ርክብ ናይ ኤውሮጳ ኣቢያተ ክርስትያን ልኡካንን መንግስቲ ኦስትሪያ ተረይና ርእሰ ብሔር ሕብረት ኤውሮጳን ርክብ ናይ ኤውሮጳ ኣቢያተ ክርስትያን ልኡካንን መንግስቲ ኦስትሪያ ተረይና ርእሰ ብሔር ሕብረት ኤውሮጳን 

ርክብ ናይ ኤውሮጳ ኣቢያተ ክርስትያን ልኡካንን መንግስቲ ኦስትሪያ ተረይና ርእሰ ብሔር ሕብረት ኤውሮጳን

ዕለት 23 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ብናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒ. ካሮሊነ ኤድስታድለር ብዝተወከለ መንግስቲ ኦስትሪያ ተረይና ርእሰ ብሔር ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቪየና ርክብ ከምዘካየዱ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ዕለት 23 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ብናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒ. ካሮሊነ ኤድስታድለር ብዝተወከለ መንግስቲ ኦስትሪያ ተረይና ርእሰ ብሔር ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቪየና ርክብ ከምዘካየዱ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካ

ናይ ኤውሮጳ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ወግዓዊ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ከምዘመልክቶ፥ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ልኡካን ኣብ ቪየና ምስ ናይ መንግስቲ ኦስትሪያ ናይ ውሽጢ ጉዳያት ሚኒ. ኤድትስታድለር ኣብ ዘካየዶ ርክብ፥ ናይ ኤውሮጳ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ጨንፈር ኣብ ኦውስትሪያ መንግስቲ ኦስትሪያ ተረይና ርእሰ ብሔር ሕብረት ኤውሮጳ ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጸኦ ሰነድ ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ምንባሩ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ሰነድ ኣስተንትኖኣዊ ርእይቶን ለበዋን ዝተነብሮ ምዃኑ ይንገር።

ድጋፍን ምትሕብባርን

ኣባላት ሃገር ሕብረት ኤውሮጳ ክበጽሐኦ ንዝሕንጽጸኦ ናይ ሓባር መደብ መሳለጢ ድጋፍን ምትሕብባርን ሕብረት ኤውሮጳ ዝትግበርን ኣብ መንጐ ኣባላት ሃገራት ሓናጺ ምዕሩይ ከይዲ ክህሉ ዝድግፍ እውን ክኸውንን፡ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ኤውሮጳ ምዑሩይን ተኸኣልን ናይ ክፍሊት ግብሪ ፖለቲካ ክሕንጸጽን እንክብል ዘቕረቦ ለበዋ ስዒቡ፡ ንማሕበራዊት ኤውሮጳ ኤውሮጳዊ ማሕበራዊ ኣገባብ ክህሉን፡ ብዛዕባ ስደተይናታት ከኣ፡ ኣብ ኣባላት ሃገራት ዝተመዓራረየ ኣብ ኤውሮጳ ምንቅስቓስ ስደተይናታት፡ ማለት ስደተይናታት ኣብ ኣባላት ሃገራት ሚዛኑ ዝሓለው ምክፍፋል ክህሉን፡ ኣብ ሓንቲ ኣባል ሃገር ጥራሕ ዘይኰነ ምዕሩይ ክፍፍል ስደተይናታት ኣብ ኤውሮጳ ክህሉ ዝብል ኣብቲ ጨንፈር ኦስትሪያ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘውጽኦ ሰነድ ተነቢሩ ዘሎ ነጥብታት መሰረት ምይይጥ ከምዘካየደ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ እቲ ብዘይ ሕይጋዊ መገዲ ናይ ገበን ጉጅለታት ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምንግስቓስ ዘይሕጋዊ ተግባር ንምብዳህ ስደተይና ናብ ኤውሮጳ ብሕጋዊ ኣገባብ ከእትው ዘኽእል ሕጋዊ ፍኖት ክፍጠር ዝብልን ሃገራት ምዕራብ ባልካን ናብ ኣባልነት ሕብረት ኤውሮጳ ንምዃን ዝኽተልኦ ከይዲ ዓቢይ ትኵረት ክወሃቦን ኣብቲ ከባቢ ናይ ሰላም ዓውደ ዘተ ኣገዳስነት ዝሕብሩ ነጥብታት ዘደገፈ ምይይጥ ምክያዱ የመልክት።

ርክብ ናይ ኤውሮጳ ኣቢያተ ክርስትያን ልኡካንን መንግስቲ ኦስትሪያ ተረይና ርእሰ ብሔር ሕብረት ኤውሮጳን
26 July 2018, 15:46