ፓኪስታን፥ ኣሲያ ቢቢ ካብቲ ተበይንዋ ዝነበረ ፍርዲ ሞት ናጻ ተባሂላ ፓኪስታን፥ ኣሲያ ቢቢ ካብቲ ተበይንዋ ዝነበረ ፍርዲ ሞት ናጻ ተባሂላ 

ፓኪስታን፥ ኣሲያ ቢቢ ካብቲ ተበይንዋ ዝነበረ ፍርዲ ሞት ናጻ ተባሂላ

ሎሚ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. እተን ኣብ 2009 ዓ.ም. ሃይማኖት ምስልምና እርኪስክን ብዝብል ክሲ ተኣሲርን ኣብ 2010 ዓ.ም. ቀዳማይ ገበን መርማሪ ቤት ፍርዲ ንሞት ዝበየነን ፓኪስታናዊት ኣደ ሓሙሽተ ቆልዑ ክርስቲያን ምእመን ኣሲይ ቢቢ ናይ ፓኪስታን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናጻ ከምዝበለን ተሓቢሩ፡

ናይ ፓኪስታን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ 201 ዓ.ም. ሃይማኖት ምስልምና ኣርኪስኪ ብዝብል ክሲ ብናይ ገበን ዘጻርይ ቀዳማይ ቤት ፍርዲ ንሞት ተበይንወን ዝነበራ ፓኪስታናዊት ኣሲያ ቢቢ ካብቲ ናይ ሞት ፍርዲ ናጻ ከምዝበለን ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሎሚ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. እተን ኣብ 2009 ዓ.ም. ሃይማኖት ምስልምና እርኪስክን ብዝብል ክሲ ተኣሲርን ኣብ 2010 ዓ.ም. ቀዳማይ ገበን መርማሪ ቤት ፍርዲ ንሞት ዝበየነን ፓኪስታናዊት ኣደ ሓሙሽተ ቆልዑ ክርስቲያን ምእመን ኣሲይ ቢቢ ናይ ፓኪስታን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናጻ ከምዝበለን ተሓቢሩ፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘመሓላለፎ ውሳኔ ዝቓወም ሰላማዊ ሰልፍ ከምእተኻአደ እውን ክንገር እንከሎ፡ ኣብ ፓኪስታን እስላማዊ ናይ ፖሊቲካ ሰልፊ ነቲ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ዝቃወም ብሔራዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክካየድ ብናይቲ ናይ ፖለቲካ ወድብ መራሒ ክሃዲም ሁሳይን ሪቭዚ መግለጺ ከምእትወሃበን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ሁከትን ዓመጽን ከይባራዕ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያንን ካቴድራልን ናይ ክርስቲያን ከባቢታት ንሓለዋ ጸጥታን ድሕነትን ክምእተዋፈሩ ይንገር።

ኣብ ወርሒ ለካቲት 2018 ዓ.ም. ናይ ኣስያ ቢቢ በዓል ቤት ኣሺቕን ጓሎም ኤይሻም ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ብዝገበሮ ሓገዝ ካብ ፓኪስታን ናብ ሃገረ ቫቲካን መጺኦም ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተራኸቡን ኣብቲ ርክብ እውን ካብቲ ኣብ ናይጀሪያ ዝንቀሳቐስ ዕጡቓት ሓይሊ ኣኽራሪ ሃይማኖት ምስልምና ቦኮ ሓራም ካብ ዝፍጽሞ ኣሳዶን ዓመጽን ዘምለጣ ናይጀሪያዊት ክርስቲያን ምእመን ርብቃ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦምን ኣብ መላእ ዓለም ስለ እቶም ብእምነቶም ዝሳደዱ ማሕበረ ክርስቲያንን ምእንቲ ሰላማዊ ማሕብራዊ ናብራን ክጽለይ ጻውዒ ኣቕሪቦም ናይ እዋንና ሰማዕታን እክብሉ እውን ከምዝገለጽወን ይዝከር።

ፓኪስታን፥ ኣሲያ ቢቢ ካብቲ ተበይንዋ ዝነበረ ፍርዲ ሞት ናጻ ተባሂላ
31 October 2018, 16:30