ድለ

ቅዱስ ኣቦና ዘማዕድውዎ መንእሰይ ህዉጽ ሓላሚ ምዃኑ ዝትንትን መጽሓፍ

እውን፡ ቤተ ክርስቲያን ካብ ቀደም ሎሚ ንመንእሰይ ወለዶ እንታይ ክትገብርን ካብቲ እትገብሮ ንላዕሊ ክትገብር ከምዘለዋ ተስተውዕል። ኣብ ስሌኦም ምዕያይ እቲ ንሳቶም እውን ምስ መጻኢ ንምርኻብ ስለ እታ ዘድልይዋ ቤተ ክርስቲያን ዝዓይዎ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ እውን የመልክቱ።

ብኣባ ቪቶ ማኞ ብዋና ኣሰናዳእነት ሕዉጻን ሓለምቲ፡ መንእሰያት ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን  ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተሓትመ መጽሓፍ ዕለት 26 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቫቲካን ናይ ዜና ኣገልግሎት ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ማርኰኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንንባብ በቒዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት መንእሰያት ናይ ገዛእ ርእሶም መንበሪ ናተይ ዝብልዎ ቤትን ስራሕ ናይ ምርካብ ዘይተኸኣልነት ኩነት ዕለት ብዕለት ዝገጥሞም ብድሆ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ናይ መንእሰያት ቀራንዮ’ዚ ናይ ወንጌል ብርሃን ሒዙ ዓበይቲ ነገራት ካብ ምሕላም ከይቦኽሩን ንናይ ተዓዘብነት ሕይወት ምሩኻት ከይኖም ንኸይነብሩ ሓቢርካ ምስኡ እናተጓዓዝ ምድጋፍ የድሊ ዝበሉ፡ እታ ምጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብዝ ተኻየደ ዓውደ መመረቕታ ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጉዋልቲየሪ ባሲቲ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብዚ ዓውደ መመረቕታ’ዚ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ እውን ተረኺቦም ዘረባ ከምዘስምዑን፡ እዚ መጽሓፍ’ዚ እቲ ካብ ዕለት 3 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ መበል 15 ጠቕላሊ ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ንኽኽፈት ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን ንንባብ ዝበቕዔ ብምዃኑ ናብቲ ሲኖዶስ ንዝግበር ምስንዳዋት ዓቢይ ድጋፍን መሰነይታን እዩ።

ህብረ ሕብሪ ቅንስል (colourfull mosaic) ሕልሚ መንእሰይ

እቲ መጽሓፍ ኣባ ቪቶ ማኞን ደራስን ህቡን ድምጻውን ገጣምን ኢጣሊያዊ ከያኒ ሮበርቶ ቨኪዮኒ ኣብ ዙሪያ ሕልሚ መንእሰይ ዝብል ነጥቢ ብዘካይድዎ ዘተ ዝተበገሰ ኰይኑ፡ ስዒቡ ቶሪኖ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሃይማኖት ኣብ ዕውሉም ዓለምን ስነ ሰብእን ጉዳያት መምህር ፕሮፈሰር ፍራንኮ ጋረሊን፡ መንእሰይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ሃይማኖት ዘለዎ ርክብን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘቕረበዎ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍን፡ ጋዘጠይናን ደራሲ መጻሕፍት ጥበባትን ናይ ስነ ቫቲካን ሊቅ ኣልዶ ማሪያ ቫሊ እውን፥ ስድራ ቤትን ከምኡ እውን ሕንጸት ውላድ ዝምልከት ሕቶ ዝድህስስ ዘቕረብዎ ጽሑፍን ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ኣባል የኔታ ኣባ ዳሪዮ ቪጋኖ ብወገኖም፡ መንእሰይን ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ማሕበራውያን መረብት ኣጠቓቕማን እምነት ምትሕልላፍን ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረብዎ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍን፡ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ብዝብል ኣርእስቲ ኣባ ሉዊጂ ቾቲን፡ ናይ ስነ ኣእምሮ ሊቅ ማሪያ በያትሪቸ ቶሮ፥ መንእሰይን ስነ ጾታውን ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረበኦ ጽሑፍ፡ ኣብ ሰበኻ ሮማ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ጸዋዕታ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፋቢዮ ሮሲኒ ልልያ ጸዋዕታ ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረብዎ ጽሕፉት ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ ሕይወት ኣሰር ወይ ምልክታ ከይሓደግካ ምሕላፍ ዓቢይ ሓዘን እዩ (ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ)፥

ብጽንዓት ዓበይቲ ምንዮትካ ምስዓብ

ኣብዚ እዋን’ዚ መንእሰይ ጽኑዕ መወከሲ (ኣብነት ዝዀኑ) ዝድሊ ምዃኑ ኣባ ማኞ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም፡ እቲ ናይ ሕይወት ትርጉም ዘናድይ መንእሰይ ብብዙሕ ዓይነት ድምጽታት ዝተናወጸን፡ ንሓድ ሕዶም ብዝገራጨው ተምሳል ዕሴታትን ቅልውላው ስራሕ ኣብ መላእ ዓለምን፡ ምልከ ዕደ ጥበብን ንህልወቱ ኣብ ክውን ጊዜ ጸቕጢ ዝዀኖ ናይ መንእሰይ መጻኢ ንስግኣት ዘቃልዕ፡ ምንዮታት ናብ ገዛእ ርእሶም ውሽጢ ብዝዓጽፉ ዕዳጋታት ዝተኸበ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ምእንቲ ሰላም ዝዓዩን ኣብ ዝተፈላለዩ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ብወለንተይናኦም አዋፊሮም ዝዋሱኡ መንሰያት ብዙሓት ምዃኖን ትርእይ፡ ምንጪን ማእከል ጽሞናን ጽንታን ዘናድይ ናብ ጸሎት ዝብል መንእሰይ ብዝሒ ክብ ይብል ምህላዉ ኣብቲ ናይቲ መጽሓፍ መቕድም ሓቢሮም ኣስዒቦም እውን፡ ቤተ ክርስቲያን ካብ ቀደም ሎሚ ንመንእሰይ ወለዶ እንታይ ክትገብርን ካብቲ እትገብሮ ንላዕሊ ክትገብር ከምዘለዋ ተስተውዕል። ኣብ ስሌኦም ምዕያይ እቲ ንሳቶም እውን ምስ መጻኢ ንምርኻብ ስለ እታ ዘድልይዋ ቤተ ክርስቲያን ዝዓይዎ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ እውን የመልክቱ።

ቅዱስ ኣቦና ዘማዕድውዎ መንእሰይ ህዉጽ ሓላሚ ምዃኑ ዝትንትን መጽሓፍ

Photogallery

ቅዱስ ኣቦና ዘማዕድውዎ መንእሰይ ህዉጽ ሓላሚ ምዃኑ ዝትንትን መጽሓፍ
27 September 2018, 16:48