ናይ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርክ፥ ‘መንግስተ-ብሔር’ ሕጊ ብመሰረቱ ኣዳላዊ እዩ ናይ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርክ፥ ‘መንግስተ-ብሔር’ ሕጊ ብመሰረቱ ኣዳላዊ እዩ 

ናይ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርክ፥ ‘መንግስተ-ብሔር’ ሕጊ ብመሰረቱ ኣዳላዊ እዩ

ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ 181 ውሳኔኡ ናይ እስራኤል ናጻ ሉኣላዊ ሃገራውነት ዘረጋግጽ ውሳኔ፥ ምሉእ ብምሉእ ዘይገልጽ ናይ እስራኤል መንግስቲ ዘጽደቖ መግስታዊ ብሔር ሕጊ ኣብ ልዕሊ ነቶም ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ዘይኰኑ ካብ ጠቕላላ ሕዝቢ እስራኤል 20 ሚእታዊ ዝሽፍኑ ዓረብ እስራኤላውያንን ካልኦት ዘይሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድን ኣድልዎ ምዃኑ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፒዛባላ ገሊጾም።

ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ 181 ውሳኔኡ ናይ እስራኤል ናጻ ሉኣላዊ ሃገራውነት ዘረጋግጽ ውሳኔ፥ ምሉእ ብምሉእ ዘይገልጽ ናይ እስራኤል መንግስቲ ዘጽደቖ መግስታዊ ብሔር ሕጊ ኣብ ልዕሊ ነቶም ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ዘይኰኑ ካብ ጠቕላላ ሕዝቢ እስራኤል 20 ሚእታዊ ዝሽፍኑ ዓረብ እስራኤላውያንን ካልኦት ዘይሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድን ኣድልዎ ምዃኑ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፒዛባላ ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ እስራኤል ሕዝባዊ ባይቶ ዕለት 19 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ብጸቢብ ኣብላጺ ድምጺ ዘጽደቖ መንግስታዊ ብሔረ ሕጊ ነቶም ዘይኣይሁዳውያን እስራኤላውያን ኣድልዎ እዩ እንክብሉ ዝገለጹ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ብርቱዕ ተቓውሞ ከምዘስምዑ ክንገር እንከሎ፡ እቲ ሓድሽ ኣብ ኣስራኤል ዝጸደቐ ሕጊ ኣብ መሰል ርእሰ ውሳኔ ንኣይሁዳውያን ጥራሕ ዝውክልን እቲ እስራኤል ብሓይሊ እትሕዞ ከባቢ ከም ናይ ገዛእ ርእሳ ገይራ ኣይሁዳውያንን ኣስፊራ ሕጋዊ ናይ ገዛእ ርእሳ ከቢቢ ብምስያም እትፍጽሙ ተግባር ብሔራዊ ክብሪ እዩ እንክብል ዝጸደቐ ሕጊ ይትንትኖን፡ ነዚ ሓድሽ ሕጊ ቀዳማይ ጽኑዕ ናይ ተቓውሞ ርእይቶ ዝሃቡ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ብፁዕ ኣቡነ ፒዛባላ ክዀኑ እንከለዉ፡ ናይቶም ካልኦት እስራኤላውያን ማሕበረ ክርስቲያን ሻቕሎቶም የቃልሑ ከምዘለዉን ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባትን እስራኤላውያን ጉጅለታት እውን እቲ ሓድሽ ዝጸደቐ ሕጊ መላኽን ዓሌታዊ ስርዓተ መንግስቲ ዘቕውምን ዓሌታዊ ስርዓት ምኽኑይ ዝገብርን እዩ እንክብሉ ተቓውሞ የስምዑ ከምዘለዉ ይንገር።

ንውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ቅዋማዊ ውሕስነት ዘጉድል እዩ

ነቶም ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ እስራኤል 20 ሚእታዊ ዝሽፍን ፍልስእጤማውያን ተቕማጦ ኣብ እስራኤል እቲ ሓድሽ ዝጸደቐ ሕጊ ኣብ ግምት ከምዘይኣተዎ እንክንገር፡ እቲ ሕጊ ኣብቲ መሰረታዊ ሕጊ ብዝብል መጽውዕ ስም ዘሎ እስራኤል ሃገረ ኣይሁድ ቢሉ ዝገልጻ ቅዋም ከምዝተሳዄዔን፡ ናይ ውሽጢ ሕጊ ብዝብል ስም እውን ዝተገልጸ እንተዀነ፡ እስራኤል መንግስተ ብሔር ቢሉ ዝገልጻ ብምዃኑ ንደቀባት ሕዝብታትን ኣብታ ሃገር ንዝቕመጡ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብን ሕገ መንግስታዊ መሰልን ክብርን ዘይውሕስን ነቶም 20 ሚእታዊ ካብ ጠቕላላ ህዝብ እስራኤል ዝሽፍኑ ናይ እስራኤል ፍልስጥኤማውያን መሰልን ክብርን ጠሩሹ ዘይውሕስ እውን ምዃኑ ይንገር።

ብሓጹር እቲ ሕጊ ነጻሊ እምበር ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብን ደቀባትን ዘየጠቓልል ፈላላይ ዝብል ትንተና ዝወሃቦ ኰይኑ፡ ፖለቲካዊ ርእየት ለበስ እምበር ናይ ሓባር መሰረታዊ ሕጊ ከምዘይኰነ ብብዙሓት ዝንቀፍ ኰይኑ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን መሰል ማዕርነት ዝጥሕስ፡ ነቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ እስራኤል ሉኣላውነት ዘረጋግጽ 181 ውሳኔ ዝግህስ፡ ነቲ እስራኤል ኣይሁዳዊ ሃገር ዝብል ቀዳማይ ሓሳብ ጥራሕ እንተዘይኰይኑ ስዒቡ ኣብ እስራኤል ተቐማጦ የዕራብ ውሕስነት መሰልን ክብርን ዝብል ንዝለሎ ሓሳብ ግምት ዘይህብ ብምዃኑ፡ ነቲ ውሳኔ 181 ሕቡራት መንግስታት ዓለም ምሉእ ብምሉእ ዘየጠቓልል ምዃኑ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ይሕብር።

ኵለን ኣብ እስራኤል ዝርከባ ሃይማኖታትን ዓሌትን ሕብረተሰብን ኣፍልጦ ምሃብ

ነቲ ናይ እስራኤል ሕዝባዊ ባይቶ ዘጽደቖ ሓድሽ ሕጊ፡ ነቲ ኣብ 1995 ዓ.ም. ዝጸደቐ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ነጻነትን ዝውሕስ መሰረታዊ ሕጊ ብዝብል መጸውዕ ዝግለጽ ውሳኔ ዝጻረርን ኣብ መንጐ ኣይሁዳውያንን ክልኦት ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ናይ መሰልን ክብርን ማዕረነት የሎን ዝብል እዩ፡ ክርስቲያን እስራኤላውያን ልክዕ ከምቶም ዘይኣይሁዳውን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ እስራኤል፡ እቲ ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ ከምዘሻቕሎን ኣብ መንጐ እቶም ዜጋታት ናይ ሓንቲ ሃገር ማዕርነት መሰልን ክብርን ዘዛብዕን ንመጻኢ እታ ሃገርን ሕዝብን ሓደጋ ምዃኑ መግለጺ ፓትሪያርክ የመልክት።

ናይ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርክ፥ ‘መንግስተ-ብሔር’ ሕጊ ብመሰረቱ ኣዳላዊ እዩ
02 August 2018, 09:32