NICARAGUA-UNREST-STUDENTS NICARAGUA-UNREST-STUDENTS 

ኒካራጉዋ፡ ልኡከ ቅድስቲ መንበር ብስም ር.ሊ.ጳ.፥ ጻውዒት ሰላምን ዘተን

ኣብ ኒካራጉዋ ዝተለዓዓለ ጸረ መግስቲ ተቓውሞ ሕጂ እውይ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ናይቲ ዝተለዓዓለ ህዝባዊ ዓመጽ ማእከል ተባሂሉ ዝነገረላ ከተማ ማሳይ ተኸቢባ ክመዘላን። ኣብ ኒካራጉዋ ልኡከ ቅድስቲ መንበር ሕዝባዊ ዓመጽን ግብር ዓፈና ዓመጽን ተወጊዱ ዘተ ክብገስ ጻውዒት እንከቕርቡ፡ እቲ ጸረ ቤተ ክርስቲያን ዝፍነው ዘሎ መጥቃዕቲ ሕጂ እውን ይቕጽል ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ኒካራጉዋ ልኡከ ቅስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዋልደማር ስታኒስላው ሶመርታግ ብስም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እቲ ካብ ዕለት 18 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ዝተበገሰ መዕለቢ ዘይረኸበ ንልዕሊ 360 ዚጋታት ንሞ ዝዳረገ ውሽጣዊ ዕግርግር ደው ክብልን ሰላማዊ መፍትሒ ንኽርከብ መገዲ ዘተ ክምረጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ንሳልሳይ ናይ ስልጣን ዘመን ብርእሰ ብሔርነት ኒካራጉዋ ዝመርሑ ዘለዉ ዳንኤል ኦርተጋ ካብ ስልጣኖም ክለቁ ዝሓትት ዘሎ ሕዝባዊ ዓመጽ ምዃኑ ይንገር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ኣባ ቪክትሮ ሪቫስ፡ ሽሕ’ኳ መንግስቲ ነቲ ናይ ሕዝቢ ኣውያትን ሕቶም መልሲ ካብ ምሃብ ዝተቖጠበ እንተዀነ ተስፋ ሕዝብን ሃገርን ዘይቅህም እዩ፡ እግዚኣብሔር ከድሕነና እዩ እንክብሉ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገሮም ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረ ኣማእኪሎም ምስ ቫታካን ረዲዮ ኣግልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ መንግስቲ ነታ ኣብ ኒካራጉዋ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ጸላኢ እዩ ዝርእያ፡ ይዅን ደኣ እምበር ቤተ ክርስቲያን ምስ መንግስቲ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርድዳእ ንክፍታሕ ዘተ እንኰ መገዲ ምዃኑ ዝገልጽ ናይ ዘተን ሰላምን ጻዋዒቲ ኣብ ምቕራብ ኣብ እትርከበሉ እዋን ተቓዋሚ ሓይሊ ከም መንግስቲ ምጥቃም ኣጽዋር እንተዝሓይ ነሩ ሎሚ ኒካራጉዋ ኣብ ዘስካሕክህ ኩነት ምወደቐት ቢሎም፡ ሰላም መዳርግቲ ዘይብሉ መፍትሒ እዩ ኢሎም።

ኒካራጉዋ፡ ልኡከ ቅድስቲ መንበር ብስም ር.ሊ.ጳ.፥ ጻውዒት ሰላምን ዘተን

ቤተ ክርስቲያን ዕጡቓት ሓይሊ መሰል ወግዓዊ ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝፍነው መጥቃዕቲ መዕለቢ ኣይረኸበን።

ጸዋዕታ ሰላም ናይ ማናኡዋ ሊቀ ጳጳሳት

ናይ ማናጉዋ ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ ካርዲናል ለዮፖልዶ ኾሰ ብረነስ ሶሎርዛኖ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያ ዝሓልይ ማሕብር ግብረ ሰናይ ኣቢሎም ናይ ሰላም ጻውዒት እንከቕርቡ፡ ቤተ ክርስቲያንን ኣባላታን ነቶም ፍሉይ ዕጡቓት ሓይሊ መሰል ሓይሊ ምክልኻል ደገፍቲ ዳንኤል ኦርተጋ ዝፍንውዎ መጥቃዕቲ ክውገድን ኩሉ ናብ ናይ ሰላም ዘተከብል ጻውዒት ኣቕሪቦም። 

ኒካራጉዋ፡ ልኡከ ቅድስቲ መንበር ብስም ር.ሊ.ጳ.፥ ጻውዒት ሰላምን ዘተን

Photogallery

ኒካራጉዋ፡ ልኡከ ቅድስቲ መንበር

Photogallery

ኒካራጉዋ፡ ልኡከ ቅድስቲ መንበር
18 July 2018, 16:32