ድለ

ንግድ ደቂሰባትን ባርነትን ይቑም! ንግድ ደቂሰባትን ባርነትን ይቑም! 

23 ነሓሰ ዓለም ለኸ መዓልቲ ንግዲ ደቂ ሰባትን ምውጋዱን ብዝብል ይዝከር!

ብUNESCO ዝፍለጥ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ትምህርትን ሳይንስን ባህላውን ጉዳያት ክፍሊ ናይ ሎሚ ዕሥራ ዓመት ብወርሒ ሓምለ 29 1998 ዓምፈ ተጻይ ዝኾነ ጭቆናን ዓሌታዊ ፍልልይን ንምቅላስ ዝውሰዶ ስጉምቲ ተዘኪሩ።

ሙሴ ዮሓንስ - ከተማ ቫቲካን!

ብUNESCO ዝፍለጥ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ትምህርትን ሳይንስን ባህላውን ጉዳያት ክፍሊ ናይ ሎሚ ዕሥራ ዓመት ብወርሒ ሓምለ 29 1998 ዓምፈ ተጻይ ዝኾነ ጭቆናን ዓሌታዊ ፍልልይን ንምቅላስ ዝውሰዶ ስጉምቲ ተዘኪሩ።

እዚ ዕለት እዚ ነቲ ብ1791 ዓመተ ምሕረት ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ናይታ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ደሴት ሳን ዶሚንጎ ኣብ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝወርድ ዝነበረ ጊሊያነት ጥርዚ በጺሑስ እቶም ባራዩ ኣድማ  ዘካየዱሉን ከም ሳዕቤኑ ድማ ሓራ ኮይኖም ነታ ሃይቲ ትብል መበቆላዊት ሽም እንደገና ዘልዓሉሉ ዕለት እዩ።  እዚ ኣድማ እዚ ነቲ ስዒቡ ንልዕሊ 200 ዓመት ንሓርነትን መሰል ሰብኣዊ መሰልን ዝተገብረ ምንቅስቃሳትን ቃልስታትን ኣበጊሱ።

እዚ ተበግሶ እዚ ነቲ ሎሚ ከም ንቡር ወሲድና ኣንጻሩ ንቃለስ ዘሎና ዘመናዊ ጊላያነትን ንግዲ ደቂሰባትን ዘቆሙ ዕላማታት ቀዋሚ መልክዕ ከምዝሕዙ ጌርዎም።ትካል UNESCO ነቲ እዚ ታሪኽ እዚ ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ዜጋታት ብጐዳና ሰላምን ክብርን ንምምልላስ ክኽተልዎ ዝግባእ መንገዲ ንዝምህሮ  ዓቢ ግምት ይህቦ። ዋና ዳይረክተር  UNESCO ዝኾኑ ኣዱርየ ኣዞዩላይ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዘውጽእዎ መግሊጺ፣ ዓለም ለኸ ተዓዘብቲ ነዚ ንምክልኻል ሓገዘን ከበርኽታን፣ ከም ካልኣይ ከኣ ዓሌታዊ ጽልኢ ናብ ጊላይነት ስለ ዘምርሕ፣ እዚ ከኣ ኣዝዩ ጎዳእን ኣድካምን ስለ ዝኮነ  ብቀጻሊ ክሰርሓሉን ክደፋኣሉን ኣተሓሳሲቦም።

ካብ 2001 ዓምፈ ጀሚሩ ንግድ ደቂሰብን ባርነትን ብዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ከም ገበን ተጻይ ሰብአውነት ተለልዩ፣ ኣብ ሕጊ ከም ዝቀረበ ይዝከር። ኮይኑ ግን ከም ትዕዝብቲ ኣዞዩላይ እዚ ብዝተፈላለየ መንገድን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን፣ ዝወርድ ዘሎ ጭንቅን፣ መቅዘፍትን ንምርድኡ ክምኡ እውን ሎሚ እንደገና ሓዲስ መልክዕ ግልያነት ይቀላቀል ከምዘሎ ንምርዳእን ንታሪኽ ግልያነትን ንግድ ደቂሰባትን ተመሊስና ክነጽንዕ ኣሎና። ነዚ ምስ እንርዳእ ነዚ ሎሚ ዘሎ ጸገም ክንከላኸሎ ንኽእል ኢሎም።

ነዚ ዕላማ’ዚ ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ትካል UNESCO ብ1994 - ዘ እስለይቭ ሩት ፕሮጀክ ብዝብል መደብ ንመንገዲ ባርነት ምፍላጡን ምዕጋቱን ዝትሕዝቶኡ ውጥን ኣንቀሳቂሱ። እዚ ከኣ ነቲ ሞራላውን ባህላውን፣ ማሕበረሰብኣውን ፖሎቲካውን ኣቀንዛዊ ሕቶታት ዝመልኦ ታሪኽ ንምልላይ ኣኽኢሉ።

ጸሓፊ ናይ UNESCO  ኣስዒቡ፣ እዚ ምዕባለ ንታሪካውን፣ ተመክሮኣውን፣ መሃዚ ወይ ሓናጺ ዝኾነ፣ ትምህርታዊ፣ ከማኡ ውን ውርሻዊ ወገን፣  ዘበርከቶ፣ ንንግዲ ደቂ ሰባትን፣ ባህላዊ ሰላም ንምስፍሕፋሕን፣  ፍልጦቶም ንከዕብዩን፣ ንከመሓይሹን ዝዓለመ ሙኻኑ እዩ።

ኣዙለ ኣስዒቦም፣ ኣብ’ዚ ናይ ሎምዘመን ዓለም ለኸ መዓልቲ ንግዲ ደቂ ሰባትን ምውጋዱን! ኩሎም ብሓባር ህዝባዊ ሰብሥልጣን ሲቪል ማሕበረሰብ ናይ ታሪኽ ምሁራትን ኩሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይን ንዝኾነ ዓይነት ዘመናዊ ባርነት ንምቍዋም ጻውዒት ኣቅርቦም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
24 August 2018, 18:05