ድለ

ማልታ፡ ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ብባሕሪ ዝጓዓዙ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ጽንኩር ኩነት ማልታ፡ ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ብባሕሪ ዝጓዓዙ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ጽንኩር ኩነት 

ማልታ፡ ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ብባሕሪ ዝጓዓዙ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ጽንኩር ኩነት

ናይ ኢጣሊያ ናይ ስድተይናታትን ዑቕባ ሓተቲ ማእከል ኣመሓዳሪ ማሪዮ ሞርኮነ፥ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ነቶም ብባሕሪ ንዝጓዓዙ ስደተይናታት ዘቕርብኦ ናይ ሰብኣዊ ድጋፍ ከቋርጻ ስለ ዝተገብረ፡ እቶም ስደተይናታት ነቲ ገና ምሉእ ብምሉእ ድጋፍ ከቕርብ ብቕዓት ንዘይብሉ ንናይ ሊቢያ ወሰናስን ባሕሪ ሓላዊ ጸጥታ ዝተሓድጉ ኰይኖም ኩነታቶም ኣዚዩ የተሓሳስብ” ኢሎም።

ናይ ኢጣሊያ ናይ ስድተይናታትን ዑቕባ ሓተቲ ማእከል ኣመሓዳሪ ማሪዮ ሞርኮነ፥ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ነቶም ብባሕሪ ንዝጓዓዙ ስደተይናታት ዘቕርብኦ ናይ ሰብኣዊ ድጋፍ ከቋርጻ ስለ ዝተገብረ፡ እቶም ስደተይናታት ነቲ ገና ምሉእ ብምሉእ ድጋፍ ከቕርብ ብቕዓት ንዘይብሉ ንናይ ሊቢያ ወሰናስን ባሕሪ ሓላዊ ጸጥታ ዝተሓድጉ ኰይኖም ኩነታቶም ኣዚዩ የተሓሳስብ” ኢሎም።

ሲሞነ ተ. ኣርኣያ

እቲ Seawatch - ሓለዋ ባሕሪ እተሰምየ ብማያት ባሕሪ ንዝስደዱ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ካብ ሞት ሓደጋ ንምድሓን ዝንቀሳቐስ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ኣብ ከባቢ ማልታ ጠረፍ ማያት ባሕሪ ምንም ዓይነት ግብረ ሰናይ ከይፍጽም ብመንግስቲ ማልታ ስለ ዝተኣገደ ናይ ብዙሓት ብባሕሪ ዝጓዓዙ ስደተይናታት ሕይወት ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዝርከብን እቲ ናይ ማልታ መንግስቲ ዝወሰዶ ውሳኔ፡ ነጻነት ዝገትእ እዩ፡ እታ መርከብ ናይ ሆላንድ ሰንደቕ ዕላማ ዘለዋን ምዝግብት እንከላ፡ ዘይተመዝገበት መርከብ ዝብል ዝወሃብ ዘሎ ምኽንያት ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ፖለቲካውን ሓገዝ ንኸየቕርብ ዝተወሰደ ስጉምቲ እዩ ዝብል መግለጺ ናይቲ ዘይመንግስታዊ ግብረ ሰናይ ማሕብር ከምእተዘርግሔ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይ ኢጣሊያ ሓላዊ ወሰናስን ባሕር ሓገስ ንናይ ሊቢያ ባሕሪ ሓይሊ

መንግስቲ ኢጣሊያ ንናይ ሊቢያ ወሰናስን ባሕሪ ሓላዊ ጸጥታ ንዘካይዶ ሓለዋ ወሰናስን ባሕሪ ሊቢያ ዝጥቀመለን 10 ናይ ባሕሪ ሃይሊ ንአሽቱ ናይ መቆጻጸሪ መራኽብን ክልተ ናይ ባሕሪ ሓይሊ መራኽብን ከምዝሃበ እንክንገር ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን እዘን መራኽብ ንዝጋጥመን እደ ጥበባዊ ጸገም መፍትሒ ዝኸውን መንግስቲ ኢጣሊያ ሓደ ሚሊዮን ኣርባዕተ ሚእቲ ሺሕ ኤውሮ ንኽሰልዕ ቤት ምኽሪ ሚንስትር ወሲኑ ብሕዝባዊ ባይቶን ልዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ኣጽዲቑ ሕገ ውሳኔ ከመሓላልፍ መደብ ይንገር።

እቶም ብጉዕዞ ባሕሪ ስስደዱ ዜጋታት ዘስካሕክሕ ሓደጋ ከየጋጥሞም ናይ ሰብኣዊ ረዳኤት መተሓላለፉ መስመር ምፍቓድ

ኣብ ዝሓለፉ 48 ሰዓታት ጥራሕ ልዕሊ 170 ስደተይናታት ናብ ኢጣሊያ ንምእንታው ካብ እተጓዕዙ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ክንገር እንከሎ፡ ናይ ኢጣሊያ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ማእከል ዋና ኣመሓዳሪ ማሪዮ ሞርኮነ፡ ኣብ ባሕሪ ንዝጓዓዙ ሓገዝ ዘቕርባ ዘይመንግስታውያን ናይ ረድኤት መራኽብ ኣገልግሎ ከይህባ ዝገብር ውሳኔ እቶም ስደተይናታት ነቲ ኣብ ከባቢ ባሕሪ  ኣድሕን ሕይወት ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ስርሒት ብዙሕ ተመክሮን ብቕዓትን ገና ንዘይብሉ ናይ ሊቢያ ናይ ወሰናስን ባሕሪ ሓለዋ ጸጥታ ኣሕሊፍካ ምሃብ ክኸውን እንከሎ እዚ ኸኣ እቶም ስደተይናታት ንዝተፈላለያ ሓደጋ ክቃልዑ ዝዳርግ እዩ እንክብሉ ገሊጾም።

ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቕ
03 July 2018, 16:46