ድለ

ብፁዕ ኣቡነ ስታሊያኖ፥ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ብዛዕባ ስደተይናታት ሓሳቦም ምቕራብ መሰሎም እዩ ብፁዕ ኣቡነ ስታሊያኖ፥ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ብዛዕባ ስደተይናታት ሓሳቦም ምቕራብ መሰሎም እዩ 

ብፁዕ ኣቡነ ስታሊያኖ፥ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ብዛዕባ ስደተይናታት ሓሳቦም ምቕራብ መሰሎም እዩ

“ካብ ፍርሒ ናብ እንገዳ” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ስደተይናታን ስደትን ኣመልኪቶም ዘውጸኦ ሰነድ እደ ኣታውነት ኣብ ጉዳይ ውሽጣዊ ፖለቲካ ከምዘይኰነን እንገዳ ኣብ ዋጋን ዕዳጋን ዘይኣትው ወንጌላዊ እሴት ምዃኑ መሰረት ዝገበረን፡ ነዚ ወንጌላዊ ዕሴት ዘቃልሕ ምዃኑ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኖቶ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ስታሊያኖ ገሊጾም።

“ካብ ፍርሒ ናብ እንገዳ” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ስደተይናታን ስደትን ኣመልኪቶም ዘውጸኦ ሰነድ እደ ኣታውነት ኣብ ጉዳይ ውሽጣዊ ፖለቲካ ከምዘይኰነን እንገዳ ኣብ ዋጋን ዕዳጋን ዘይኣትው ወንጌላዊ እሴት ምዃኑ መሰረት ዝገበረን፡ ነዚ ወንጌላዊ ዕሴት ዘቃልሕ ምዃኑ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኖቶ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ስታሊያኖ ገሊጾም።

 

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ብዙሓት ሕይወት ዝውሕጥ ብዙሓት ንሞት ሓደጋ ኣብ ቅድሚ ዘቃልዕ ኩነት ኣይረኣኹን ቢልካ እናረኣኻ ከምዘይረኣኻ ዄይንካ ምንባር የብቅዕ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ካብ ውግእን ጥምየትን ገዛእ ርእሱ ንምድሓን ንዝስደድ በራትን ልብን ከዕጽው ዝደልይን ንዕቐት ዝተመልኦን ኣጥቃዕን ዓማጽን ቃል ዝነዝሕ ኣእዳውካ ኣጣሚርካ ምርኣይ ዘይከኣል እዩ ዝብል ሓሳብ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት ኣብ ዘውጽኦ ሰነድ ብኣጽንዖት የተሓሳስብ፡ ብትኽክል ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ፡ ናይ ኵሉ ዜጋ ሕልና እዮም ዘነቓቕሑን ንሕልና ነፍሲ ወከፍ ዜጋ እዮም ዝዛረቡ፡ እምበር ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ንምፍታሕ ዘኽእል ዝተፈላለዩ መልስታት ኣይኰነን ንዕዳጋ ዘቕርብ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ማሕበራዊ ክስተት’ዚ የዕንትናን የዕንቲ ልባትናን ክንከድን ዝከኣል ኣይኰነ።

ብፁዓን ጳጳሳት ሕልና ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ኣለዎም

ሕልና ካብ ምምራሕን ምንቕቓሕን ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ክህሉ ኣይክእል።  ልሳንካን ልብኻን ዓቢስካ ሱቕ ኢልካ ምርኣይ ዝከኣል ኣይኰነን ዝበሉ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኖቶ ሰበኻ ጳጳስን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሲቺሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ስታሊያኖ ምስ ቫቲካን ራዲዮ ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኽውን እንከሎ፡ ብፁዕነቶም ነቲ ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ዝኽሰት ሞትን ህልቂትን ስደተይናታት እናሓሰቡ ኣብ ቅድሚ እዚ ዓይነት ህልቂት ሱቕታ ምምራጽን ናይ ሓወይ ሓላዊ ኣይኵንኩን ምባል ናይቲ ሞትን ህልቂትን ተሓታቲ ክትከውን ዝድርክ እዩ፡ ብርግጽ ጳጳሳት ናይ መንፈስ ጓሶት እያቶም፡ ነፍሲ ግና ካብ ስጋ ዝተነጸለት ኣይኰነትን፡ ስጋ ንሓደጋ ዘቃልዕ ኵነት ክፍጠር እንኰሎ ጭቡጥ ናይ ምድሓን ተግባር ክፍጸም ግድን እዩ ኢሎም።

ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ጻውዒት ፖለቲካዊ ኢደ ኣታውነት ኣይኰነን

እቲ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መልእኽቲ፥ ፖለቲካዊ እደ ኣታውነት ከምዘይኰነ ብፁዕ ኣቡነ ስታሊናኖ ገሊጾም፡ “ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቤተ ክርስቲያን ናይ ዝዀነ ይዅን ሃገር ልኡላውነትን ፖለቲካን ካብ ቀደም ብዘለዓለ ደረጃ ተኽብር፡ ብዙሓት ብፁዓን ጳጳሳት ድማ ሓደ መንግስቲ ካብ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ሕልኽላዀ ከላቐቕ ዘኽእሎ ፖለቲካዊ መልሲ ዘለዎም ኣለዉL ይኹን ደኣ እምበር እደ ኣታውነት ዘይምግባር ካብ ዝብል ስልጣናዊ ትምህርቲ ተበጊሶም ሱቕ ምባል ይመርጹ፡ እዚ ማለት ግና ሕልና ካብ ምብርብርባርን ምንቕቓሕን ይቦኽሩ ማለት ኣይኰነ፡ ቤተ ክርስቲያን ሕልና ተበራብርን ተነቓቕሕን” ኢሎም።

እንገዳ ኣብ ሕቶ ዘይኣትው ወንጌላዊ ዕሴት እዩ

ቤተ ክርስቲያን እተቕርቦ ጻውዒት ንናይ ፖለቲካን መንግስትን ኣካላት ጥራሕ ዘይኰነስ ነቶም ስደተይናታት ኣብ ዝተሳተፍሩላ ጀልባ ኣብ ዝጓዕዝሉ ባሕሪ ንኽተርፉ ምሕዳግ ንዝብል እቶም ብጀላቡ ዝጓዓዙ ዘይሕጋውያን ስደተይንታትን ካብ ሞት ሓደጋ ንምድሓን ናብ ዝቐረበ ወደብ ክኣትዉ ምድጋፍ ዝብል ግብረ ሰናይ ኣይሀሉን ናይ ሓገር ባህልን ሃይማኖትን ክተሓናፈጽ የብሉን ዝብልን ናይ ሃገረይና ኵለ መዳያዊ መለለዪ ምዕቃብ ዝብል ፖለቲካዊ ውሳኔ ኣሜን ቢሎም ዝቕበሉ ወግዓውያንን ስምምዓውያን ካቶሊክ ምእመናን እውን ዝምልከት እዩ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ስታሊያኖ ኣስዒቦም፡ ወንጌል ብተቓራኒ እንገዳ ክገሃስ ዘይብሉ ዕሴት ምዃኑ እዩ ዘመልክት፡ ናይ ኢጣሊያ ፖሊቲካ ብዛዕባ ስደተይናታትን፡ ምስ ኤውሮጳ ኣነዶ ንስኻ ኣብ ዝብል ክትዕ ዘቖመ ኣይዅን፡ እቲ ክኸውን ዘለዎ ብሓባር ሰብኣዊ ዘማእከለ መፍትሒ ምንዳይ እዩ ዝግባእ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ብዛዕባ ስደተይናታት ሓሳቦም ምቕራብ መሰሎም እዩ
21 July 2018, 16:23