ጓል ኣሲያ ቢቢ፡ ኣዴኤን ካብ ፍርዲ ሞትን ማእሰርትን ናጻ ንዝበሉ ደያኑ ተባዓት ቢለን የመስግና ጓል ኣሲያ ቢቢ፡ ኣዴኤን ካብ ፍርዲ ሞትን ማእሰርትን ናጻ ንዝበሉ ደያኑ ተባዓት ቢለን የመስግና 

ጓል ኣሲያ ቢቢ፡ ኣዴኤን ካብ ፍርዲ ሞትን ማእሰርትን ናጻ ንዝበሉ ደያኑ ተባዓት ቢለን የመስግና

ካብቲ ዝተበየነን ናይ ሞት ፍርዲ ናጻ ምስተበሃላ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ከምቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፍለ ዓለም ሓደ ዜጋ ካም ቦት ፍርዲ ናጻ ክበሃል እንከሎ ሮማ ኣብ ዝርከገብ ኮሎሰዩም ኣደባባይ ብቐይሕ መብራህቲ ክኹላዕ ብምግባር ናይ ሕይወት ባህሊ ንምምስጋን ዝግበር መራሕ ግብሪ ከምዘፈጸመ ዝዝከር ኰይኑ

ንዝሳቐያ ኣቢያት ክርስቲያን ሓልዮ ዓለም ሓቆፍ ግብረ ሰናይ ማሕበር ዝቐረጾ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ኤይሻም ጓል ኣሲያ ቢቢ ኣደኤን ካብ ፍርዲ ሞት ጥራሕ ዘይኰነ ካብ ቤት ማእሰርቲ እውን ብናይ ፓኪስታን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናጻ ዝብል ብይን ስለ ዝተወሃበን ዝተሰምዔን ሓጎስ ገሊጾን ኣብ ሕጺር እዋን መላእ ስድራ ቤት ተራኺቡን ተሓቛቜይፉን ሕይወቱ ክመርሕን ኣብ ቀረባ እዋን እቶ ሎሚ ዕለት 20 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ነቶም ኣብ ዓለም ዝሳደዱ ማሕበረ ክርስቲያን ድጋፍን ምትሕብባርን ዝገልጽ ቀይሕ እተሰምየ መግለጺ እተእንግድ ከተማ ቨነዚያ እውን ክበጽሓ ዘለወን ተስፋ ገሊጸን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ ዝተቐርጸ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኤይሻም ይብላ፡ እቶን ነደኤን ናጻ ዝብል ብይን ዘመሓላለፉ ደያኑ ተባዓት እንክብሉ ኣመስጊነን፡ እቲ ዘመሓላለፍዎ ፍርዲ ናይ ወላዲተን ካብቲ ተኸሲሰናሉ ዝነበራ ገበን ናጻ ዝብል ጥራሕ ዘይኰነስ ዝፈጸመኦ ገበን እውን ከምዘየለን ዘመላኽት ምዃኑ ሓቢረን፡ ኣሲያ ቢቢ ዕለት 7 ሕዳር ካብ ቤት ማሕቡስ ናጻ ምስ ተባህላ ንሕይወተንን ንናይ ስድራ ቤተን ኣባላት ሕይወት ውሕስነት ዘለዋሉ ስፍራ ብምስጢር ዝተተሓዘ ክኸውን እንከሎ፡ ንትሽዓተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበራ ኣደ ሓሙሽተ ቆልዑ ምዃነን ይንገር።

ካብቲ ዝተበየነን ናይ ሞት ፍርዲ ናጻ ምስተበሃላ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ከምቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፍለ ዓለም ሓደ ዜጋ ካም ቦት ፍርዲ ናጻ ክበሃል እንከሎ ሮማ ኣብ ዝርከገብ ኮሎሰዩም ኣደባባይ ብቐይሕ መብራህቲ ክኹላዕ ብምግባር ናይ ሕይወት ባህሊ ንምምስጋን ዝግበር መራሕ ግብሪ ከምዘፈጸመ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣይሻይም ይብላ ወላዲተን ካብ ቤት ማእሰርትን ሞት ፍርድን ናጻ ካብ ዝተበሃላሉ እዋን ኣትሒዘን ገና ከምዘተራኸባን እዚ ከኣ ንናይ ኩሉ ስድራ ቤት ውሕስነት ምዃኑ ገሊጸን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ገጽ ንገጽ ክራኸባ ተስፋ ከምዘለወን ይሕብራ።

ኣዴኤን ካብ ቤት ማሕቡስን ካብ ፍርዲ ሞትን ናጻ ክበሃላ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተፈላለዩ ጐስጓሳት ይካየዱ ከምዝነበሩን እውን ዘዘካኸራ እዘን ጓል 18 ዓመት ዝዕድመኤን ኣዴኤን ክእሰራ እንከለዋ ትሽዓተ ዓመት ዕድመ ዝነበረን ኣይሻም ምስ ኣቦኤን ዕለት 24 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይደን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺበን ከምዝነበራን እቲ ርክብ እምነት ዘበራትዕን ዘጽንዕን ምንባሩ እውን ዘኪረን፡ ወላዲተን ናጻ ክበሃላ ንዝተንቀሳቐሱን ዝጸለዩን ምስጋናኤን የቕርባ።

ጓል ኣሲያ ቢቢ፡ ኣዴኤን ካብ ፍርዲ ሞትን ማእሰርትን ናጻ ንዝበሉ ደያኑ ተባዓት ቢለን የመስግና

Photogallery

ጓል ኣሲያ ቢቢ፡ ኣዴኤን ካብ ፍርዲ ሞትን ማእሰርትን ናጻ ንዝበሉ ደያኑ ተባዓት ቢለን የመስግና
20 November 2018, 17:19