ድለ

ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን  ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትሪያርክ ዝነበራ ቅዱስ ቁርባናዊ ሱታፌ ተቋርጽ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትሪያርክ ዝነበራ ቅዱስ ቁርባናዊ ሱታፌ ተቋርጽ 

ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ቁስጥንጥንያ ፓትሪያርክ ዝነበራ ቅዱስ ቁርባናዊ ሱታፌ

ኣብ ከምዚ ዓይነት ውሳኔ እዚ ምብጻሕ ዓቢይ ሓዘን ዘስዕብ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ፡ ናይ ሞስኮ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲንዶስ እቲ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ድሕሪ ዝወሰዶ ውሳኔ ስዒቡ እቲ ኣብ መንጐ ናይ ሞስካን ቁስጥንጥንጥንያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝነበረ ቅዱስ ቍርባናዊ ሱታፌ ይቐጽል ቢልካ ምንባር ጌጋ ምዃኑ ኣሚኑ፡

ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ዝነበሮ ቅዱስ ቍርባናዊ ሱታፌ ንኽቋረጽ ወሲኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዲኖዶስ ኣብ በይሎሩሲያ ርእሰ ከተማ ሚንስክ ዕለት 15 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ብፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ተመሪሑ ኣብቲ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶድክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ እቲ ኣብ 1686 ዓ.ም. ናይ ኡክራይን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ትሕቲ ሓዋርያዊ ምሕደራ ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ዝብል ዝነበረ ሲኖዶሳዊ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ዘስፈሮ ሓሳብ ንናይ ኡክራይን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እዋናዊ ኩነት ግምት ብምሃብ ዘይቅቡል እንክብል ካብቲ ስምምዕ ገዛእ ርእሱ ኣልዒሉ፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኡክራይን ቄፋሊያ እንክብሉ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዘመሓላለፎ ውሳኔ ዝክረ ነገር ገይሩ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን በጺሓቶን ትነብሮን ዝነበረ ስምምዕ ቅዱስ ቁርባናዊ ሱታፌ ክቋረጽ ከምዘወሰነ ተገሊጹ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ውሳኔ እዚ ምብጻሕ ዓቢይ ሓዘን ዘስዕብ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ፡ ናይ ሞስኮ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲንዶስ እቲ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ድሕሪ ዝወሰዶ ውሳኔ ስዒቡ እቲ ኣብ መንጐ ናይ ሞስካን ቁስጥንጥንጥንያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝነበረ ቅዱስ ቍርባናዊ ሱታፌ ይቐጽል ቢልካ ምንባር ጌጋ ምዃኑ ኣሚኑ፡ እቲ ኣብ ታሪኽ ዝተበጽሔ ስምምዓት ምቍራጹ ዘሕዝን እዩ፡ እዚ ውሳኔ’ዚ ናይ ቁስጥንጥንያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ኡክራይን ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ሓዋርያዊ ምሕድራ እንክብል ዘመሓላለፎ ውሳኔ ክሳብ ዘየልዓለ ተግባራዊ ኵይኑ ከምዝቕጽል የረጋግጽ።

ናይ ሞስኮ ኦርቶዶካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ሜጥሮፖሊታ ሂላሪዮን፥ ናይ ቁስጥንጥንያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝወሰዶ ውሳኔ ከልዕን ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም፡ ክሳብ እዚ ዝኸውን ግና ኣብ መንነጐ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ተበጺሑ ዝነበረ ቍዱስ ቍርባናዊ ሱታፌ ክድስክል ምዃኑ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።  

ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትሪያርክ ዝነበራ ቅዱስ ቁርባናዊ ሱታፌ ተቋርጽ
20 October 2018, 17:53