ድለ

ሃገረ ቫቲካን 'ሓደጋታትን ዕድላትን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንህጻናት' ዝብል ዓውደ ኣኼባ የአንግድ ሃገረ ቫቲካን 'ሓደጋታትን ዕድላትን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንህጻናት' ዝብል ዓውደ ኣኼባ የአንግድ 

ሃገረ ቫቲካን 'ሓደጋታትን ዕድላትን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንህጻናት' ዝብል ዓውደ ኣኼባ የአንግድ

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብጳጳሳዊ ናይ ስነ ፍልጠት ተቕዋም ምስ ኣህጉራዊ ትካል ሓልዮ ህጻናትን ጳጳሳዊ ጎርጎርያና መንበረ ጥበብን ብምትሕብባር፣ ‘ሓደጋታትን ዕድላትን ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ ንሕጻናት” ብዝብል መርሕ ቃል ክሳብ ዕለት 22 መጋቢት ዝካየድ ዘዳለውዎ ዓውደ ጉባኤ ሎሚ ዕለት 21 መጋቢት ከም እተጀመረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ዕላማ፣ “ነቲ መንግስቲ ዘውጽኦ ስርዓታት ብስነ - ምግባራዊ ኣረኣእያ ብምድልዳል፣ ንቘልዑ "ድሕንነትን ብሑትነትን ክብርን" ከም ዝህሉ ምግባር” ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካ ሓቢሩ፣ ካብ ዕለት 21 – 22 መጋቢት ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ማሕበራውን ስነ - ፍልጠትን ምስ ኣህጉራዊ ትካል ሓልዮ ህጻናትን ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ክፍሊ መጽናዕቲ ስነ ሰብእ ብምትሕብባር ዘዳለዎ ኮይኑ፣ ኣብቲ ብዛዕባ እዚ መደብ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ናይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ማሕበውን ስነ ፍልጠትን ዋና ሓላፊ ካርዲናል ፒተር ቱርክሰን፣ ናይ ጳጳሳዊ ስነ ፍልጠት ተቕዋም ኣቦ መንበር ፕሮፌሰር ዮኣኪም ፎን ብራውን፤ ኣብ ጳጳሳዊ ጎርጎርያና መንበረ ጥበብ ክፍሊ መጽናዕቲ ስነ ሰብእ ናይ IADC - ብዛዕባ ክብርን ክንክንን ደቂ ሰባት ዘተኮረ ህብረ ክፍለ መጽናዕታት ጉዳይ ሓላፊ ፕሮፌሰር ኣባ ሃንስ ዞልነር፤ ከምኡ’ውን ምኽትል ጸሓፊት ኣህጉራዊ ትካል ሓልዮ ህጻናት ብሪታ ሆልምበርግ ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ክወድቕ የብሉን

ካርዲናል ቱርክሰን ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ናይቲ መደብ ሓባራዊ ባህርን ቅድስቲ መንበር ኣብ ሓደስቲ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዘለዋ ተገዳስነትን ብምጉላሕ፥  ኪኖ እቲ ኣብ ሓድሽ ስነ - ምግባር ኣስተውዕሎታዊ ቀመር ዝግበር ዘተ፡ "ኣስተውዕሎታዊ ቀመር" ዝበሃል ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ "ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት" ጥራይ ከይወድቕ፣ ብዛዕባ ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ - መንግስታት ምዝታይ ኣድላዪ ምዃኑ የመላኽቱ።

ምስ ናይ እደ ጥበብ ትካላት ኣብ ዘተ ምውፋር

ፕሮፌሰር ፎን ብራውን፣ ምስ ሓደስቲ እደ ጥብባዊ ምዕባለታት ዝተኣሳሰሩ ሓደጋታት ንማሕበረሰብ ስነ ፍልጠት እናተጋሃዱ ይመጹ ከምዘለዉ ኣጉሊሖም። እዚኦም ድማ ወልፊ ማሕበራዊ መራኸቢታት - ንዕብየት ሓንጎል ህጻናት ብዓቢኡ ዝጸሉ - ምጥሓስ ብሕትውናንነት፡ ከምኡ'ውን ንንግዳዊ ረብሓታት ዘተኮረ ምርጫታት ኣቢልካ ንህጻናት ምትላል ዝግበር ኣካይዳ ኩሉ ዘርዚሮም፣ ብዛዕባ ንሓደሽ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ዘመሓድሩ ኣስተውዕሎኣዊ ቀመር ብምጥቃስ፣ "ንዓመታት ስነ ቀመር ስነ- ምግባራዊ ትርጉም ዘይብሉ ስነ-ፍልጠት ተባሂሉ ይቑጸር ነይሩ . . . ሎሚ ግን ከምኡ ኣይኮነን፣ . . . ኣብ ፖለቲካዊ ዓውዲ ብዙሕ ክፍጸም ዘለዎ ዕማም ከም ዘሎ ኣስተብሂሎም፣ ንኣብነት ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝምልከት ረቂቕ ሕጊ ንኽልተ ዓመት ከይጸደቐ ኮፍ ኢሉ ኣሎ፣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድማ ምስ ከም ኣልፋቤት (ናይ ትካል ጉግል) ዝኣመሰላ ዓበይቲ ናይ እደ ጥበብ ትካላት ምዝታይ ወሳኒ እዩ። በዚ መንጽር እዚ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ - ፍልጠት ሃናጺ ዘተ ከመቻችእ ከም ዝኽእል ብኣጽንዖት የመላኽቱ።

ግህሰት ንምጥፋእ ምትሕብባር

ፕሮፌሰር ዞልነር ነቲ ድሮ ብ2017 ዓ.ም. "ተወከልቲ እተን ኣብ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዝርከባ ምርኡያት ትካላት፣" ኣብ ዕቝባ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ቐንዲ ተዋሳእቲ ክኾና ከም ዘለወን ዝገልጽ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ ኪደት ኣጒሊሖም፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እዚ ተቛሪጹ ዝነበረ መስርሕ እዚ፣ ሕጂ ብፍላይ በታ ተልእኾኣ ነቶም ተነቀፍቲ ምሕላው ዝብል ኣገልግሎት ቀዳምነት ብእትህብ ቤተ - ክርስትያን እንደገና ክትቅጽል ኣለዎ።

መረዳእታ ብዛዕባ ኣብ መርበብ ዝፍጸም ዓመጽ

ብሪታ ሆልምበርግ ነቲ ቕድሚ 25 ዓመት ብናይ ሽወደን ንግስቲ ሲልቭያ እተመስረተ ኣህጉራዊ ትካል ሓልዮ ሕጻናት፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ሒደት መራሕቲ ብጋህዲ እተመያየጡሉ ጕዳያት ንምፍታሕ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣቕሪባ። ንኸም ስደተይታት ዘኽታማት ከምኡውን ግዳም ሓደር ቈልዑ ዝኣመሰሉ ብቐሊሉ ዝሳቐዩ ምዕቋብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሐ፣ ብዛዕባ እቲ ብመርበብ ዚፍጸም ማህሰይቲ ዝወሃብ ሓበሬታ ዜሰምብድ እዩ፣ ከመይሲ ካብ ሓሙሽተ ኣዋልድን ካብ ሸውዓተ ኣወዳትን እቲ ሓደ ኣብ መርበብ እተፈላለየ ዓይነት ዓመጻ ኣጋጥሚዎ እዩ። "እደ ጥበብ ኣካል እቲ ጸገም ኢዩ። እንተዀነ ግን ክፍሊ ናይቲ ፍታሕ እውን ክኸውን ኣለዎ፣" ስለዚ በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ሓድሽ መሳርሒታት ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ሓደጋታትን ኣጋጣሚታትን ዘምጽእ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸረት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 Mar 2025, 16:21