ደቡብ ሱዳን ኣብ ጐዳና ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ ጐዳና ሰላም 

ደቡብ ሱዳን ኣብ ጐዳና ሰላም

ካልኦት ነኣሽቱ ተቓወምቲ ሓይልታት ዘይተቐበልዎ ዕለት 25 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውሽጣዊ ግርጭት ደው ንምባል ኣብ መንጐ እቶም ክልተ ተጻባእቲ ሓይልታት ስምምዕ ሰላም ከምእተፈረመ ተሓቢሩ። ንደቡብ ሱዳን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ደጋጊሞም የረጋግጹ

ካልኦት ነኣሽቱ ተቓወምቲ ሓይልታት ዘይተቐበልዎ  ዕለት 25 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውሽጣዊ ግርጭት ደው ንምባል ኣብ መንጐ እቶም ክልተ ተጻባእቲ ሓይልታት ስምምዕ ሰላም ከምእተፈረመ ተሓቢሩ። ንደቡብ ሱዳን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ደጋጊሞም የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ብርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ዝምራሕ ናይ ደቡብ ሱዳን መንግስትን ብነበር ምኽትል ርእሰ ብሔር ደቡብ ሱዳን ረይክ ማቻር ዝምራሕ ተቓዋሚ ግንባር፡ ዕለት 25 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ብሓባር ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ዝብል መሰረተ ሓሳብ ዘንበረ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ደው ንምባል ዘኽእል ናይ ሰላም ስምምዕ ሰነድ ኣብ ሱዳን ርእሰ ከተማ ካርቱም ከእምተፈራረሙ ክሕበር እንከሎ፡ ናይቲ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ርእሰ ብሔር ኪር ክዀኑን ምኽትል ርእሰ ብሔር ከኣ ማቻራ ዝብል ስምምዕ ኣብቲ ናይ ሰላም ሰነድ ተመልኪቱ ኣሎ።

ምኽንያት ውግእ

ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ናይ ክልተ ዓሰርተታት ውግእ ካብ ሱዳን ተፈልያ ከም ሃገር ካብ እትቐውም ሸሞንተ ዓመት ዘቝጸረት ክኸውን እንከሎ፡ ደቡብ ሱዳን ክርስትያንን ባህላውያን ሃይማኖታት ሰዓቢ ዜጋ ዝነብሮ ክኸውን እንከሎ ሰሜን ሱዳን ምስልምና ሃይማኖት ሰዓቢ ሃገር ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብታ ሓዳሽ ሃገረ ደቡብ ሱዳን 64 ዓሌት ከምዘለዉን ብጠቕላላ 11 ሚሊዮን ሕዝቢ ዘለዋን ኣዚያ ብድኽነት ዝተጠቕዔት ሃገር ምዃና ይንገር። ኣብ 2011 ዓ.ም. ዓሌት ዲንካ ዝዀኑ ኪር ርእሰ ብሔር ንኽዀኑ ዝተሓረዩላ ክትኸውን እንከላ ኣብ 2013 ዓ.ም. ምኽትሎም ዓሌት ኑኤር ዝዀኑ ማቻር ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምፍታኖም ስዒቡ ዝተበገሰ ሕድ ሕዳዊ ግርጭትን ካልኦት ነኣሽቱ ዝዀነ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይልታት እውን በቢ ወገኖም ዝዋስእሉ ውግእ ከምዝኣንገደት እንክፍለጥ፡ እቲ ናይ ደቡብ ሱዳን ሕድ ሕዳዊ ውግእ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጥራሕ ዘይኰነስ ናይታ ሃገር ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ከም ቀንዲ ምኽንያት ዘንበረ እዩ፡ ደቡብ ሱዳን ብሃብቲ ነዳዲ ቀዳምነት ዘለዋን ካብ ጠቕላላ ቀረብ ነዳዲ 95 ሚእታዊ እትሽፍን ሃገር እያ፡ ካብ 2013 ዓ.ም. ክሳብ ሎሚ በቲ ዝነበረ ውግእ ሕድ ሕድ ልዕሊ 300 ሺሕ ዜጋታታ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን ካልኦት ልዕሊ 2 ሚሊዮን ዝግመቱ ከምእተመዛበሉን ይንገር።

ብዘይ ስምምዕ ዝተበተነ ናይ ሰላም ዘተ

ኣብ 2016 ዓ.ም. ነቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ኣብ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ከተማ ጁባ ዝተኻየደ ናይ ሰላም ዘተ ብዘይ ውጽኢት  ምትራፉ ዝዝከር ኰይኑ፡ ንናይ ማቻር ዕጡቓት ሓይሊ ወኪሎም ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሰላም ዘተ ዝተሳተፉ ማናሰህ ዚንዶ ንኣሶሴሽን ፕረስ ናይ ዜና ኣገልግልት፡ ተቓዋሚ ሓይሊ ነቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ተቐቢሉ ብሓባር ብሰላም ምንባር ዝክኣሎ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ናይ ጸጥታን ውሕስነትን መስፈር እንተድኣ ዘይቐረበ እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ድሮ ጥሉምን ፍሹልን እዩ ዝኸውን እንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ንሕዝቢ ዘለዎ ሳዕቤን

እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ዝተበጽሐ ምዃኑ ዘረጋግጽ ክታም ካብ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ዝተነብረ እውን እንተዀነ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ዘይተኽበረ ምዃኑ ዝሕብር ምልክታ ከምእተራእየን፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ብዓመጽ ከምእተኸሱን፡ ከምዚ ብምዃኑ ድሮ ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ኪርን ተቃዋሚኦም ማቻራ ዓለም ሓቆፍ ቤት ፍርዲ ጸቕጢ ከምዝገበረሎም ርጉጽ ኰይኑ፡ እዚ ኹሉ ተደማሚሩ ናብ ናይ ሰላም ስምምዕ ዘተ ከብሉ ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ድርዀት ምዃኑ እውን ይንገር። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ናይ ደቡብ ሱዳን በርገሳዊ ክፍሊ ሕብረተሰብን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያንን ደቀንስትዮን ካልኦት ነኣሽቱ ጉጅለታትን ዘየዋስእ እንተድኣ ኰይኑ ንደቡብ ሱዳን ኣተቕርቦ ምንም ዓይነት ሓገዝ ከምዘይህሉ ኣፍሊጡ ከምዝነበረ እንክዝከር።  ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ዝነበረ ሓደ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ሎሚ ኣብ ስደት ዝርከቡ ዎል ገንግ ኣታክ፥ ሎሚ ኣብ መንጐ ኪሪን ማቻርን ዘሎ ርክብ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድን ዘይምርድዳእ ደረጃ በጺሑ ኣይፈልጥን፡ ስለዚህ እቲ ተበጺሑ ዝበሃል ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ ናብ ዝገደደ ግጭት ከእትው ዝኽእል እዩ እንክብሉ ዘለዎም ርእይቶ ይገልጹ።

ቅርበትን ጸሎትን ቅዱስ ኣቦና

ዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ.ም. ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኮዶዎ ኣፒያ ቱርክሶን ቅዱስ ኣቦና ብኣካል ኣብ ደቡብ ሱዳን ተረኺቦም ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ህልው ኩነታት’ታ ሃገር ዘየፍቀደሎም እውን እንተዀነ ነቲ ናብቲ ካብቢ ንምብጻሕ ዘለዎም ድላይ ር.ሊ.ጳ. ንሱዳን ብዝብል መደብ ሓገዝ ምእካብ ንደቡብ ሱዳን፡ ቤት ጽሕፈት ንኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕበየት ኣገልግሎት ሓልዮን ከምኡ እውን እቲ ዝተፈላለየ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተራዚዮናሊስን ካልኦት ማሕበር ረድኤትን ኣካላትን ኣበርክቶ ዝገበሩሉ ፍርቂ ሚሊዮን ዶላር ንደቡብ ሱዳን ግብረ ሰናይ መሳለጢ ከምዝለገሱ ገሊጾም ከምዝነበሩ እንክዝከር፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ካቶሊክ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ናይ ቶምቡራን ያምቢዮ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኩሳላ እቲ ካብ ቅዱስ ኣቦና ዝተውሃበ ሓገዝ ነቲ ከባብን ሕዝብን ዝተመዛበሉን ዓቢይ ድጋፍ እዩ ይብሉ።

ደቡብ ሱዳን ኣብ ጐዳና ሰላም
27 July 2018, 16:16