ካርዲናል ፓሮሊን፥ ንጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጸሊ፡ ኣብ ዝምድናታትና ድማ ሰላም ንደሊ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 12 ዓመት መዓልቲ ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ዘለዎም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎሳዊ ቤተ ጸሎት ኣዕሪጎም፣ ብሓባር ምእንቲ ቅዱስ ኣቦና ንኽጽለይ ኣብቲ ቅዳሴ ንዝሓበሩ ኩሎም ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ “ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቀረባ እዋን ሓውዮም ኣብ መንጎና ምእንቲ ክርክቡ ክንጽልይ ኣብዚ ንርከብ እንክብሉ ስብከቶም ኣበጊሶም፣ ቅዱስነቶም መበል 12 ዓመት ሕርየቶም ንሕክምና ኣብ ዝርከብሉ ቤተ ሕክምና ጀመሊ ከም እተዘከረ ገሊጾም፡ ብድሕሪ’ዚ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ሕመረትን ዕላማን ጸሎት ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕርበዎ ስብከት፣ ጸሎት ካብ ንኣምላኽ ድሮ ዝፈልጦ ድሌታትና ካብ ምሕባር ንላዕሊ፣ ልብና ንእግዚኣብሔር ምኽፋት ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ጸሎት ንቃሉ ንኽንሰምዕ ናይ ገዛእ ርእስና ልብና ስለ ዝኸፍት፣ ንልቢ ጐይታ ዝኸፍት መፍትሕ እዩ . . . ምስ በሉ፣ ኣብቲ ናብ መንግስተ ሰማያት ንምእታው ዘድሊ ጽድቂ ዝገልጽ ናብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ምልስ ቢሎም፣ ኢየሱስ፣ ንሰማማዓሉ ኣይንሰማማዓሉ ንጐረባብትና ምፍቃር ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ገሊጹልና እዩ። “ውግእ ኣብ ዓውደ ኲናት ዝጅመር ዘይኮነስ፣ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት እንዕቅቦ ናይ ጽልእን ተጻይነትን ስምዒታት እዩ ዝጅመር!” ስለዚ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኲናት ንኸይለዓል ዝዓለመ እኳ እንተኾነ፡ ሰላም ግን ቋንቋና ዕጥቅና ክንፈትሕን ምስ ካልኦት ኣብ ዘለና ርክብ ፍቓድ ኣምላኽ ክንደልን ይጠልብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቶም ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሓበሩ ልኡካነ መንግስታት፡ ኢየሱስ ቅድሚ ኣብ ተግባራት ኣምልኾ ምውፋርና ዕርቂ ክንደሊ ዝሃበና ዕድመ ኣዘኻኺሮም፣ “ግብረ ሰናይ - ፍቕሪ ካብ ኩሉ ካልእ ግቡነታት፡ እንተኮላይ ካብ ናይ ኣምልኾ ግቡነታት ቀዳምነት ኣለዎ . . . "ስለዚ እቲ ናይ ዕርቂ ተግባር ቅድሚ እቲ ኣብ መሰውኢ ዝቐርብ መስዋእቲ ዝመጽእ እዩ” ቢሎም፣ ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ድማ፣ ቅዱስ ኣቦና ኩሉ ግዜ ኣብ ዝምድናታትናን ርክባትናን “በጃኻን ይቕረታን የቐንየለይን” ዝብላ ቃላት ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ እዚ መግለጺታት እዚ ካብ ግጭት ናብ ጽቡቕ ባህርን ሰናይ ድሌትን ሱር በተኻዊ ምንቅስቓስ ዘመልክት እዩ ቢሎም፣ ኣብ መደምደምታ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፣ እግዚኣብሔር ዘይከኣል ዕማም ክንፍጽም ፈጺሙ ኣይሓተናን፣ እንታይ ደኣ ኩሉ ግዜ ቃሉ ክንፍጽም ዘኽእለና ጸጋ እዩ ዝህበና እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ “ብቃል ጐይታ ነጺሕና፣ ንጥዕና ቅዱስ ኣቦና እነዕርጎ ጸሎት ሓድሽ ሓይሊ ክረክብ፣ ትውክልትና ድማ ኣብቲ ወሃቢ ዅሉ ሰናይ ዝኾነ ንገብር” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።