ማሊ ናብ ምርጫ ርእሰ ብሔር ብሓድሽ ኣተሓሳስባ ንሓዳስ ማሊ ማሊ ናብ ምርጫ ርእሰ ብሔር ብሓድሽ ኣተሓሳስባ ንሓዳስ ማሊ 

ማሊ ናብ ምርጫ ርእሰ ብሔር ብሓድሽ ኣተሓሳስባ ንሓዳስ ማሊ

ናይ ማሊ ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ጥርናፈ ንማሊ ኣቦ መንበር ናይ ማሊ ርእሰ ብሔር ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ዘብቅዕ ዘሎ ሕጹይ ተመራጺ ኢብራሂማ ቡባካር ካይታን ናይ ተቓዋሚ ውድብ መራሒ ሕጹይ ተመራጺ ንርእሰ ብሔር ረፓብሊካውን ደሞክራሲያውን ውህደት ፖለቲካዊ ውድብ መራሒ ሱማይላ ሲሰን ብቐንዲ ዝግለጽሉን ካልኦት 22 ተመረጽቲ ዘሳተፈ ዕለት 29 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ማሊ ምርጫ ርእሰ ብሔር ክካየድ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ናይ ማሊ ሃገራዊ ቅዋም ከምዝሕብሮ ናይ ርእሰ ብሔር ቀዳማይ ናይ ኣገልግሎት ዘመን ሓሙሽተ ዓመት ዝብልን ንካልእይ ጊዜ እውን ክምረጹ ዝፈቕድ ኰይኑ ብጠቕላላ ካብ 10 ዓመት ንላዕሊ ዘይፈቅድ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ተመረጽቲ ኣብላጺ ድምጺ ዝረኸበ እንተድኣ ዘየለ፡ ኣቶም ብቐድማይን ካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ንዳግም ንኻልኣይ ዙር ሕዝባዊ ምርጫ ይቕረቡ ይብል።

ሃዋሁ ውጥረትን ዓመጽን

ካብ ዝሓለፈ ነዊሕ እዋን ንነጀው ሃገረ ማሊ ኣብ ውጥረትን ዓመጽን ሃዋሁ እትርከብን ብፍላይ ዕጡቓት ሓይሊ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝፍንውዎ መጥቃዕትን፡ ውስጠ ዓሌታዊ ግርጭት ዝረኣየላ ኰይና ኣብ ዘላትሉ እዋን መንግስቲ እቲ ዕለት 29 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ዝካየድ መደብ ሕዝባዊ ምርጫ ትሑዝ ምዃኑን ልዕሊ 30 ሺሕ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ተመረጽትን መራጺ ህዝብን ናይ ምርጫ ነቑጣን ጸጥታን ሰላምን ክሕልዉ ከምዝምደቡ ድሮ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ናይ ማሊ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ

ናይታ ካብ ጠቕላላ 15,278,000 ውሽጢ 283 ሺሕ ካቶሊካዊ ምእመን ናይ ዝዀነላ ሃገረ ማሊ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምኽንያት እቲ ዕለት 29 ሐምለ 2018 ዓ.ም. ንኽካየስ ዝተወሰነ ሕዝባዊ ምርጫ ብሓድሽ ብስለት ንሓዳስ ማሊ ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ንመላእ ምእመናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሊን ሰብ ጽቡቕ ድላይ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን እንክንገር፡ 2018 ዓ.ም. ኣብ ማሊ ወንጌል ዝኣተወሉ ዝኽሪ መበል 130 ዓመት ዝዝከረሉ እዋን ብምዃኑን ከምኡ እውን ናጻ ሕዝባዊ ምርጫ ዝከየደሉ ዓመት እውን ብምዃኑ ግምት ዝሃበ መልእክቲ ከምዝዀነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ማሊ ናብ ምርጫ ርእሰ ብሔር ብሓድሽ ኣተሓሳስባ ንሓዳስ ማሊ
23 July 2018, 16:38