ድለ

ኣስያ ቢቢ ናጻ ተባሂለን ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝወጻ ተሓቢሩ ኣስያ ቢቢ ናጻ ተባሂለን ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝወጻ ተሓቢሩ 

ኣስያ ቢቢ ናጻ ተባሂለን ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝወጻ ተሓቢሩ

በዓል ቤት ኣሲያ ቢቢ፡ ኣሺቕ ማሲሕ ኣብ ፓኪስታን ዘሎ ህልው ኩነታት ንሕይወት በዓልቲ ቤቶምን ንመላእ ስድራ ቤቶምን ስግኣት ብምዃኑ መላእ ስድራ ቤት ኣስያ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወይ ኣብ ካናዳ ወይ ከኣ ኣብ ኢጣሊያ ዑቕባ ክረኽቡ ሕቶ ከምዘቕረቡ

ፓኪስታናዊት ካቶሊክ ምእመን ኣስያ ቢቢ ሃይማኖት ምስልምና ኣርኪስክን ብዝብል ብዘይወዓለኦ  ክሲ ምኽንያት ብዘይ ፍትሒ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት ማእሰርቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፓኪስታን ናጻ ክልቀቓ ዝብል ብይን ምስ ሃበ፡ ድሕሪ ሰሙን ናጻ ከምእተለቀትን፡ ነዚ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ዝቃወሙ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብታ ሃገር ዘለዓዕልዎ ዘለዉ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይቕጽል ብምህላዉ ንደሕንነተን ተባሂሉ ዘለዋሉ ቦታ ብምስጢር ከምእተተሓዘን መንግስቲ ፓኪስታን ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዘቕርብዎ ዘለዉ ናይ ተቓውሞ ሕቶ ተቐቢሉ ጉዳየን ዳግም ክምርመር ክገብር እየ ዝብል ስምምዕ ምስቶም መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ከዝገበረ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

47 ዓመት ዝዕድመኣን ኣደ ሓሙሽተ ቆልዑ ኣብ 2009 ዓ.ም. ሃይማኖት ምስልምና ኣርኪስክን ብዝብል ምስምስ ካብ ዝቕመጣሉ ከባቢ ሕዝቢ ዝቐረበለን ጭቡጥ ዝይኰነ ክሲ ምኽንያት ብሃይማኖት ምርካስ ገበን ተኸሲሰን ካብ 2010 ዓ.ም.  ተኣሲረን ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፓኪስታን ናጻ ዝብል ከምዘመሓላለፈን ዕለት 7 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ካብ ቤት ማሕቡስ ከምዝወጻን ኣብታ ሃገር ዘሎ ህልው ኩነታት ንሕይወተን ዓቢይ ስግኣት ብምዃኑ ዘለዋሉ ቦታ ከምዘይፍለጥ ጠበቓኤን ሳይፍ ኡል ሙሎክ ምስ ፍራንስ ፕረስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ብነፋሪት ጉዕዞ ከምዝገበራ ተሓቢሩኒ ዝበሉ ጠበቓኤን ኣስዒቦም እታ ዝተሳፈራላ ነፋሪት ኣበይ ሃገርን ቦታን ትዕለብ ግን ከምዘይተሓበሮም ገሊጾም ዝበለ ፍራንስ ፕረስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣተሓሒዙ፡ ኡል ሙሎክ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፓኪስታን ናጻ ምስ በለን ካብ ዝተፈላለዩ ግለ ሰባት ዘስግእን ክንቀትለኩም ኢና ዝብል ናይ መፈራርሒ መልእኽትታት ክበጽሖም ስለ ዝጀመረ ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ፓኪስታን ክወጹ ከምእተገዱ ኣፍሊጡ።

በዓል ቤት ኣሲያ ቢቢ፡ ኣሺቕ ማሲሕ ኣብ ፓኪስታን ዘሎ ህልው ኩነታት ንሕይወት በዓልቲ ቤቶምን ንመላእ ስድራ ቤቶምን ስግኣት ብምዃኑ መላእ ስድራ ቤት ኣስያ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወይ ኣብ ካናዳ ወይ ከኣ ኣብ ኢጣሊያ ዑቕባ ክረኽቡ ሕቶ ከምዘቕረቡ ፍራንስ ፕረስ ጠቒሱ፡ ንናይ ፓኪስታን ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒ. ሙሓማድ ፋይሳል፡ ካብ ቤት ማሕቡስ ዝተለቃ ኣስያ ቢቢ ኣበይ ኣለዋ እንክብል ንዘቕረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ ኣብ ፓኪስታ እየን ዘለዋ ዝብል መልሲ ከምዝሃቡ ኣፍሊጡ፡ ኣብ 2009 ዓ.ም. ኣብ እቶት ምህርቲ ሕርሻ ተዋፊረን እንከለዋ ምስተን ምስኤን ኣብቲ ማእቶት ዝነበራ ኣንስቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ብሓሶት መንቀሊ ናይቲ ዘይምርድዳእ ሃይማኖት ምስልምና ስለ ዘርከሳ እዩ ዝብል ካብተን ምስኤን ዝዓያ ዝነበራ ኣንስቲ ዝቐረበለን ክሲ ኣብ 2009 ዓ.ም. ተታሒዘን ካብ 2010 ዓ.ም. ኣትሒዘን ላዕለዋይ ፍርዲ ቤት ናጻ ክብል ብዝሃዎ ውሳኔ መሰረት ዕለት ዕለት 7 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ከምእተለቃ የመላኽት።

ላዕለዋይ ቤት ፍርድ ናጻ ክልቐቓ ዝብል ብይን ምስ ሃበ ኣብ መላእ ፓኪስታን ተለዓዕሊ ብዝነበረ ሕዝባዊ ናዕቢ ምኽንያት መንግስቲ ፓኪስታን ጉዳይ ቢቢ ኣይተዓጸወን እቲ ቤት ፍርዲ ናጻ እውን እንተበለን ክሰን ዳግም ክጻረይ ጸቕጢ ክገብር ምኳኑ ኣፍሊጡን እዚ ኽድኣ ነቲ ሕዝባዊ ናዕቡ ዝግ ክብል ገሊጹን ጉዳየን ዳግም ክሳብ ዝጻረይ እውን ካብ ፓኪስታን ናይ ምውጻእ ፍቓድ ከምዘይወሃበን እውን ኣፍሊጡ ከምዝነበረን፡ እዚ ውሳኔ’ዚ ኣብ ግብሪ እተደኣ ዘይወዓለ ናይ ሃይማኖት ምስልምን መኽረርቲ ናይ ፖለቲካ ውድባት ህዝባዊ ናዕቢ ተበራቲዑ ክቕጽል ከምዝገብር ኣተሓሲቡ ከምዝነበረን ፍራንስ ፕረስ ክገልጽ እንከሎ፡ ነዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ 2010 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቢቢ ናጻ ክልቐቓ ጻውዒት ኣቕሪቦም ክምዝነበሩን ደሓር እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ስድራ ቤት ኣስያ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ናጻ ክልቀቓ እውን ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

 

08 November 2018, 17:11