ኣብ መንጎ ዘለንስኪን ካርዲናል ፓሮሊንን ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ብሔር ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፣ ዕለት 14 መጋቢት ብስልኪ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸበን፣ ኣብዚ ናይ ስልኪ ርክብ እውን ዘለንስኪ ቅልጡፍ ምሕዋይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመንዩ፣ ቅድስቲ መንበር ንህዝቢ ዩክረይን ስለ እትገብሮ ግብረ ገባዊ ደገፍ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ፣ ከምኡውን ነቶም "ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ሩሲያ ዝተወስዱ" ዩክራይናውያን ቆልዑ ንምምላስ ቅድስቲ መንበር እተገብሮ ዘላ ጻዕሪ ኣፍልጦ ከም ዝሃበን፣ እቲ ብስልኪ ዝተኻየደ ርክብ ድማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መንጎ ኪየቭን ሞስኮን ናይ ሰላሳ መዓልቲ ስምምዕ ደው ምባል ቶኽሲ ክህሉ ሓሳብ ኣብ ዘቕረበትሉ እዋንን ክረምሊን ነቲ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ዘቕረበቶም ናይ ስምምዕ ሰነድ ብዕምቆት ክምርምሮ ምዃኑ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን ዝተኻየደ ምንባሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
እቲ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ
ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ብዛስዕባ እቲ ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብስልኪ ምርኻቡ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኡ ኣቢሉ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሐምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማቴዮ ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከም ዘረጋገጸን፣
“ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን መዓስከራትን ሩስያ ዝርከቡ ዩክሬናውያን ዝርዝር ከም ዝበጸሓን፣ ንኽፍትሑ እተካይዶ ደገፍ ድማ ወሳኒ ምዃኑ ገሊጹ፣ ምልውዋጥ እሱራትን ን30 መዓልታት ዝጸንሕ ተኹሲ ምቁራጽን ዝብል ክህሉ ዝድለ ዘሎ ስምምዕ፣ “ናይ መጀመርታ ጭቡጥ ስጉምትታት ናብ ፍትሓውን ነባሪን ሰላም” ንምብጻሕ ዝኣመተ ምዃኑ እውን ገሊጹ፣ “ህዝቢ ዩክረይን ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ሰላም ስለዝምነ፣ ዩክረይን ነዚ ስጉምትታት ክትወስድ ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊጹ፣ ኣብ መንገዲ ሰላም ድምጺ ቅድስቲ መንበር ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንትሕቲ ዕድመን እሱራትን ዝግበር ጻዕሪ
መራሒ ዩክሬን ንቅድስቲ መንበር ብሓይሊ ናብ ሩስያ ዝተወስዱ ልዕሊ 19 ሽሕ ትሕቲ ዕድመ ዩክሬናውያን ንኽፍትሑን ምልውዋጥ እሱራት ኣብ ምምችቻእን ንእተሳልጦ ዘላ ጻዕሪ ብግልጺ ከመስግን ናይ መጀመርታ ኣይኮነን፣ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዘለንስኪ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብዞም ኣገደስቲ ሰብኣዊ ጉዳያት ቅድስቲ መንበር ክትሽምግል ጻውዒት ኣቕሪቡ ከም ዝነበረን፣ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቫቲካን፣ እቲ ራብዓይ ርክብ ድማ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፑሊያ ኣብ ዝተካየደ ናይ ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት ዋዕላ፣ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም እተራኸበ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።