ድለ

ኣብ ካመሩን ካብ ቤት ትምህርቲ ፕረስቢተራን ተጨውዮም ዝነበሩ ተመሃሮ ናጻ ተለቒቖም ኣብ ካመሩን ካብ ቤት ትምህርቲ ፕረስቢተራን ተጨውዮም ዝነበሩ ተመሃሮ ናጻ ተለቒቖም 

ኣብ ካመሩን ካብ ቤት ትምህርቲ ፕረስቢተራን ተጨውዮም ዝነበሩ ተመሃሮ ናጻ ተለቒቖም

በቲ ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ዘሎ ሁከት ልዕሊ 200 ሺሕ ዝግመት ሕዝቢ ከምዘመዛበለን፡ ኣብ ካመሩን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ እውን ብወገኖም ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽን ዘይምርድዳእን ብዘተ ክፍታሕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡

ዕለት 5 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ኣብ ካመሩን ከባኢ ባመዳ ካብ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ፕረስቢተራን ተጨውዮም ዝነበሩ 79 ተመሃሮ ናጻ ከምእተለቁ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ካመኡን ከባቢ ባመንዳ ካብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ፕረስቢተራን ካብ 11 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድመኦም ዝዀኑ ተመሃሮ ተጨዮም ዝነበሩ ኩሎም 79 ተመሃሮ ናጻ ከምእተለቁን፡ ስነ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ድኻም ከምዝተራእዮምን ይኹን ደኣ እምበር እቶም ምስቶም ተመሃሮ ተጨዮም ዝነበሩ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣባላት ምሕደራ ናጻ ከምዘይተለቁ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡ እቶም ጨወይቲ ንናይ ካመሩን ቋንቋ እንግሊዝይና ተጠቓሚ ከባቢ ናጽነት ዝቃለሱ ኣባላት ዕጡቓት ከምዝዀኑን፡  ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ካልኦት ኣቢያተ ትምህርቲ ተመሳሳሊ ጨውዮን ናጻ ንኽለቅዎም 4 ሺሕ ዶላር ከምእተኸፈሎ ኣዘኻኺሩ፡ እዚ ኩሉ ኣብታ ሃገር ዘይምርግጋእ ይሰፍሕ ከምዘሎ የመላኽት።

መንግስቲ ናይ ከባቢ ጸጥታ ውሑስ ኣብ ምግባር ድኹም ከምዝመስል እቲ ብተደጋጋሚ ዝፍጠር ዘሎ ሁከትን ግብረ ጨወያን ዘረጋጾ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ናይ ካመሩን ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡባዊ ምዕራብን ምርግጋእ ዘይምርግጋእ ዝረኣየሉ ክኸውንእንከሎ፡ እቲ እንግሊዘይና ተጠቓሚ ከባቢ’ታ ሃገር ንምሕራር ድላይ ዘለዎም ዕጡቓት ሓይሊ ዘነቓቕሕዎ ውጥረት እውን እዩ፡ እቲ ናጻ ክኸውን ዝብልዎ ከባቢ ድሮ ኣምባዞኒያ ብዝብል ስም ዝጽውዕዎ ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕቲ ጻውዒት

በቲ ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ዘሎ ሁከት ልዕሊ 200 ሺሕ ዝግመት ሕዝቢ ከምዘመዛበለን፡ ኣብ ካመሩን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ እውን ብወገኖም ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽን ዘይምርድዳእን ብዘተ ክፍታሕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ መንግስትን ናይ ፖለቲካ ውድባትን እቲ ዘሎ ቅልውላው ሰላማዊ መፍትሒ ምርካብ ዝብል ሓሳብ ተቐዳሚ ዝክረ ነገር ገይሮም ክዓዩ ከምዝሓተቱ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣተሓሒዙ፡ ናይ ካመሩን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ዱዋላ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሳሙኤል ክለዳን ናይ ካመሩን ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤ ኣቦ መንበር መጋቤ ፎንኪ ሳሙኤል ፎርባን ናይ ካመሩን ምስልምና ሃይማኖት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሸክ ኡማሩ ማላም ውጥረትን ሁከትን ብዘተ ክፍታሕ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ። 

ኣብ ካመሩን ካብ ቤት ትምህርቲ ፕረስቢተራን ተጨውዮም ዝነበሩ ተመሃሮ ናጻ ተለቒቖም
07 November 2018, 17:17