ድለ

ደቡብ ሱዳን፡ ሕድ ሕዳዊ ግርጭት ዝፈጠሮ ኵለ መዳያዊ ማሕሰይቲ ንምፍውሳ ዝሓቀነ ዋዕላ ደቡብ ሱዳን፡ ሕድ ሕዳዊ ግርጭት ዝፈጠሮ ኵለ መዳያዊ ማሕሰይቲ ንምፍውሳ ዝሓቀነ ዋዕላ 

ደቡብ ሱዳን፡ ሕድ ሕዳዊ ግርጭት ዝፈጠሮ ኵለ መዳያዊ ማሕሰይቲ ንምፍውሳ ዝሓቀነ ዋዕላ

ሰላም ናይ ሰላም ስምምዕ ሰነድ ብምፍርራም ጥራሕ ዝብጻሕ ዘይኰነስ፡ ሓላፍነትን ነባሪ ናይ ሓባር ጻዕርን መስዋዕትነትን ዝሓትት ምዃኑ ናይ ደቡብ ሱዳን ጨንፈር ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ የመልክት።

ሰላም ናይ ሰላም ስምምዕ ሰነድ ብምፍርራም ጥራሕ ዝብጻሕ ዘይኰነስ፡ ሓላፍነትን ነባሪ ናይ ሓባር ጻዕርን መስዋዕትነትን ዝሓትት ምዃኑ ናይ ደቡብ ሱዳን ጨንፈር ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ የመልክት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ሱዳን ናይ ዓለም ሓቆፍ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ጨንፈር ኣብ ከንያ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ፥ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ንኽወርድ እንታይ ዓይነት ፈልዩ ንምምልካትን ንምብራህ ኣሚቱ ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ እቲ ውስጠ መንግስዊ ሓልዮ ምዕባለ ማሕበር  ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘነቓቐሖ ናይ ሰላም ከይዲ ዝድግፎን ዘነቓቕሖን ምዃኑ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ዝሓበረ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣስዒቡ፥

ሰላም ብዘይ ቅኑዕን ግልጽን ዘተ ዘይሕሰብ እዩ

ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ናይ ናይሮቢ ዋዕላ፥ ጨንፈር ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፥ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ናይ ሰላም ዘተ ንቕድሚት ንምስጓም ዘኽኣለ ከምዝዀነ ሓቢሮም፡ ይዅን ደኣ እምበር እቲ ናይ ስምምዕ ውዕሊ ዕደኣዊ ትግባሬኡ ጥራሕ ብምሕሳብ ኣብ መንጐ ዝምልከቶም ኣካላት ምትእምማን ክህሉ እንትድኣ ዘይተገብረ ነባሪ ሰላም ዘምጽእ ከምዘይከውን ኣተሓሳሲቦም፡ ብዘይ ቅኑዕን እውነተይናን ግልጽን ዘተ ነቲ ብሕድ ሕዳዊ ግርጭት ዝቖሰለ ንምሕዋይን ኣብ መንጐ ተዛተይቲ ኣካላት ምትእምማን ክህሉ ዝገብር ጻዕሪ ኣልቦ ውጽኢት ኰይኑ ከምዝተርፍን፡ እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝብል ፖለቲካዊ ድላይ እውን ክህሉ ዘይሕሰብ እዩ ከምዝበሉ ኣብ ናይ ዕለት 23 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ሕትመቱ ዝሓበረ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣስዒቡ፡እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ዝተበጽሐ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብተግባር ዘይወዓለ ኣብ ወረቐት ዝተኽትበ ጥራሕ ኰይኑ ከምዝተረፈ ዝገለጸ ጨንፈር ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ናይሮቢ ኣኼባኡ ኣስዒቡ ሰላም ኵነት ወይ ሰነድ ኣይኰነን፡ ሰላም ጻዕርን መስዋዕትነን ዝሓትት ከይዲ እዩ ከምዝበሉ የመልክት። 

ደቡብ ሱዳን፡ ሕድ ሕዳዊ ግርጭት ዝፈጠሮ ኵለ መዳያዊ ማሕሰይቲ ንምፍውሳ ዝሓቀነ ዋዕላ

 

25 July 2018, 09:51