ጸኣት ስደተይናታት፡ ስካላብሪኒያን፥ ዓሌታዊ ጽልእ ክጐሃሃር ዝደልይ ኣሎ ይብሉ ጸኣት ስደተይናታት፡ ስካላብሪኒያን፥ ዓሌታዊ ጽልእ ክጐሃሃር ዝደልይ ኣሎ ይብሉ 

ጸኣት ስደተይናታት፡ ስካላብሪኒያን፥ ዓሌታዊ ጽልእ ክጐሃሃር ዝደልይ ኣሎ ይብሉ

ንናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውድብ ላዕለዋይ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ሓልዮ ድርገት ጨንፈር ኢጣሊያ ወሃቢት ቃል ካሮሎታ ሳሚ፥ ናብ ኢጣሊያ ዝኣትዉ ስደተይናታት መብዛሕቲኦም ብሊቢያ በራት ባሕሪ ኣቢሎም ዝስደዱ ከምዝዀኑን፡ ካብቶም ዝስደዱ ውሽጢ እተን ስደተይናታት ደቀንስትዮ ብጠቕላላ ዳርጋ 80 ሚእታዊ ዝሽፍና ኣብ ሊቢያ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣዳዳ ከምዝዀናን ብዙሓት መንእሰያ ደቂ ተባዕትዮ እውን ንዝተፈለየ ዓመጽን መግረፍትን ዝኣመሰሉ ኢሰብኣዊ ተባራት ከምዝቃልዑ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እታ ብሰሓቢት መርከብ ቮስ ታላሳ ካብ ምጥሓል ሓደጋ ዝደሓነት ኣብ መዲትራኒያን ባሕሪ 67 ስደተይናታት ኣሳፊራ ነው ነጀው ትብል ድሕሪ መርከብ ብዙሕ መከራ ናብታ ዲቺኦቲ ናብ እተሰምየት ናይ ኢጣሊያ ወሰናስን ባሕሪ ሓለዋ ጸጥታ መርከብ ሓገዝ ረኺባ እቶም ስደተይናታት ናብታ ናይ ኢጣሊያ ሓለዋ ባሕሪ ርከብ ከምእተረከቡን፡ እታ ዝርከቡላ መርከብ ገና መዓርፎ ከምዘይረኸበትን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብቶም 67 ስደተይናታት ነቶም ናይ ታላሳ ሰሓቢት መርከብ ባሕረይናታት ክንቀተልኵም ኢና ዝብል ምፍርራሕ ቀሪቦም ከምዝነበረ ዝበሃል ዘሎ ስግኣት ሓቂ እንተድኣ ኰይኑ እታ መርከብ ናብ ወደብ ኢጣሊያ ክትኣቱ ፍቓድ እንተድኣ ረኺባ እቶም ክልተ ተሓትቲ ዝበሃሉ ስደተይናታት ንፍርዲ ክቐርቡ ኣለዎም ዝብል ፖለቲካዊ ርእይቶ ይቐርብ ከምዘሎ ይንገር።

ብዛዕባ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ስደተይናታት ጸገም ኣመልኪቶም ናይ ስካላብሪኒያን ማሕበር ልኡካን ዘመሓድሮ ናይቲ ማሕበር ዓለም ሓቆፍ ናይ ስደተይናታት ሓልዮ ተቕዋም ኣመሓዳሪ ኣባ ኣልዶ ስኮዳ ምስ ቫቲካን ረዲዮ ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ስደተይናታት ዘሳተፈረት መርከብ ናብ ዝዀነ ይኹን ወደብ ንኸይትኣቱ ገርካ ኣብ ነው ነጀው ክትብል ምሕዳግ ብሓቂ ዘሕዝንን ኢሰባኣዊ ተግባር እውን እዩ፡ ብዛዕባ ስደተይናታት ዝንዛሕ ንሱ ኸኣኣ ስደተይና ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ምኽንያኣት ጽልእ  እዩ ቢልካ ምፍራድ መሰረት ዘይብሉን ስዒቡ እውን ስደተይና ንምእንጋድ ኰነ ንምእላይ ዘድሊ ሰብኣዊ ምትሕብባር ከይህሉ ዝድርኽ ኣሎ ኢሎም።

ጸኣት ስደተይናታት፡ ስካላብሪኒያን፥ ዓሌታዊ ጽልእ ክጐሃሃር ዝደልይ ኣሎ ይብሉ
12 July 2018, 16:44