ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዘሳፈረት ንእሽተይ ጀልባ ምጥሓልን ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋን ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዘሳፈረት ንእሽተይ ጀልባ ምጥሓልን ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋን 

ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዘሳፈረት ንእሽተይ ጀልባ ምጥሓልን ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋን

ብባሕሪ መዲትራኒያ ኣቢሎም ናብ ኤወሮጳ ንምእንታው ዝፈተኑ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዘሳፈረት ንእሽተይ ጐማዊት ጀልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ ልዕሊ 100 ዝግመቱ ዘይሕጋውያን ዝደተይናታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ይንገር።

ብባሕሪ መዲትራኒያ ኣቢሎም ናብ ኤወሮጳ ንምእንታው ዝፈተኑ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዘሳፈረት ንእሽተይ ጐማዊት ጀልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ ልዕሊ 100 ዝግመቱ ዘይሕጋውያን ዝደተይናታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ይንገር።

ሲሞነ ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካብቶም ኣብ በሪ ባሕሪ ሊቢያ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ውሽጢ ናይ ሰለስተ ሕጻናትን ሬሳ ከምእተረኽበን ካልኦት 16 ብናይ ሊቢያ ዶባት ባሕሪ ሓለዋ ጸጥታ ሓይሊ ካብ ሞት ሓደጋ ከምዝተረፉን፡ ካልኦት ቁጽሮም ካብ ሚእቲ ንላዕሊ ዝግመት ከኣ ሃለዋቶም ገና ከምዘይተፈልጠ ይንገር።

እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ እታ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ኣሳፊራ ትጓዓዝ ዝነበረት ናይ ጐማ ጀልባ ብብዝሒ ተሳፈርቲ ስደተይናታት ብዘጋጠማ ናይ ምግልባጥ ሓደጋ ምኽንያት ዘጓነፈ ናይ ሞት ሓደጋ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ሓደጋ ብተደጋጋሚ ዝረአይ ከምዝዀነን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ እዋን ወቕቲ ሃሩር ካብ ከባቢ ሰሜን ኣፍሪቃ ሃገራት ብዙሓት ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ብብዝሒ ናብ ኢጣሊያን ብኢጣሊያ ኣቢሎም እውን ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክኣትዉ ክፍትኑ ከምዝኽእሉ እውን ክፍለጥ ኣንከሎ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 29 ሰነ 2018 ዓ.ም. ልዕሊ 300 ዝግመቱ ናብ ኢጣሊያ ንኽጓዓዙ ዝሰናደዉ ዝነበሩ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ብናይ ሊቢያ ወሰናስን ባሕሪ ሓለዋ ጸጥታ ተታሒዞም ካብ ከባቢ ወደባት ሊቢያ ክርሕቑ ከምእተገብረን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 2 ሺሕ ዝግመቱ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ናብ ሊቢያ ከምእተሰጉን እዚ ምስጓግ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት እውን ዝቕጽል ምዃኑ ብዙሓት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ መንግስታት ዝገልጽዎ ሓሳብ ኰይኑ፡ ናይ ኢጣሊያ ምኒስተር ጉዳያት ውሽጢ ማተዮ ሳልቪኒ ኣብዚ እዋን ወቕቲ ሃሩር ዝዀነት ዓይነት ናይ ዘይመንግስታውያን ግብረ ሰናይ መራኽብ ናብ  ናይ ኢጣሊያ ወደባት ፈጺመን ናይ ምእታው ፍቓድ ኰነ ዕድል ከምዘይረኻባ እንክሕንብሩ፡ እቶም ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ሓደጋ ዘጋጥሞም ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ግብረ ሰናይ ዘቕርባ ዘመራኽብ ዘይመንግስታውና ግብረ ሰናይ ዘቕርባ ጉዳይ ኣብ ሕብረተ ኤውሮጳ ቀንዲ መካትዒ ኣርእስቲ ኰይኑ ከምዘሎን ብዙሓት ናይ ፖለቲካ ኣካላት እውን ነዘን ሓገዝ ዘቕርባ ናይ ግብረ ሰናይ መራኽብ ናይ ስደተይናታት ታክሲ እንክብሉ ብምግላጽ ናብ ወደባት ኢጣሊያ ናይ ምእታው ፍቓድ ከይወሃበን ዝብሉ እውን ከምዘለዉ ይንገር። 

ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዘሳፈረት ንእሽተይ ጀልባ ምጥሓልን ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋን
04 July 2018, 17:19