ድለ

2025.03.09 Inizio Esercizi Spirituali

ሱባኤ ኵርያ ሮማና፦ ለውጢ ምቕባል

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ዝኾኑ ክቡር ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ናይ ዓመተ 2025 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካይድ ዘሎ ሱባኤ ኵርያ ሮማና "ንለውጢ ምቕባል" ብዝብል ኣርእስቲ ዓስራይ ኣስተንትኖ ኣካፊሎም።ጽማሬ ናይቲ ዘካፈልዎ ኣስተምህቶ ነቕርበልኩም፦

ብኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ - ሰባኬ ቤተ ጳጳስ

ህይወት ብጽባቐኣን ጸገማታን 'ኵሉ ነገር ኣብ ናብ መወዳእታ ገጹ ኣብ ዘብለሉ ዘሎ እዋን፣ እዛ ዓለም እዚኣ እንገብሮ ጕዕዞ እንታይ ትርጕም ኣለዎ?' ዝብል በዳሂ ሕቶ ተቕርበልና።

ዘልዓለማዊ ተስፋ እንተ ዘይብልና ክበድ ብሓቂ ከናውጸናን ወይ ንጹላትን ዘይተገደስትን ክገብረና ይኽእል ኢዩ፣ እዚ ድማ ካብ ዕዮና ከም እንወጽእ ኢዩ ዝገብረና። ቅዱስ ጳውሎስ ናብቲ ዘለኣለማዊ ዝዀነ ምስጢር ዝኾነ ነገራት ክንጥምት ይምሕጸነና።

ደቅሰብ ኣካላዊ ዝኾነ ውድቀት እኳ እንተ ኣጓነፈና፣ መዓልታዊ ግን ውሽጣዊ ምሕዳስ ክንገር ኣሎና። ኵሉ እቲ ከም ዝመክኽ ዚመስል ሓላፊ ነገራት ዝዓበየ ጽሕፍቶ ኢዩ ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ንትንሳኤ እዩ ፈጢሩና፣ እዚ ኸኣ ሕልሚ ዘይኰነስ ናብ ምልኣት ዚጽዋዕ ተፈጥሮኣዊ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ እዩ ።

ኣምላኽ ኣብ ምስጢተ መስቀሉን ትንሳኤኡን ብክርስቶስ ኣቢሉ ነቲ ናይ ፍቕሪ መደቡ ፈጺምዎ እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ከምቲ ሓደ ኣቦ ንደቁ ክጥንጥኖም ከም ዘይክል እዩ ዚሕብረና። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ህይወትና ከም ኣጋጣሚ ኣይኮነትን እትሓልፍ፣ የግዳስ ክፍሊ እቲ ከም ፍቑራት ውሉድ ንዘለኣለም ከም እንኽበር ዚገብረና ውጥን ድሕነት ዝኾነ ጽሕፍቶና እያ።

ኵሉ እቲ ዜጓንፈና ነገራት ማለት ሓጐስ ጓሂ፣ ኣሳልጦ ከምኡውን ፍሽለት ልክዕ ከምቲ ብሞቱ ሓድሽ ህይወት ዜፍሪ ዘርኢ ቐጻሊ ለውጢ ኢዩ ዘመልክተልና። ብተመሳሳሊ ድርኵኺት ሞት እኳ እንተ ሓለፍና ሓድሽን ዜደንቕን ህይወት ክንረክብ ኢና ።

እዚ ለውጢ እዚ ኣብ መጻኢ ጥራይ ዘይኰነስ ሕጂ እውን ኣብዚ እዩ ዚጅምር። ኣብ ቅዱስ ቍርባን ምስጢራዊ ዝኾነ ምልውዋጥ ኢዩ ዝካየድ - ህይወትና ንኣምላኽ ንህብ ብግዴና ድማ ንክርስቶስ ባዕሉ ንቕበሎ፣ ንሱ ውን ብፍቕሩ ይልውጠና።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ እነዕርጐ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኵሉ እቲ እንነብሮ ነገራት ናብ ህይወት እቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ዝቐርብ ክርስቶስ እዩ ዝልወጥ ። ምሳልያዊ ጽምብል ዘይኰነስ ኣብዚ እዋን እዚ እውን ከይተረፈ ኣብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም እንሳተፍ ዚገብረና ሓወይና መስርሕ ምልዋርና እዩ።

ኣብ መወዳእታ ነገራት ብኸመይ ከም ብኸመይ ከም ዝፍጸሙ ብልክዕ ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፣ እንታይ ከም እንኸውን ግና ድሮ ኣብ ውሽጥና ዘርኢ ኸም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። ኣብ መጻኢ ተስፋ ዘሎና  ደኣ እምበር ከንቱ ኣይኰንናን። በዚ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና - ህይወትና ትርጕም ኣልቦ ፊልም ዘይኰነትስ፣ በቲ ንዘለኣለም ክንጥምትን ናብኡ ብምትእምማን፣ ናባኡ ኣቢልና ንኽንቀርብ ዝዓደመና ብፍሉይ ዝኾነ ደራሲ እተጻሕፈን እትምራሕን መጽሓፍ እያ።

ኣምላኽ ውሉድ ከም ዝወለደ ዚከሓድ ኣይኰነን፣ ንሕና እውን ካብዞም ውሉድ እዚኣቶም ኢና። መጻኢና ኸም ፍቕራዊ ንድፊ ዀይኑ ብኸፊል ጥራይ እዩ ተገሊጹልና ዘሎ። እንተዀነ ግን እዚ ሎሚ እንርእዮ ዘለና ነገር ድሮ ዘደንቕ ኢዩ - ፍቑራት ውሉድ፣ ናይ ሰማይ ዜጋታት ከምኡውን ንኣምላኽን ንዘልኣለም ኣለም እንነብር ኢና።

14 Mar 2025, 15:15