ኣደዳ ዓመጽን ሕጻናትን ኣብ ምክልኻል፡ ካሪታስ ኤውሮጳን ካሪታስ ሃገራት መዲትራኒያን ብሓባር ኣደዳ ዓመጽን ሕጻናትን ኣብ ምክልኻል፡ ካሪታስ ኤውሮጳን ካሪታስ ሃገራት መዲትራኒያን ብሓባር 

ኣደዳ ዓመጽን ሕጻናትን ኣብ ምክልኻል፡ ካሪታስ ኤውሮጳን ካሪታስ ሃገራት መዲትራኒያን ብሓባር

ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ሃገራት ኤውሮጳን ሃገራት መዲትራኒያን ኣደዳ ዓመጽ ዝዀኑን ሕጻናት ንምክልኻል ዓቕምን ሓይልን ዘወሃሃደ ኣብ ናይ ሓባር መደብ ኣገልግሎት።

ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ሃገራት ኤውሮጳን ሃገራት መዲትራኒያን ኣደዳ ዓመጽ ዝዀኑን ሕጻናት ንምክልኻል ዓቕምን ሓይልን ዘወሃሃደ ኣብ ናይ ሓባር መደብ ኣገልግሎት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ግብረ ሰናይ ጨንፈር ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ነቶም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታትን ብፍላይ ካኣ ሕጻናትን ኵሎም ኣደዳ ዝዀኑን ንምክልኻል ሓይልን ዓቕም ዘወሃሃደ ናይ ሓባር ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ከምዝሓንጸጹ ክሕበር እንከሎ፡ እዚ ናይ ኣልባኒያን ቦዝኒያን ፈረንሳን ዮርዳኖስን ሊባኖንስ ኮሶቮን ስሎቨኒያን ስሎቫኪያን ኡክራይንን ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ዕለት 30 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ሓድሽ ግሊያነት ምኽንያት ናይ ሓባር መደብ ኣገልግሎት ከምዝሓንጸጹ ተገሊጹ።

ነቶም ኣደዳ ዝዀነ ዜጋታት ዝቐብር ኣገልግሎ ብሉጽ ክኸውን

ጨንፈር ካሪታስ ኣብ ኤውሮጳ ነቶም ካብ ናይ ገበን ጉጅለታት ዘምልጡን ኣደዳ ዝዀኑን ከምኡ እውን ብዝተፈላለየ መገዲ ካብቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ብሓይሊ ጸጥታ ዝድሕኑ ካብቲ  ሓድሽ ጊልያነት ዘስዓበሎም ዓቢይ ሰብኣውን መንፈሳውን ስነ ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ንምድሓንን ብፍላይ ከኣ ነቶም ትሕቲ ዕድመ ዝዀኑ ሕጻናት ንምእንጋድን ንምድጋፍን ሓድሽ ናይ ክንክን መደብ ከምዝሓንጸጸ ዝሓበረ ሲር ናይ ዚና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ናይ ገበን ጉጅለታት ንምውጋእን ሓድሽ ግሊያነት ንምውጋድን ነቶም ናይዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ኣደዳ ንዝዀኑ ዜጋታት ኵለ መዳያዊ ድጋፍ ብምቕራብ ክብገስ ከምዘለዎ ካሪታስ ኤውሮጳ ብምምልካት፡ ግብረ ሓድሽ ግሊያነ ብዓንተውኡ ንምውጋድን ነቶም በቐሊሉ ነቲ ናይ ገበን ጉጅለታት መጻወዲያ ክቃልዑ ዝኽእሉ ብምንቃሕን ኣብዚ መዳይ ሓይሊ ጸጥታ ብቐዳምነት ተዋሳኢ ብምግባር ሕብረተሰብ እውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ግልጺ ሓበሬታ ክህልዎ ዘተባብዕ መደብ ምዃኑ የመልክት።

ብሓባር ነቶም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጁለታት ምግጣም

ናይ ካሪታስ ጨንፈር ኣብ ኤውሮጳ ወኪል ገነቫይቨ ኮላስ ይብሉ፡ ካሪታስ ኤውሮጳ ሓድሽ ግሊያነት ንምውጋድ ዝገብሮ ጻዕሪ ሎሚ ካብ ቀደም እናተበተዔን እናተመሓየሸን ህዝብን መግስታትን ግንዛበ ክህልዎ ኣብ ምግባር እናተበራተዐ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢሮም፡ እቲ ናይ ምቁጽጻርን ምክልኻልን መደብ ምስ ዝሕይል ናይ ገበን ጉጅለታት እውን ሜላታቶም ብምቅይያር ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝገርዎ ምንቅስቓስ ዝቕጽልሉ ምዃኖም ርኡይ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝግበር ቃልሲ ዓለም ለኻዊ ኰይኑ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ክሰፍሕን ብርቱዕ ናይ መቕጽዒ ሕግን መደብ ሕንጸት ንሕዝብን ድኽነት ምውጋእን ዝኣመሰሉ መርሓ ግብርታት ምዝርጋሕ የድሊ እንክብሉ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ላዕለዋይ ድርገት ወሃቢ ቃል ማሪያ ግራዚያ ጃማሪናር ንመራሕቲ መግስታትን ንናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ምኽርን ነቶም ኣብ ሓልዮ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝዓዩ ኣባላትን ማሕበራትን እቶም ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ካብቲ ዘጓነፎም ሰብኣውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጸገም ንኽላቐቑ ዝቐርብ ኵለተናዊ ሓገዝ ከበርትዑ ጻውዒት ከምዘቕረባን ኣብዚ መዳይ ኣበርቲዔን ክዓያ ምዃነን ከምዘፍለጣ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣደዳ ዓመጽን ሕጻናትን ኣብ ምክልኻል፡ ካሪታስ ኤውሮጳን ካሪታስ ሃገራት መዲትራኒያን ብሓባር
28 July 2018, 17:18