ድለ

ምስሪ፥ ምስጢራዊ ሕልፈት ኣቡን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ፥ ምስጢራዊ ሕልፈት ኣቡን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን 

ምስሪ፥ ምስጢራዊ ሕልፈት ኣቡን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን

ካብ ምስሪ ርእሰ ከተባ ካይሮ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ 90 ኪሎ መትር ርሕቐት ኣብ ዝርከብ ገዳም መቓሪዮስ ጳጳስ ኣበ ምኔት ኣናብ ኤፒፋኒዮስ ዕለት 29 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ሞይቶም ከእተረኽቡን፡ ኣብ ርእሶም ከቢድ ህራም ከምዝነበሮም ይንገር።

ካብ ምስሪ ርእሰ ከተባ ካይሮ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ 90 ኪሎ መትር ርሕቐት ኣብ ዝርከብ ገዳም መቓሪዮስ ጳጳስ ኣበ ምኔት ኣናብ ኤፒፋኒዮስ ዕለት 29 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ሞይቶም ከእተረኽቡን፡ ኣብ ርእሶም ከቢድ ህራም ከምዝነበሮም ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣማውታ ናይቶም ናይ ምስሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ናይ ቅዱስ መቓሪዮስ ዓቢይ ገዳም ኣበ ምኔት ኤፒፋኒዩስ ኣብ ውሽጢ ገዳም ሞይቶም ከምእተረኽቡን፡ ናይቲ ከባቢ ቤት መርማሪ ገበን ቤት ጽሕፈት ሓይሊ ጸጥታ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ርእሶም ከቢድ ማሕረምቲ ከምዘለዎምን ክሕብር እንከሎ፡ ገበን ኣጻራዪ ቤት ፍርዲ ኣማውታ ኣበ ምኔት ኤፒፋኒዩስ ንምጽራይ ናይ መርመራ ሬሳ ክካየድ ከምዝወሰነን ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ድሕሪ መርመራ እቲ ሬሳ  ዕለት 31 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ክትፍጽመሎም ምዃና ከምዘፈለጠት ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣበ ምኔት ኤፒፋኑስ መን እዮም ነይሮም

ኣንባ ኤፒፋኒዩስ 64 ዓመት ዝዕድመኦም ብስነ ሕክምና ሊቕነት ዘመስከሩን ኣብ 1984 ዓ.ም. ኣብ ገዳም ቅዱስ መቃሪዮስ ዓቢይ ኣትዮም ንኽህነት ዘብቅዖም ትምህርቲ ኣጠናቒቖም ኣብ 2002 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉን ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት፡ ተመራማርን ቅዱስ መጽሓፍ ካብ ግሪኽ ናብ ቋንቋ ዓረብ ንምትርጓም ኣብ ዝተኻየደ ምርምራዊ መጽናዕቲ ዝተሳተፉን ብዙሓት ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተርጐሙን፡ ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ዓስራይ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ሊቃውንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተሳተፉን፡ ናይ ቅዱስ መቃሪዮስ ዓቢይ ገዳም ኣበ ምኔት ንኽዀኑ እቶም 100 ናይቲ ገዳም መነኰሳን ብምልኣተ ድምጺ ከምዝሓረዩዎምን፡ ናይ ምስሪ እዋናዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ዓቢይ ጽልዋ ናይ ዝነበሮም ብ  1969 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፍልዩ ምስ ካቶሊካውያን ገዳማውያንን ካቶሊካዊ ማሕበረሰብን ኣብ ምስሪ ዝነኣድ ርክብ ዝነበሮም መነኮስ ማታ ኤል መስኪን ኣበ ነፍስ ዝነበርዎምን ብዙሕ ተደናቕነት ዘትረፉ ወዲ ምስራዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምዃኖም ኣመልኪቱ፡ ናይ ምስራዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ ዳግማዊ ናብ ገዳም ቅዱስ መቃርዮስ ዓቢይ ብዛዕባ እቲ ዝተኸስተ ሞት ዘጻርይ ፍልይቲ ጉጅለ ከምዝለኣኹ ኣፍሊጡ።

ምስሪ፥ ምስጢራዊ ሕልፈት ኣቡን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን
31 July 2018, 16:31