ድለ

ሃይቲ፡ ሕዝባዊ ተቓውሞ ጸረ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ፤ ብፁዓን ጳጳሳት ዓመጽ መፍትሒ ኣይኰነን ይብሉ ሃይቲ፡ ሕዝባዊ ተቓውሞ ጸረ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ፤ ብፁዓን ጳጳሳት ዓመጽ መፍትሒ ኣይኰነን ይብሉ 

ሃይቲ፡ ሕዝባዊ ተቓውሞ ጸረ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ፤ ብፁዓን ጳጳሳት ዓመጽ መፍትሒ ኣይኰነን ይብሉ

ኣብ ሃይቲ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ እዋን’ዞ ናይታ ሃገር መንግስቲ ናይ ነዳዲ ዋጋ ካብቲ ዝነበሮ ክብ ክብል ምግባሩ ዘቖጠዖ ሕዝቢ ዘለዓዓሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘስዓቦ ዓመጽ ክግታእን መንግስቲ ድኽነትን ምግብረ ብልሽውናን ንምውጋድ ዝድግፍ መደብ ከተባብዕ ጻውዒት ተቕርብ።

ኣብ ሃይቲ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ እዋን’ዞ ናይታ ሃገር መንግስቲ ናይ ነዳዲ ዋጋ ካብቲ ዝነበሮ ክብ ክብል ምግባሩ ዘቖጠዖ ሕዝቢ ዘለዓዓሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘስዓቦ ዓመጽ ክግታእን መንግስቲ ድኽነትን ምግብረ ብልሽውናን ንምውጋድ ዝድግፍ መደብ ከተባብዕ ጻውዒት ተቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ሃይቲ መንግስቲ ናይ ነዳዲ ዋጋ ክብ ክብል ንዝወሰዶ ውሳኔ ብምቅዋም ዝተለዓዓለ ህዝባዊ ዓመጽን ውጥረትን ዋላ’ኳ ድሓር መንግስቲ ነቲ ኣመሓላሊፍዎ ዝነበረ ውሳኔ ሰሪዘ እንክብል መግለጺ እንተመሓላለፈ፡ ሕጂ እውን እቲ ኣድማ ይቕጽል ከምዘሎ ይንገር፡ እቲ ዕለት 6 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ዝተበገሰ ህዝባዊ ዓመጽ ብዙሕ መጉዳእቲ ከምዘስዓበን፡ ዕለት 7 ሓምለ መንግስቲ ዋጋ ነዳዲ ክብ ከብል ዘገደዶ ናይ መንግስቲ ኤኮኖሚ መድሎ ንምትሓዝ ብዝብል ምኽንያት ምዃኑ ኣፍሊጡ እውን እንተነበረ ድሕሪ እቲ ዝተፈጥረ ህዝባዊ ዓመጽ ነቲ ውሳኔ ከምዝሰረዘ እንከልፍጥ፡ ኣብ ልዕሊ መሸጣ ኣባይትን መእንገዲ ኣባይትን ዘመተ ይካየድ ከምዘሎን ዓመጽን ኣልቦ ማሕበራዊ ጸጥታን ይተኣታተው ኣሎ።

ኣይፋል ንዓመጽ

ኣብ ሃይቲ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሁከትን ማሕብራዊ ውጥረት ክውገድን ማሕበራውን ናይ ግልን ንብረት ምጉዳእን መቕተልትን ዘመተን ዝኣመሰሉ ተግባራት ሁከትን ውትረትን ዘበኣእስ እምበር መፍትሒ ኣይኰነን፡ ስለዚህ እቲ ስራሕ ዝፍፈጥር ኤኮኖሚ ንሓደጋ ዘቃልዕ ናብ ዝገደደ ድኽነትን ውጥረትን ዝድርኽ ብዘተ ክፍታሕ ይግብኦ፡

ብዙሕ ዝተሳቐየ ሕዝቢ ሃይቲ

ስለዚህ እቲ ብዙሕ ዝተሳቐየ ህዝቢ ሃይቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ኤኮኖሚያዊ ብድሆከሰንፍ ዘኽእሎ ዕድላት ክፍጠረሉ ዝሓትት ሓሳብ ዝተነብሮ  መልእኽቲ ጻውዒት ቤተ ክርስቲያን፡ ዝዀነ ይዅን ጸገም ብዓመጽን ሁከትን ዘይኰነ ብዘተ ጥራሕ ዝፍታህ ምዃኑ ናይ ሃይቲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ላኡናይ ስቱርነ ዕለት 27 ሰነ 2018 ዓ.ም. ሃይቲ ንቅድስቲ ማርያም ዝተወከፈትሉ ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ምኽንያት በዓለ ረዳኢተ ማርያም ሓላዊት ቅድስቲ ሃይቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርት ኣው ፕሪንስ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሜዳ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ጆቨነል ሞሴን ካልኦት ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላት ዘሳተፈ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ገሊጾም፡ ኣብ ሃይቲ ዝርአይ ዘሎ ኢፍትሓውነት ምግባረ ብልሽውናን ኰኒኖም ሕዝብን መንግስትን ነዚ ማሕበራዊ መንሽሮ ንምጥፋእ ሓቢሩ ክዓዪ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃይቲ ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሃይቲ፡ ሕዝባዊ ተቓውሞ ጸረ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ፤ ብፁዓን ጳጳሳት ዓመጽ መፍትሒ ኣይኰነን ይብሉ
12 July 2018, 16:49