ብራዚል፡ ድሕሪ ሕዝባዊ ምርጫ ቤተ ክርስቲያን ኩነት ደቂ ዓድን ድኻታት ኣዚዩ ከምዘሰከፋ ትገልጽ ብራዚል፡ ድሕሪ ሕዝባዊ ምርጫ ቤተ ክርስቲያን ኩነት ደቂ ዓድን ድኻታት ኣዚዩ ከምዘሰከፋ ትገልጽ 

ብራዚል፡ ድሕሪ ሕዝባዊ ምርጫ ቤተ ክርስቲያን ኩነት ደቂ ዓድን ድኻታት ኣዚዩ ከምዘሰከፋ ትገልጽ

ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብፁዕ ኣቡነ ሊዮናርዶ ኡልሪኽ ስታይነር ምስ ቫቲካን ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምሕትት፡ ቤተ ክርስቲያን ፖለቲካዊ ክይድታትን ሕዝባዊ ምርጫታት ኩሉ ብሰላምን ብሓናጺ ምንጽጻር ክሳለጥ ትምዕድን ኩሉ ኣብ ዘተ እውን ክኣምን ትላበው

ድሕሪ እቲ ኣብ ብራዚል ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ስዒቡ ዝረአይ ዘሎ ሃዋሁን ኣብ ልዕሊ ድኻታትን ደቀ ባትን ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ስለ ዝኽእል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ስክፍታኣ ትገልጽ፡ ቤተ ክርስቲያን ትማልን ሎምን ጽብሕን ንወንጌልን ንድኻታትን እምንቲ ብምዃን ኣብ ጐድኒ ድኻታትን ዝተነጸሉን ዝተናዕቁን እትቐውምን ምስ ኵሉ ንኽትዝትይ ስንደውቲ ምዃና ብፁዕ ኣቡነ ስታይነር ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ዝሓለፍፈ ሰንበት ዕለት 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝተፈጸመ  ኣብ ልዕሊ ናይ ጸጋም ዘመም ናይ ፖሊቲካ ሰልፊ ወኪሎም ዝወደሩ ፈርናንዶ ሃዳድ ብዓሰርተ ነጥቢ ዝሰዓሩ ናይ የማን ኣኽራሪ ርእየተ ፖለቲካ ዘንጸባርቑ ዣይር ቦልሶናሮ ብ55 ሚእታዊ ድምጺ ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ኰይኖም ከምእተሓረዩን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣመልኪቶም ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብፁዕ ኣቡነ ሊዮናርዶ ኡልሪኽ ስታይነር ምስ ቫቲካን ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምሕትት፡ ቤተ ክርስቲያን ፖለቲካዊ ክይድታትን ሕዝባዊ ምርጫታት ኩሉ ብሰላምን ብሓናጺ ምንጽጻር ክሳለጥ ትምዕድን ኩሉ ኣብ ዘተ እውን ክኣምን ትላበው።

እቲ ሓድሽ ዝተመርጸ መንግስቲ ዝኽተሎ ፖለቲካዊ መርሃ ግብሪ ብትዕግስቲ ምጽባይ የድሊ፡ ኣብ ብራዚል ሰለስተ ቅዋማዊ ስልጣናት ኣለዉ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ርእሰ ብሔርን ሕዝባዊ ባይቶን ዝብሉ እያቶም፡ ስለዚህ ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽርን ላዕለዋይ ፍርዲ ቤትን ሕዝባዊ ባይቶን ስለ ዘሎ ርእሰ ብሔር ከም ድላዮም ክገብሩ ኣይክእሉን፡ ይኹን ደኣ እምበር ሓድሽ ርእሰ ብሔር ዝኸተልዎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ዝክረ ነገር ብትዕግስቲ ምጽባይ የድሊ፡ ቦልሶናሮ ኣብ ናይ ምረጹኒ ጐስጓስ ብዛዕባ ሃገረይና ደቀ ባት ዝህብዎ ዝነበረ መግለጺ ኣዚዩ ዘሰክፍ እዩ፡ ስለዚህ ነዚ ግምት ብምሃብ ብዛዕባ እዞም ደቂ ሃገር እዚኣቶ ቤተ ክርስቲያን መጻኢ ዕድላቶም እንታይ ክኸውን እዩ ዝብል ስክፍታ ከህልዋ ገይሩ ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ እዋን ስርዓት ጊልያነት ዝልወጡን ዝሽየጡን ዝነበሩ ዜጋታት ትውልዲ ቝይሎምቦለ ካብ ጊልያነት ዘምለጡ ሎሚ ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ ዝቕመጡ ደቂ ሃገር ኣመልኪቶም ዝበለዎ ድዩ ብዛዕባ ካልኦት ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት እውን ዝብልዎ ዝነበሩ መግለጽታት ብጣዕሚ ዘሰክፍ እዩ፡ እቲ ዝብልዎ ዝነበረ ናብ ተግባር ክቕይርዎ ድዮም ወይ ቃል ጥራሕ ከይኑ ድዩ ዝተርፍ ድሓር ዝረአይ ይኸውን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ደቀ ባት ቍይሎምቦሎአን ድኻታትን እያ፡ ስለዚህ ማንም ይኹን ማንም ድኻታትን እቶም ብሩህ መጻኢ ዘይብሎም ኰይኖም ምንባሮም ብዘይ ብሩህ መጻኢ ዘሕልፉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክኽበሩን ክድገፉን ኣለዎም፡ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ኣብ ጐድኖም እያ፡ ስሌኦም እውን ትሟጐት፡ እዚ ተልእዀኣ እዩ ኢሎም።

እቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ብሓቒ ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ ስድራ እውን ከይተረፈ ብዙሕ ምግምማዕን ምፍልላይን ዝተራእየሉ እዩ፡ ሰላም ዕርቂ ዝብሉ ጉዳያት ጠቒሶም፡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምግምማዕ ዝረአየሉ ሕዝቢ እቲ ዘሕብሮ ዕሴት ዳግም ምንቕቓሕ የድሊ፡ ቤተ ክርስቲያን ንዅሉ ጽን ትብል ኣብ መንጐ ናይ ፖሊቲካ ውድባትን መንግስትን ሕዝብን ዘተ ክህሉ ተተባብዕን ተተሓሳስብን፡ ብፍላይ ከኣ ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ዜጋታት ድምጺ ዘለልይ ጽን ዝብል ጥበብ ወሳኒ ምዃኑ እናመላኸተት ድምጾም ኰይና ትዓዪ፡ ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ነዚ የቃልሕን ይትግብርን፡ ምእንቲ ድኻታትን ዝተሓርጉም ክፍሊ ሕብረተሰብ ድምጾም ከይና ትንቀሳቐስን፡ ወንጌልን ድኻታትን ምግልጋል ዝብል ጸዋዕታኣ ትነብር።

ቅድሚ እቲ ምርጫ፡ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ምረጹኒ ጐስጓስ ይስማዕ ከምዝነበረ፡ ገለ ገለ ናይ ፖለቲካ ውድባት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ደሰይና ወይ ኮሙስት ዝብል ጠቐነ ክወርዳ ይስማዕ ነይሩ እዩ፡ እዚ ዘገድስ ኣይኰነን፡ ንወንጌልን ንድኻታትን እምንቲ ምዃን እዩ ጸዋዕታኣ፡ ነቲ ኢየሱስ ዝሃባ ተልእኾ እምንቲ ምዃን ዓቃቢት ሕዝበ እግዚኣብሔርን ምዃን እዩ ጸዋዕታኣን ኣገልግሎታን፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ፡ ምስ መጓስይ ምዃንን ኣብ ማእክል ሕዝቢ ምዃን ከም ሕዝበ እግዝኣብሔር ምዃን በዚ መገዲ’ዚ ምምራሕ እዩ፡ ስለዚህ ይብሉ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ብራዚል፡ ምንባሩ ንወንጌን ንድኻታትን ንሕዝበ እግዚኣብሔርን እዩ፡ ዝክረ ነገሩ ቃል ኣምላኽ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ብራዚል፡ ድሕሪ ሕዝባዊ ምርጫ ቤተ ክርስቲያን ኩነት ደቂ ዓድን ድኻታት ኣዚዩ ከምዘሰከፋ ትገልጽ
02 November 2018, 17:25