2018.09.19 ኣባ ማካሊ፣ ኣብ ኒጀር 2018.09.19 ኣባ ማካሊ፣ ኣብ ኒጀር  

ኢጣልያዊ ልኡኽ ወንጌል ካህን ኣብ ኒጀር ተጨውዩም፣

ኢጣልያዊ ልኡኸ ወንጌል ኣባ ማካሊ፣ ኣብ ኒጀር ብዕጡቃት ናይ ሓይሊ ጀሃድ ኣብ ከባቢ ዶብ ቡርኪናፋሶ ከምዝተጨውዩ ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይ ኢጣልያ ወጻኢ ጒዳያት ሚንስትር ጠንቂ ናይ’ቲ ጉዳይ ንምፍላጥ ኣብ ምጽራይ ከም እተዋፈረ ገሊጹ።

ሙሴ ዮሓንስ - ከተማ ቫቲካን

ልኡኽ ወንጌል ዝኮኑ ኣባ ፒየር ሉዊጂ ማካሊ፣ ዝሓለፈ ለይቲ ኣብ ደቡብ ኒጀር፣ ምስ በርኪናፋሶ ኣብ ዘዳውብ ሽነኽ ናይ’ቲ ዓዲ ብጉጅለ ናይ ጂሃድ ዕጡቃት ከም ዝተጨውዩ ክምልከት ኣንከሎ፣ መንግስቲ ኒጀር ኣብ መግለጺኦም፣ እዚ ጭውያ’ዚ፣ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳን፣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃን ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ንኻልኣይ ግዚኡ ዘጓንፍ ዘሎ ጭውያ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣባል ናይ ኣፍሪቃ ልኡካን ወንጌል ዝኾኑ ኣባ ማካሊ፣ ተወላዲ ሰበኻ ክረሞነ ሰሜን ኢጣልያ እንክኾኑ፣ ቅድሚ ናብ ናይ ሰበኻ ኒኣመይ ቦሞኣንጋ ሃገረ ኒጀር ምቅያሮም፣ ኣብ ኣይቮሪኮስት ንኣርባዕተ ዓመት ልኡኽ ወንጌል ኮይኖም የገልግሉ ከምዝነበሩ እውን ተመልኪቱ።

ኣብ’ቲ ከባቢ ብዝነበሩ ሕዝቢ ዝተረኸበ  ሓቤሬታ  እዞም ወዲ 57 ዓመት ዝኮኑ ካህን ኣብ ናይ ምሸት ግዜ ከም ዝተጨውዩ እዩ ዝንገር፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ’ቲ ዝነበርዎ ዞባ መንግሥቲ፣ ነዞም ናይ ጀሃድ ጉጅለን፣ ናይ  ጉጅለ ኣልቓዒዳን፣ እስላማዊ ጒጅለታት ናይታ ሃገርን፣ ንምስዓሮም ይዋጉኡ ኣለው። እዚ ዘይምርግጋእ ኒጀር ዘኸትሎ ጸገም ነተን ምስኣ ዝዳወባ ሃገራት ማልን በኪናፋሶን እውን ይጸልወን ከምዘሎ፣ እዚ ኸኣ ሠራዊት ናይዞም ዕጡቃት ጒጅለታት ሰሊኹ ብምእታው ከኸትሎ ዝኽእል  ሳዕቤን ከቢድ ምዃኑ ምንጭታት ዜና ናይ’ቲ ከባቢ ይሕብሩ።

ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ናይ ሃገረ ጣልያን ወጻኢ ጒድያት ሚኒስተር በዚ ዘጋጠመ ጭውያ፣ ምስ ስድራቤት እዞም ካህንን፣ ነዚ ኣከቲሉ ዘሎ ጠንቂ ጉዳይ ኣብ ምጽራይ ምስ ዝርከቡን ከም ዝተራኸቡ ይንገር። ኣስዒቦም ስዳራቤት ኣባ ማካሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ብምሉእ ልብናን፣ ብምሉእ ተስፋን ንጸሊ፣ እዞም ኣዚና እነፍቅሮም ኣቦና፣ ካብዚ ዘለውዎ ክወጹ እሞ ናብ’ቲ  መንፈሳዊ ተልእኮ ስብከተ ወንጌሎም ክምለሱ ንምነ እንክብሉ ዘለዎም ምንዮትን ሃረርታን ገሊጾም።

ኣባ ማካሊ፣ እቲ ንሶም ዘገልግሉሉ ዝነበሩ ቁምስና ቦሞኣንጋ፣ ዝተገለለን፣  ዝተነጸለን ቦታ ብምዃኑ፣ ሕጽረት ናይ ጽርግያን፣ ናይ መረኻቢታትን፣ ትሕታ ቅርጽን ከምዘለዎ ይንገር። እቲ ዝነበርዎ ቦታ ኣዝዩ ብድኽነት ዝተወጽዐ ቅርጺ ስለዘለዎ፣ ሕጽረት ጥዕናን፣ ሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይን፣  ሕጽረት ትምህርትን ከም ዘለዎም ከኣ ብተወሳኺ ተመልኪቱ።

ናይ ኣፍሪቃን ሕብረተሰብ  ልኡካነ ወንጌልን ዓለም ለኻዊ ማሕበረሰብ ካቶሊካውያን ልኡካነ ወንጌልን ብሓባር፣ ንኩሉ ሕዝቢ ኣፍሪቓን ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ንዘሎን ኽሕግዞኦ ብዝብል መንፈስ ኣባ ማካሊ ሓቲቶም ምንባሮም ይንገር። ናይ  ኣፍሪቃ ማሕበረሰብ ልኡኻን ወንጌል ኣብ 1856 ዓምፈ ልዮጝ ከም ዝቆመ ክፍለጥ እንከሎ፣ 1000 ዝኮኑ ኣባላት ዘለውዎ ኮይኑ፣ ንሳቶም ድማ ካብ ኣፍሪቃ፣ ኣመሪካ፣ ኤሽያ፣ ከማኡ ውን ኤውሮጳ ሙካኖም ይሕበር።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
19 September 2018, 19:54