ድለ

ጋና፡ ብፁዕ ኣቡነ ፓልመር ቡክለ፥ ሕዝቢ ምግባረ ብልሽውና ከቃልዕ ጻውዒት የቕርቡ ጋና፡ ብፁዕ ኣቡነ ፓልመር ቡክለ፥ ሕዝቢ ምግባረ ብልሽውና ከቃልዕ ጻውዒት የቕርቡ 

ጋና፡ ብፁዕ ኣቡነ ፓልመር ቡክለ፥ ሕዝቢ ምግባረ ብልሽውና ከቃልዕ ጻውዒት የቕርቡ

መላእ ሕዝቢ ጋና ኣብ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ዘካይዶ ጻዕሪ ናይቲ ማሕበራዊ መንሽሮ መፍትሒ ኣካል ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ፡ ናይቲ መፍትሒ ኣካል ዘይምዃን ናይቲ ጸገም ኣካል ምዃን ማለት እዩ፡ ግብረ ገብ ብሓድሽ መንፈስ ምትብባዕን ዝተሓደሰ ማሕበራውን ባህላውን ከይዲ ምንቕቓሕ የድሊ።

ኣብ ጋና መደብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጸረ ምግባረ ብልሽውና ጐስጋስ ምኽንያት መላእ ህዝቢ ጋና ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ብምቅላዕ ኣብ ቃልሲ ጸረ ምግባረ ብልሽውና ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከበርክት ናይ ከፕ ኮስት ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓልመር-ቡክለ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ኣብ ጋና ዓቢይ ምኽንያት ስቓይ ኰይኑ ኣብ ሕዝብን ሃገርን ዓቢይ መጉዳእቲ የስዕብ ምህላዉ እንክንገር፡ ናይ ከፕ ኮስት ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጋብርኤል ቻርለስ ፓልመር-ቡክለ ብምኽንያት ኣብ ጋና ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጸረ ምግባረ ብልሽውና ተዛረብ ተቓለስ ጸብጻብ ሃብ ብዝብል ኣርእስቲ ዘነቓቐሖ መደብ ጐስጓስ ጻውዒት ኣቕሪቦም እዚ ዓለም ሓቆፍ ናይ ጸረ ምግባረ ብልሽውና ኣገባብ ግልጽነት ምንቕቓሕ እተሰምየ ዓለም ሓቆፍ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ዘበገሶ መደብ እውን ክኸውን እንከሎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ነቲ ተበግሶ ስዒበን ጸረ ምግባረ ምልሽውናን ብላዕን ጐስጓስ የካይዳ ከምዘለዋ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሕዝቢ ጋና ብዙሕ ዘቃልበሉ ኣርእስቲ

መላእ ሕዝቢ ጋና ናይ ሃገሩ ዕለታውያን ጋዜጣታት ዘካይድኦ መርመራን ዘቕርብኦን ብዝህብኦን ሓበሬታ ተደሪኹ ዝስምዖን ብዛዕባ እዚ ጸረ ሃገርን ሕዝብን ዝዀነ ተግባር ክዝትይን ኣብ ምቅላሱ ነጢፉ ክዓዪ ከምዘነቓቐሖን፡ ኣብ 2016 ዓ.ም. ናይ ጋና ጋዜጣታት ብዘቃለዐኦ ዝተፈላለዩ ግብረ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ምኽንያት ኣብቲ እዋን ርእሰ ብሔር ዝነበሩ ካብ ስልጣኖም ከምዝወረዱ ይዝከር።

ብፁዕ ኣቡነ ፓልመር-ቡክለ፡ ናይ መፍትሒ ኣካል ምዃን

መላእ ሕዝቢ ጋና ኣብ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ዘካይዶ ጻዕሪ ናይቲ ማሕበራዊ መንሽሮ መፍትሒ ኣካል ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ፡ ስለዚህ ናይቲ መፍትሒ ኣካል ምዃኑ ኣሚኑ ንድሕሪ ከይበለ ነዚ ዓቢይ ገበንን ንኣመንቲ እውን ካብ ገበን ሓሊፉ ሓጢኣት ዝዀነ ጸረ ምዕባለ ተግባር ንምውጋድ ብግልን ብማሕበርን ክዓዪ ብፁዕ ኣቡነ ፓልመር ቡክለ ኣተሓሳሲቦም፡ ናይቲ መፍትሒ ኣካል ዘይምዃን ናይቲ ጸገም ኣካል ምዃን ማለት እዩ ቢሎም፡ ግብረ ገብ ብሓድሽ መንፈስ ምትብባዕን ዝተሓደሰ ማሕበራውን ባህላውን ከይዲ ምንቕቓሕ የድሊ ኢሎም።

ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ግደ

ብጀካ ብፁዕ ኣቡነ ፓልመር ቡክለ ናይ ጋና ናይ ምስልምና ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሕቲ ወሃቢ ቃል ሸኽ ኣረመያው ሻዒቡ፡ ኣብ ጋና ዝርአይ ዘሎ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ኣብ መንጐ ሕዝብን መንግስትን መትእምማን ከይሁሉ ይድርኽ ኣሎ እንክብሉ ኣብ ጋና ናይ ደንማርክ ልኡከ መንግስቲ ቶቨ ተኒቦል እቲ ጐስጓስ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ብወግዒ ንምብጋስ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ተረኺበን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳውያን መራሕቲ ኣብ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ብዛዕባ እዚ ገበን ሕዝቢ ክዛረብን ጸረ ህዝብን ሃገርን ዝዀነ ተግባር ክቓለስን ከቃልዕን መታን ደገፎም ኣገዳሲ ምዃኑ ብሰፊሕ ገሊጸን።

ጋና፡ ብፁዕ ኣቡነ ፓልመር ቡክለ፥ ሕዝቢ ምግባረ ብልሽውና ከቃልዕ ጻውዒት የቕርቡ
10 August 2018, 16:48