ድለ

“ክርስቲያን ኣብ ዝቕተለሉ”፥ ሰላም ንምሕናጽ ዘተባብዕ መጽሓፍ “ክርስቲያን ኣብ ዝቕተለሉ”፥ ሰላም ንምሕናጽ ዘተባብዕ መጽሓፍ 

“ክርስቲያን ኣብ ዝቕተለሉ”፥ ሰላም ንምሕናጽ ዘተባብዕ መጽሓፍ

ሳንቲና እተሰመየ ዘይመንግስታዊ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕብር ኣብቲ ክርስቲያን ምዃን ሓደጋ ዝዀነሉን ክርስቲያን በቢ ዕለቱ ሕይወቱ ንሓደጋ ኣብ ዝቃልዓሉ ከባቢ ዓለም ዝፍጽሞ ድጋፍን ምትሕብባርን ብጥልቂ ዘረድእ ዝሓለፈ መጋቢት 2018 ዓ.ም. ብቤት ማሕተም ቅዱስ ጳውሎስ ዝተሓትመ ብብፁዕ ኣቡነ ልዊጂ ጂናሚ ዝተደርሰ መጽሓፍ ዕለት 18 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ደራሲ ናይቲ መጽሓፍ ብፁዕ ጂናሚ ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብወግዒ እቲ መጽሓፍ ዘላልይ ዓውደ ጉባኤ ተኻይዱ።

ሳንቲና እተሰመየ ዘይመንግስታዊ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕብር ኣብቲ ክርስቲያን ምዃን ሓደጋ ዝዀነሉን ክርስቲያን በቢ ዕለቱ ሕይወቱ ንሓደጋ ኣብ ዝቃልዓሉ ከባቢ ዓለም ዝፍጽሞ ድጋፍን ምትሕብባርን ብጥልቂ ዘረድእ ዝሓለፈ መጋቢት 2018 ዓ.ም. ብቤት ማሕተም ቅዱስ ጳውሎስ ዝተሓትመ ብብፁዕ ኣቡነ ልዊጂ ጂናሚ ዝተደርሰ መጽሓፍ ዕለት 18 ሓምለ 2018 ዓ.ም.  ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ደራሲ ናይቲ መጽሓፍ ብፁዕ ጂናሚ ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብወግዒ እቲ መጽሓፍ ዘላልይ ዓውደ ጉባኤ ተኻይዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ዕለት 18 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምስጋና መስዋዕተ ቅዳሴ ድሕሪ ምዕራጉ እታ ብፁዕ ኣቡነ ልዊጂ ጂናሚ ክርስቲያን ኣብ ዝቕተልሉ ብዝብል ኣርእስቲ ዝስደረስዋ መጽሓፍ ብወግዒ ዘላልይ ዓውደ ጉባኤ ከምእተኻየደን፡ እቲ መጽሓፍ ብቤት መሕተም ቅዱስ ጳውሎስ ተሓሙ ካብ ወርሒ መጋቢት 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ከምእተዘርግሔ እውን ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብቲ ናይ እዋንና ሓደስቲ ናይ እምነት ሰማዕታት ዝውለድሉ ከባቢ ዝተፈላለየ መደብ ግብረ ሰናይ ዘሳልጥ ሳንቲና እተሰምየ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ዘቕርቦ ድጋፍን ዝነብሮ ቅርበትን መሰረት ገይሮም ናይቶም ናይ እምነት ሰማዕታት ታሪኽ እምነትን እቲ ክርስቲያን ምዃን ንሓደጋ ዘቃልዕ ከባቢ ብሰፍሕ ዘዘንትው መጽሓፍ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ መጽሓፍ ድምጺ ናይቶም ሓደስቲ ሰማዕታት እዩ።

“ክርስቲያን ኣብ ዝቕተለሉ”፥ ሰላም ንምሕናጽ ዘተባብዕ መጽሓፍ

መደብ ምልላይ “ኣብቲ ክርስቲያን ዝቕተልሉ” ዘርእስቱ መጽሓፍ

ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ብፁዕ ኣቡነ ጂናሚ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ እቲ ዓውደ ጉባኤ ካብ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ካብ ቫቲካን ድዩ ካብ መንፈሳውያን ማሕበራት ዝምልከቶም ኣካላት ብዘስምዕዎ ዘረባ ዘይኰነ ዓለማውያን ምእመናን እሞ ብቐጥታ ካብቲ ክርስቲያን ምዃን ንሓደጋ ዝቃልዐሉ ከባቢ ዝመጹ ዓለማውያን ምእመናንን ጋዜጠይናታትን ዝኣመሰሉ ብዘስምዕዎ ዘረባ ዝተመርሔ ምዃኑን ክብኣቶም እውን እተን ላ ረፑብሊካ ናይ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጠ ጋዜጠይና ተወላዲት ቱርክ ኤስማ ካኪር ካብቶም ዘረባ ዘስምዑ ሕንቲ ከምዝዀና ክንገር እንከሎ፥

ሰላም ክሃንጽ ዝደልይ መጽሓፍ

ብርግጽ እቲ መጽሓፍ ኣብ መንጐ ኣሕዛብን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ሰላምን ናይ ሓባር ዘተን ንምሕናጽ ዝሓቀነን ዝከኣል እውን ምዃኑ ዝምስክር እዩ፡ ስለዚህ ብዛዕባ ውግእን ሳዕቤናቱን ዘዘንትው እውን እንተዀነ ኣብቲ ዛንታ ውግእን ሳዕቤናቱን ከየትረፈ ናብ ድላይ ሰላምን ዘተን ዝድርኽ ክንየወ ስቓይ ዘሎ እውነተይና ሃረርታ ሰላምን ዘተን ሰብኣዊ ፍጡር የመላኽት፡ ሰብ ንውግእ ዘይኰነስ ንሰላምን ዘተን ዝተፈጥሮ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ፡ ብትኽክል ኣሳዶ ዓቢይ ጸገም እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድን ካልኦት ሃይማኖታትን እውን ዝኽሰት ጸረ ሰብኣዊ ተግባራትን ጥሕሰት ክብርን መሰልን እዩ፡ ናይተይ ናትካ ኣብ ሃይማኖት ዘይኰነ ኣብ ምዃን ሰዓቢ ሃይማኖት እዩ ዘሎ፡ ስለዚህ ሰዓቢ ሃይማኖትን ኣውነተይና ሃይማኖተይናነትን ዝተፈላለየ እዩ፡ እቲ መጽሓፍ ነዚ መሰረት ገይሩ ውግእን ኣሳዶን የዘንትው፡ ኣብ ምዝንታው ውግእ እቲ ጥልቂ ሰብኣዊ ድላይ ዝዀነ ሰላም የቃልሕ።

“ክርስቲያን ኣብ ዝቕተለሉ”፥ ሰላም ንምሕናጽ ዘተባብዕ መጽሓፍ
19 July 2018, 16:43