ድለ

ስምምዕ ሰላም ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ስምምዕ ሰላም ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ 

ስምምዕ ሰላም ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ

ኤርትራን ኢትዮጵያን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ ጽድያ ብርእሰ ብሔር ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ብናይ ኢትዮጵያ መራሔ መንግስትን ኣቢይ ኣሕመድን መንጐ ብዝገበርዎ ርክባት ዘበገስዎ ናይ ሰላም ስምምዕ ናብ ፍጻሜ ዘብጽሕ ስምምዕ ሰላም ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 16 መስከረም ኣብ ጂዳ ከተማ ከምዝኸተሙ ተሓቢሩ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ኣብ ወርሒ 9 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ዝተኻየደ ስምምዕ ዘሕይልል ብሉጽ ዝገብር ብሕቡራት መንግስታት ዓለም መንጐይናነት ዕለት 16 መስከረም 2018 ዓ.ም. ናይ ሰላም ስምምዕ ከኸቲሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ክተማ ቫቲካን

ኤርትራን ኢትዮጵያን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ ጽድያ ብርእሰ ብሔር ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ብናይ ኢትዮጵያ መራሔ መንግስትን ኣቢይ ኣሕመድን መንጐ ብዝገበርዎ ርክባት ዘበገስዎ ናይ ሰላም ስምምዕ ናብ ፍጻሜ ዘብጽሕ ስምምዕ ሰላም ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 16 መስከረም ኣብ ጂዳ ከተማ ከምዝኸተሙ ተሓቢሩ።

ናይ ሰላም ስምምዕ ክታም ኣብ ጽላል ሕቡራት መንግስታት ዓለም

ኣብቲ ኣብ ጂዳ ዝተኻየደ ናይ ሰላም ስምምዕ ምስ ስዑዲ ዓረብ ናይ ሕብራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረዝን ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ድርገት ኣቦ መንበር ሙሳ ፋኪ ማሃማትን ከምእተረኽቡን እቲ ናይ ዕለት 16 መስከረም 2018 ዓ.ም. ናይ ሰላም ስምምዕ ካብቲ ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ናይ ሓባር ውሳኔ ዝተበገሰን ነቲ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዘይምርድዳእን ተጻባኦነትን ዘወግድ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ ንኽልቲኣተን ሃገራት ሰላምን ንናይ ኤኮኖሚ ምዕባለን ርክባት ሕዝበን መሰረት ከምዝኸውን ዝተፈላለዩ ናይ ስነ መልክኣ ምድር ፖሊቲካ ተንተንቲ እንክሕብሩ፡ እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ካብ ክልቲኣተን ሃገራት ሓሊፉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምርግጋጽ ሰላም ወሳኒ ምዃኑ እውን ይገልጹ።

ስምምዕ ሰላም ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ
18 September 2018, 16:29