ድለ

Cardinal Reinhard Marx visits Gdansk Cardinal Reinhard Marx visits Gdansk 

ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ፥ ኣብ ቅድሚ ብሔርተይናውነት ዘይተገዳስነት ከይህሉ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝሰፍሕ ዘሎ ሕዝብነታውነትን ብሔርተይናውነት፡ ኣብ ገለ ገለ ሃገርት ኤውሮጳ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ጀሚርካ ክሳብ ኣብ ግሪክ ዝረኣይ ዘሎ ጽልእ መጻእተይናን ወጻእተይናን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓርበይናነት ሃገራውነት ሰናይ እዩ፡ ብሔርተይናውነት ካቶሊካውነት ኣይኰነን ኢሎም።

ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ኦመንበር ናይ ሙዩንክን ፍራይሲንግ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስ ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝተኻየደ ኣብ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ጉባኤ ተሳቲፎም ኣብ ሃገሮም ምስ ተመልሱ ምስ ናይ ሃገሮም ዶልቸ ቨለ መደብር ራዲዮ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝሰፍሕ ዘሎ ሕዝብነታውነትን ብሔርተይናውነት፡ ኣብ ገለ ገለ ሃገርት ኤውሮጳ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ጀሚርካ ክሳብ ኣብ ግሪክ ዝረኣይ ዘሎ ጽልእ መጻእተይናን ወጻእተይናን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓርበይናነት ሃገራውነት ሰናይ እዩ፡ ብሔርተይናውነት ካቶሊካውነት ኣይኰነን ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብሔርተይናውነት መንቀሊ ውግእ እዩ

ጸንፈይና የማነ ዘመም ውድባት ኣብ ሃገረ ጀርመን ምእታው ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ስደተይና ክልኩል ይኹን ዝብል ጭርሖ ኣምሪሑ ሰላምዊ ሰልፊ ኣብ ዝጸወዓሉ እዋን ብፁዕነቶም ምስ ናይ ሃገሮም መደብር ራዲዮ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ጀርመን መራሔ መንግስቲ ኣንገላ መርከል ኣብ ምቕባል ስደተይናታት ዝኽተልኦ ፖለቲካዊ ውሳኔ ዝቓወም ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጀርመን ንፈለማ ጊዜ መላእ ጸንፈይና የማነ ዘመም ፖለቲካ ርእየት ዝስዕቡ ብሓባር ዘካየድዎ ምዃኑ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይ ኤውሮጳ ውህደት ምትብባዕ

ብፁዕ ካርዲናል ይብሉ፡ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኤውሮጳ ሓድነት ሓሊፉ እውን ውህደት ምሉእ ብምሉእ ክረጋገጽ ኣብ ምድጋፍን ነዚ ዓቢይ ዕላማ ዘመቻችእ መገዲ ኣብ ምንቕቓሕ ከምእትዓዪ ኣረጋጊጾም፡ ብርግጽ ሓደ ናይ ብዙሃን ፖለቲካዊ ሰልፊ ናይ መላእ ሕዝቢ ዝውክል እዩ ምባል ጌጋ እዩ፡ ሕዝቢ ክበሃል እንከሎ ውሁዳንን ብዙሃንን ዝጥርንፍ፥ ርእይቶኻ ናይ ምግላጽ ነጻነትን ናይ ሕልናን ናይ ሃይማኖትን ነጻነት ክኽበር ኣለዎ፡ ብዙህነት ምእንጋድ፡ ናይቶም ካባኻ ዝተፈለዩ ሰባት ኣተሓሳስባን ርእይቶን ግምት ከይሃብካ ብስም ብዙህነት ንበይንኻ ምውሳን ጌጋ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዝተኸስቱ ዓበይቲ ማሕበራውን ሰብኣውን ፖለቲካውን ጸገማት ምዝካር እዅል ይኸውን ኢሎም።  

ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ፥ ኣብ ቅድሚ ብሔርተይናውነት ዘይተገዳስነት ከይህሉ
08 September 2018, 17:27