ኒካራጉዋ፡ ሓደ ጳጳስ ካብ ከቢድ ድብያ ድሒኖም ኒካራጉዋ፡ ሓደ ጳጳስ ካብ ከቢድ ድብያ ድሒኖም 

ኒካራጉዋ፡ ሓደ ጳጳስ ካብ ከቢድ ድብያ ድሒኖም

ኣብ ኒካራጉዋ ናይ ኤስተሊ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣበላርዶ ማታ ዕለት 15 ሓምለ 2018 ዓ.ም. መሰል ሓይሊ ምክልኻል ካብ ዝፈነዎ ድብያዊ ምጥቃዕቲ ከምዝተረፉን ደሓውን እውን ከምዘለዉ እንክንገር፡ ብፁዕ ካርዲናል ብረነስ ዕለት 16 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ማሳያ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቁምስና እቶም ዕጡቓት መሰል ሓይሊ ምክልኻል ብሓይሊ ከምዝኣተዉን እዚ ጉዳይ እዚ ንዝምልቶ ንናይታ ሃገር ናይ ሓይሊ ጸጥታ ቤት ምርመራ ኣቤት ኢሎም።

ኣብ ኒካራጉዋ ናይ ኤስተሊ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣበላርዶ ማታ ዕለት 15 ሓምለ 2018 ዓ.ም. መሰል ሓይሊ ምክልኻል ካብ ዝፈነዎ ድብያዊ ምጥቃዕቲ ከምዝተረፉን ደሓውን እውን ከምዘለዉ እንክንገር፡ ብፁዕ ካርዲናል ብረነስ ዕለት 16 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ማሳያ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቁምስና እቶም ዕጡቓት መሰል ሓይሊ ምክልኻል ብሓይሊ ከምዝኣተዉን እዚ ጉዳይ እዚ ንዝምልቶ  ንናይታ ሃገር ናይ ሓይሊ ጸጥታ ቤት ምርመራ ኣቤት ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ንማናጉዋ ከተማ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ከባቢ ኒንዲሪ ብፁዕ ኣቡነ ኣበላርዶ ማታ ኣሳፊራ ትጐዓዝ ኣብ ሎዕሊ ዝነበረት ንእሽተይ ናይ ጽዕነት መሳሊት መኪና ካብቶም ዕጡቓት መሰል ሓይሊ ምክልኻ ብዝተፈነወ ቶዅሲ ጠያይት መጥቃዕቲ ከምዘውረዱን ይኹን ደኣ እምበር ንሶምን ናይታ መኪና ዘዋሪ መጠነይና ማሕሰይቲ ጥራሕ እንከጋጥሞም ካብ ሞት ሓደጋ ከምዝደሓኑ ይንገር።

ብፁዕ ኣቡነ ማታ

ናይ ፓራጉዋይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ነበር ምኽትል ኣቦ መንበር ሰብዓን ክልተን ዓመት ዝዕድሜኦም ነቲ ኣብ ሃገሮም ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ስርዓተ መግንስቲ ሳንዲኒስታ ዝነቕፉን ብርቱዕ ተቓውሞ ዘስምዑ ምዃኖም ክንገር እንከሎ። ምእንቲ መላእ ሕዝቢ ኒጋራጉዋ ድምጾም ዘስምዑን ብዛዕባ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ዘለዎም ኣመለኻኽታ ዘይሓብኡን፡ ነቲ ኣብ መንጐ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ሰልፍን ስርዓተ ሳንዲኒስታዊ መንግስቲ ኦርተጋን ዘተ ክህሉ ዝዓዪ ኣብ ኒካራጉዋ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ዝመዘዞ ድርገት ኣባል እውን ምዃኖም ክንገር እንከሎ

ሕጂ እውን እቲ ውጥረት ይቕጽል ኣሎ

ናይ ማናጉዋ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ብረነስ እቲ ኣብ ልዕሊ ብፁዕ ኣቡነ ሞታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኰኒኖም ዘይምክብባር ዘረጋግጽ ዘጉህን ኣብ ኒካራጉዋ ዝረአይ ዘሎ ህልው ኩነታት ኣዚዩ ዓመጽን ውጥረትን ዝተመልኦ ምዃኑ ዝሕብርን ይቕጽል እውን ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ እንክብሉ ይገልጹ፡ ሕዝባዊ ዓመጽ ካብ ዝተባረዓሉ ካብ ዕለት 18 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ንነጀው 178 ሕዝቢ ከምእተቐትሉን ልዕሊ ሓደ ሺሕ ዝግመቱ ከኣ ሓደጋ ማህሰይቲ ከምዘጓነፎም ይንገር።

ቤተ ክርስቲያን ምስ መንግስቲ ንምዝታይ ቅርብቲ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘተ ተተባብዕን ተነቓቕሕ እውን ምዃና ዝፍለጥ ከይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ካብ መንግስቲ ዝተራእይ ምንም ዓይነት ፖለቲካዊ ጽቡቕ ድላይ እውን ዘየለ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዘድሊ ኒካራጉያ ናብ ምቕዋም ስርዓት ደሞክራሲ ከተብል ዝድርኻ ጭቡጥ ከይዲ ምዃኑ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጉዋ ዘተ ንምትብባዕ ኣሚታ ዕለት 14 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝዘርግሓቶ መልእኽቲ ተመልክቱ ኣሎ።

መጥቃዕቲ ኣብ ሎዕሊ ቤተ ክርስቲያን

ብፁዕ ካርዲናል ለኦፖልዶ ኾሰ ብረነስ ኣብ ዞባ ካተሪና ኣብ ከተማ ማሳያ እትርከብ ቁምስና ዕጡቓት መሰል ሓይሊ ምክልኻ ዝፈጸምዎ ወረራ ኰኒኖም መንግስትን ሓይሊ ጸጥታን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ መጥቓዕቲ ደው ከብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣቢያተ ክርስቲያናትን ቁምስናታትን ክኽበር ይላበዉ ይብሉ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ ኣንከሎ ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ዕግርግር መፍትሒ ክረክብ ናይ መላእ ኣመሪካ ሃገራት ማሕበር ብዙሕ ይጽዕር ከምዘሎ ይንገር።

ኒካራጉዋ፡ ሓደ ጳጳስ ካብ ከቢድ ድብያ ድሒኖም
17 July 2018, 16:48