ድለ

ምሕዝነት፡ ሓደ ካብቶም መጋበርያ ሰላም እዩ ምሕዝነት፡ ሓደ ካብቶም መጋበርያ ሰላም እዩ 

ምሕዝነት፡ ሓደ ካብቶም መጋበርያ ሰላም እዩ

ዕለት 30 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ምሕዝነት ተኸቢሩ ውዒሉ፡ ምሕዝነት ንምርግጋጽ ሰላም ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑን ብዙሕ እዋን እውን ምሕዝነት ሓደ ካብቶ መጋበርያ ሰላም ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዝልግስዎ ቃለ ምዕዳን ኰነ ኣስተምህሮ ዘስመሩሉ ሓሳብ እዩ።

ዕለት 30 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ምሕዝነት ተኸቢሩ ውዒሉ፡ ምሕዝነት ንምርግጋጽ ሰላም ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑን ብዙሕ እዋን እውን ምሕዝነት ሓደ ካብቶ መጋበርያ ሰላም ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዝልግስዎ ቃለ ምዕዳን ኰነ ኣስተምህሮ ዘስመሩሉ ሓሳብ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ሕንጸት ናይ ሰላም ባህሊ ንምስፋሕ ዕለት 30 ሓምለ ቅድሚ 7 ዓመት ምዃኑ እዩ፡ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ምሕዝነት ክበዓል፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘካየዶ ጠቕላሊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምዝወሰነ ክዝከር እንከሎ፡ ኣብ መንጐ ሰባት ዝቐውም ውልቃዊ ምሕዝነት ነቲ ሓባራዊ ምሕዝነት መሰረት ኰይኑ ኣስተንፍሶ ሰላም ከምዝኸውን እማነ ዘንበረ ውሳኔ ክኸውን እንከሎ፡ ምሕዝነት ኣብ መንጐ ዝተፈላለየ ማሕበረሰብ ጐደና ሰላም ምዃኑ ዝምስከረሉ ዕለት እዩ።

ምሕዝነት ኣሕዛብ

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተፈላለየ ሕድ ሕዳዊ ውግኣት ተራቢሑ ሕዝብን እንነብረላ ዓለምን የድምይ ኣሎ፡ ምሕዝነት ኣብ መንጐ ኣህዛብ ኣብ ምትእምማን ዝጸንዔ ርክብ ምስ ዝቐውም ብጽሉ ዓለም ንምሕናጽ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ምብርካት ክኡል ይኸውን።

ምሕዝነት ናይ ጐይታ ጸጋ እዩ

ምሕዝነት መሰረታዊ ኣርእስቲ እዩ፡ ብዙሕ እዋን ቅዱስ ኣቦና እውን፥ ምሕዝነት ካብ ጐይታ ከም ጽሕፍቶ ዝተቐበልናዮ ጸጋ እዩ፡ ጸዋዕታና ንሱ እዩ፡ ኣዕሩኽ ጐይታ ኰይንካ ምንባር [ … ] ኣንሕና ኵላትና ክርስቲያን እዚ ጸጋ’ዚ ተቐቢልና ኢና፡ ክፉታት ኰይንና ናብ ልበ ኢየሱስን ናብ ዕርክነቱን ንምእታው [ … ] ዕርክነት ወይ ምሕዝነት ጽሕፍቶ እዩ፡ ህልዎተ ምሕዝነት ኣብ መንጐና ጽሕፍቶ እዩ፡ ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍና ዝዕቅቦ ጸጋ እዩ፡ ንሱ ኣብ ምሕዝነት ዘይቦክር እዩ፡ እሙን እዩ፡ እንክብሉ ዕለት 14 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ንጐሆ ኣብ ዘዕረረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ዘስመሩሉ ሓሳብ እዩ።

ዕርክነት ምስ ኢየሱስ

ዕለት 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ኣብ ሚላኖ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ዘካየድሉ እዋን እውን ምስቶም ምስጢረ ሜሮም ዝተቐበሉ መንእሰያት ተራኺቦም፥ ኣብ ጸጋን ብጸጋን ንምዕባይ፥ ምስ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ዓበይን ምዝታይን ቀረባኦም ምዃንን፡ ምስ መሓዙትን የዕሩኽን ምጽዋትን ኣብ ቁምስና ምኻድን የድልይ፡ በዚ መገዲ’ዚ ንዓቢይ ጸሎትን ንወትሩ ጸላይነትን ትድረኽ። ጸሎት ነቶም ሰለስተ ነገራት ዘጣምር እዩ” እንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ምሕዝነት፡ ሓደ ካብቶም መጋበርያ ሰላም እዩ
30 July 2018, 16:30