ ፍቕሪ ሃገር ዘለዎም ብርቱዕ ስምዒት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ምዙን ምዃኑ ንኸርእዩ ኣብቲ ውግእ ክሳተፉ ከምዘለዎም ዝመሓላለፍ ዝነበረ ጓስጓስንኣብቲ እዋን ዝነበረ ሃይማኖት ንገዛእ ርእሱ ጥቕሚ ዘውዓለ ስርዓት ይኹን ብዘየገድስ በነዲክቶስ መበል 15 ውግእ ረብሓ ዘይብሉ ጐዳኢ እንክብሉ ምስ ገለጽዎ ግና ናይ ብዙሓት አመለኻኽታ ክሳብ እዛ ሰዓት’ዚኣ ክልወጥ ገይሩ እዩ፡ ኣይፋል ንውግእ ዝብል ባህሊ ኣተባቢዑ እዩ ኢሎም።

መትከል ረቲዕ ውግእ

እቲ ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ትምህርቲ ሃይማኖት ዝግለጽን ዝትንተንን ረቲዕ ውግእ ዝብል ኣምር ኣማእኪሎም ድሕሪ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስ ቫቲካን ናይ ዜና ኣገልግሎት ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣባ ረጐሊ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ እዋን ውግእ ከባቢ ባልካን፥ ዕደ ኣታውነት ንሰብኣውነት ዕላማ ዝብል ኣምር ኣለዓዒሎም እዮ፡ ስለዚህ ዝተመጣጠነ ኣጽዋር ውግእ ምጥቃም ዝብል ዝተጠቕዔ ሃገር ክኽተሎ ዝግብኦ ኣገባብ ናይ ረቲዕ ውግእ መግለጺ ዳርጋ በቲ ንምን ዓይነት መጥቃዕቲ ዒላማ ከይኰነ ንናይ ሰብኣዊ ዕላማ ዝዋፈር ስርሒት ምክልኻል ክህሉ ንዝብል ሓሳብ ዘመላኽት እዩ፡ እዚ ኸኣ ካቶሊካውያን ኣብ ምንቕቓሕ ሰላም ክዓዩ ዝብል ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኰነ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘመላኽት እዩ፡ ስለዚህ ብሓጺሩ ታሪኽ ረቲዕ ውግእ ዝብል ኣምር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተምሳል ፍልቀቱ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝትንተን እዩ ኢሎም።

ሰላም ዝዓሰሎ ዓለም

ናይዚ ዓውደ ጉባኤ ቀንዲ ዕላማ ይብሉ ኣባ ረጐሊ፡ ቤተ ክርስቲያን ሰላም ዝዓሰሎ ሰላማዊ ዓለም ንምሕናጽ ዝብል እዩ፡ ዝሓለፉ ውግኣት ንስነ ታሪኽ ተመራመርቲ፡ ናይ መጽናዕቲ ነገር ከይኑ፡ መንቀሊኡን ሳዕቤናቱን ንምትንታን ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ስነ ካቶሊካዊት ምንባብ ታሪኽ ውግእ፡ ጥንቂ ውግእን ሳዕቤኑን ምትንታን ዝብል ጥራሕ ዘይኰነስ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ውግእ ቅድሚ ምክሳቱ ንምክልኻሉ እንታይ ክግበር ኣለዎ ንዝብል ሕቶ ዝምልስን ሓሳብ ዘቕርብ እዩ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ዘለዎ ንቢያዊ ባህርይ ይሕብር ኢሎም።

ኣብ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምዝዛም ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብቕድስቲ መንበር ዝተዳለወ ዓውደ ጉባኤ
13 November 2018, 17:13