ቅድስቲ መንበር፡ ጥምየት ኩሉ ክሰማምዓሉ ዝግብኦ ናይ ፍትሒ ሕቶ እዩ ቅድስቲ መንበር፡ ጥምየት ኩሉ ክሰማምዓሉ ዝግብኦ ናይ ፍትሒ ሕቶ እዩ 

ቅድስቲ መንበር፡ ጥምየት ኩሉ ክሰማምዓሉ ዝግብኦ ናይ ፍትሒ ሕቶ እዩ

ኩለን ሃገራት ሕዝበን ብመግቢ ክውሕሳ ዘብቅዔን ድጋፍ ክረኽባን እዋናዊ ዓለም ዝኽተሎ መደብ ልምዓት ክእርምን፡ ምብኻን ብምክፋል ባህል ክትካእን፡ ናይ ድኻታት ሃገራት ልምዓት ዘተዓናቕፍ ውሳኔ ምዕቡላት ሃገራት ክግታእን ዝብሉ ውሳኔታት ነቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ስእነት መግብን ጥምየትን መፍትሒ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ጻውዒት ብፁዕነቶም ጠቒሶም ስለዚህ መፍትሒ ስእነት መግብን ጥምየትን ፍትሓውነት እዩ ኢሎም።

ሓድሕዳዊ ሓላፍነትን፡ ምትሕብባርን ሱታፌን ዝብሉ ቃላት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ስእነት መግቢ ኰነ ጥምየት ንምውጋድ መፍትሒ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ዕለት 28 መስከረም 2018 ዓ.. ኣብ ነው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ፎርድሃም መንበረ ጥበብ ኣብ ዘእንገዶ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ስእምነት መግቢ ንምጉዳል ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝዘተየ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘስመሩሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ስእነት መግብን ጥምየትን መዕለቢ ክረክብ ውሕስነት መግቢ ሕዝብታት ክረጋገጽን ግድንን ናይ ኵሉ ሓላፍነት እዩ፡ እዚ ሸቶ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ክብጻሕ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ምዕባለ ኣብ ዝብል ሰነድ ዘሳዀዖ ህንጡይ መደብ’ዚ ዓሚዩቕ ምይይጥ ክግበረሉ ዓለም ሓቆፍ ፖለቲካዊ ኤኮኖሚን ንምዕባለን ማሕበርን ጳጳሳዊ ምእተ ዓመት ማሕበርን ብሓባር ኣብ ዝሰናደዎ ዓውደ ጉባኤ፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ጥምየትን ስእነት መግብን ምውጋድ ዝብል ጻውዒት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መሰረት ገይሩ ኣብ ዘሰናደዎ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝተወከሱ ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር፡ መግቢ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም ብዕደ ጥበባዊ ደረጃ በጺሕዎ ዘሎ ምዕባለ ርኢኻ ብስእነት መግብን ጥምየትን ዝሳቐ ፍጥረት ሰብ ምርኣይ ዘሕዝን ጥራሕ ዘይኰነስ እቲ ዝተበጽሔ ምዕባለ ኣብ ሕቶ ዘእትው ምዃኑ ኣነጺሮም። ማዕቀን ምዕባለ ሰብኣነት እዩ ኢሎም።

ጻዕሪ ቤተ ክርስቲያን መግቢ ናይ ምርካብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር

ካብቲ ጠምየ ኣንገልኩምኒ ዝብል ወንጌላዊ ጻውዒት ተበጊሶም ብፁዕነቶም እዚ ወንጌላዊ ቃል ናይ ቤተ ክርስቲያን ንእተካይዶ ሓልዮ ድኻታት ጻዕሪ ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑን ካብኡ ሓሊፉ እውን ነቲ መግቢ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን መሰረት ምዃኑ ሓቢሮም፡ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ናይ 2007 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ ኣመሓላሊፎምዎ ኣብ ዝነበረ መልእኽቲ፡ እቲ ወንጌላዊ ጻውዒት መሰረት መግቢ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን፡ ንውልቅን ንማሕበረሰብን ዝምልከት ናይ ዝብል ማዕቀኑን መግለጺ ምዃኑ ተንቲኖም ኣይምልከተንን ክብል ዝኽእል ሰብኣዊ ፍጥሩ ክህሉ ኣይክእልን ኢሎም።

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ተረኺቦም፡ ስእነት መግቢ 821 ሚሊዮን ህዝቢ ዝምልከት ምዃኑ ገሊጾም፡ መንቀሊኡ ከኣ ምዝባዕ ናይ ተፈጥሮ ኣየርን፡ ንጹሕ ጸዓት ምጥቃም ዝብል መደብን ኣሰራርሓን ጉዳይ ጸኣት ስደተይናታት ንምምሕዳሩ ዝግበር ጻዕርን ንግድን ሰብ ከም ውዳቕ ዝሓስብ ዝሰፍሕ ዘሎ ባህልን ተሓታት ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ኩሉ ጠንቂ ስእነት መግቢ ሰብኣዊ ፍጥረት ምስ ዝኽተሎ መደብ ልምዓት ዝተኣሳሰረ ሳዕቤን ከምዘጋጥሞ ዘነጽር እዩ ቢሎም፡ መጠን ኣልቦ ምስፋሕ ኣህላኺ ባህልን ምብኻን መግብን ንገዛእ ርእሱ ጠንቂ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ሓሳብ ኣሞርኵይዞም፡ ይኣኽለኒ ምባል ኣገዳሲ እዩ ተኻፊልካ ምንባር ናይ ኣነናብራ ኣገባብ ክኸው ኣለዎ ኢሎም።

ኩለን ሃገራት ሕዝበን ብመግቢ ክውሕሳ ዘብቅዔን ድጋፍ ክረኽባን እዋናዊ ዓለም ዝኽተሎ መደብ ልምዓት ክእርምን፡ ምብኻን ብምክፋል ባህል ክትካእን፡ ናይ ድኻታት ሃገራት ልምዓት ዘተዓናቕፍ ውሳኔ ምዕቡላት ሃገራት ክግታእን ዝብሉ ውሳኔታት ነቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ስእነት መግብን ጥምየትን መፍትሒ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ጻውዒት ብፁዕነቶም ጠቒሶም ስለዚህ መፍትሒ ስእነት መግብን ጥምየትን ፍትሓውነት እዩ ኢሎም።

ሓላፍነትን ምትሕብባርን ሱታፌን

ቅዱስ ኣቦና ስእነት መግብን ጥምየትን ምፍታሕ ማለት ነቲ ብመግቢ ስእነት ዝሳቐይ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምሕላይ እምበር ምልስኪ ቢልካ ከንፈርካ ምምጣጥ ኣይኰነን፡ ሕቶ ጥመየትን ስእነት መግብን ናይ ፍትሒ ሕቶ ምዃኑ ብምስትውዓል ብሉጽ ሓድሕዳዊ ጻዕርን ሓላፍነትን ኩሉ ዝብል ምዃኑ ተኣሚንካ ምትሕብባርን ሱታፈን ምንባር እዩ ይድሊ፡ ዝበልዎ ቃል ጠቒሶም ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ዘስምዕዎ ዘረባ ዛዚሞም።

ቅድስቲ መንበር፡ ጥምየት ኩሉ ክሰማምዓሉ ዝግብኦ ናይ ፍትሒ ሕቶ እዩ
02 October 2018, 17:29