ድለ

ልኡከ ቅድስቲ መንበር፡ መፍትሒ ቅልውላው ኒካራጉዋ ዘተ እዩ ልኡከ ቅድስቲ መንበር፡ መፍትሒ ቅልውላው ኒካራጉዋ ዘተ እዩ 

ልኡከ ቅድስቲ መንበር፡ መፍትሒ ቅልውላው ኒካራጉዋ ዘተ እዩ

ኣብ ኒካራጉዋ እቲ ዝተቛረጸ ኣብ መንጐ መንግስትን ተቓወምትን ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ዳግም ምብጋስ ነቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው እንኰ መንፍትሒ ምዃኑ ልኡከ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኒካራጉዋ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዋልደማር ስታኒላው ሶመርታግ እንክሕብሩ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ መንጐ ሃገረ ኒካራጉዋን ማሕበር ሃገራት ኣመሪካን ውጥረት ከምእተፈጥረ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ኣብ ኒካራጉዋ ልኡከ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዋልደማር ሶመርታግ ወትሩ ዕርቂ ምንዳይ ኣገዳሲ እዩ ብዝብል ሓሳብ ነቲ ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ዕግርግር እንኰ መፍትሒ ዘተ እዩ ከምዝበሉ ቸንቶ ፐርቸንቶ እተሰምየ መርበብ ሓበሬታ እንክሕብር፡ ኣስዒቡ ብፁዕነቶም ኣብ ሰበኻ ለዮን ብምኽንያት በዓል ግልጸተ ማርያም ዘምሕረት ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ፍጻሜ ምዃኑ ኣመልኪቱ፡ ምሕረትን ዘተን እንኰ መገዲ ሰላምን ዕርቅን እዩ ከምዝበሉ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኦርተጋ ንውሳኔ ማሓበር ሃገራት ኣመሪካ ኣይቅበልን ይብል

እቲ ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው መፍትሒ ክረክብ ቤተ ክርስቲያን ጻውዒት ዘተ እንከተቕርብ፡ ማሕበር መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ኣውን ብወገኑ፡ እቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣርጀንቲናን ቺለን መክሲኮን ብራዚልን ኮሎምቢያን ፐሩን ካናዳን ዘቕረበኦ ብዛዕባ ኩነታት ኑካራጉዋ ብቐረባ ዘጻርይ ፍሉይ ድርገ ንኽለኣኽ ዝብል ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ብዳንኤል ኦርተጋ ዝምራሕ መንግስቲ ኒካራጉዋ ኣይቅበሎን ከምዝበለ ይንገር።

ልኡከ ቅድስቲ መንበር፡ መፍትሒ ቅልውላው ኒካራጉዋ ዘተ እዩ
06 August 2018, 16:29